እስከ ጉዳይና ነፅልሎ
ንርኣዮ ኣብ ባይታ ንዘሎ
ጊዜ ከም ቀደሙዶሎ
ተለዊጡ እባ ኣሎ
በደል በዚሑ ኣሎ    
ኣፍልጦ ዊሒዱ ኣሎ
ባህሊ ተረጊጹ ኣሎ
ስምምፅ ጎዲሉ ኣሎ
ህዝብና ይሽገር ኣሎ
ሃገር ይጠፍእ ኣሎ
ነገር የፍርህ ኣሎ
ስቕ ካኣ ገዲዱ ኣሎ
እንታይ እሞ ንበሎ
ንኹሉ ነስተውፅሎ
እሞ እርም ነብሎ
ግን ኩሉ ከነእክሎ
ዘተ ኢዩ ዘድሊ ኣሎ
ክንፍትሽ ፈውሲ እንተሎ
ህዝቢ ከይበረሰ ከሎ

ምኽሪ ኢያ ንባእሲ ትቕልሳ
ንፍቕሪ ኣብ ቦታኣ ትመልሳ
ሕድገት ኢያ ደምሳሲት ኣበሳ
ንሽግርና ውን ትድምስሳ
ንሃገርና ኣብ ንቡር ትመልሳ
ንሰላምና ካኣ ተውሕሳ
ቅሳነት ተምጽእ ንሳ
ሃገር ትመልስ ነብሳ
ኣደታት ይሕጎሳ

ህልኽ ንኹላ ትለውሳ
ንነገር ካኣ ትሕምሳ
ዘራሪጋ ኣብ ሕማቕ ትመልሳ
ብእዋኑ እንተ ዘይተቐሊሳ
ብዙሕ እዩ ንሳ ተምጾ ኣበሳ

ሃገር እኮ ተሃዊጻ
ኣይንፈልጥን እንታይ ይመጻ
ስምምፅ ኢዩ ኣንጻር ዓመጻ
ሓቂ ኢያ ንሓሶት ተውጻ
ፍትሒ ኢያ ንሰላም ተምጻ
ዓመጻ እንተ ተረጊጻ
ፍትሒ እንተ ተረጋጊጻ
ድሕሪኡ የለን ዓመጻ
ሃገር የለን ዝመጻ

እዚ ኹሉ ዝተኸፍላ
ዋላ ሓደ ኡፈየ ዝብለላ
ኩላ ወዳ ጓላ
ሽግር ምስ ዓብለላ
ሃገር ከምዘይብላ
ኣንጸርጺራ ትጠፍእ ኣላ
ሃገር ኮይና መፍቶ ጉሒላ

ሕጂ ክሕሰብ ዘለዎ
መፍትሒ ድለዩ ኣብ ዘዘለኹምዎ
ንመሰገጥ ሽግር ከነርሕዎ
ኩሉ ዝሓሰሞ ንኽርህዎ
ንኣሳራይ ብኢዱ ሓዝዎ
ንቐታላይ ብኢዱ ሓዝዎ
ስርዓት ንትከል ዘይብሉ ኣድልዎ
ኣብ ስራሕ ስገሩ ነገር ግደፍዎ
እቲ ሰላም ዝብሃል ሽዑ ክትፈልጥዎ
ዓዱ ንኽምለስ ኩሉ ካብ ዘለዎ
ዓዲ ጓና ምንባር ኣሎ መሪሩዎ

ኩሉ ተፈሊጡ ሳላ ሓበሬታ
ቃንዛ ኣይተረፈን ዋይዋይታ
እገሌ ሞይቱ እገሌ'ውን ሞይታ
ቅሳነት ዘይብሉ ዋላ ሩፍታ
እዚኣ እንተቐንያ ከም ዘላታ
ኣይርከባን ኢዩ መመኽነይታ
ዝኾነ ከይኮነ ንዑ ንመክታ

እንታይ ኢዩ እቲ መኸተ ከይትብሉኒ
ሓደ ይኹን ቃልና እሞ ነሳኒ
መርገም እንተኾይኑ ኣራግሙኒ
ጸሎት እንተ ኾይኑ ኣሰንዩኒ
ሓይሊ ዘለዎ ይደርቢ እታ እምኒ
ብረት ዘለዎ ይተኩስ ኣብ እዝኒ
ሃገር ናይ ኩሉ ኢያ ኣይትጸበዩኒ
መርገምዶ ኣለና ኢዩ ኣኪቡ ዘፅነኒ
ምስማፅ ዘይንፈልጥ ብጄካ ስምዑኒ
ኣነ ክጽህፍ ኢየ በታ ዘላትኒ
ምኽሪ እንተኾይና ጽን በሉኒ
እንተ ተጋግየ ካኣ ኣርሙኒ
ስቕ ኣይንበል ሂወት ከምዘይብላ እምኒ
ህዝብና ከይበርስ ሃገር ከይትዓኒ

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝመብፅ ዘሎ ህዝብና