ስመር! ኣታ ስየ ጥዑም ሽሙ
ኛው ጀሚሮም ከድዓት ከም ድሙ

ስመር-ስመር ደይቦ ‘ቲ እምባ
ባንዴራ ውጹዓት ተረከባ
ስዉኣትካ ውሕጅ ደም ከፊሎም
ኣይናትኩምን’ያ ሃቡ ድኣ በሎም

ስመር! ኣይትረስዕ ታሪኽ ቀደም
ብደም ዝተጻሕፈ ቀይሕ ቀለም

ዓቐበት እንተዀይኑ ጎቦ-ጎቦ
ስመር እምበር ባዕልኻ ደይቦ
ዋላ ገደል ቍልቍል ሩባ-ሩባ
ዋላ ጎኖቕ ቆንጠጠፈ ጋባ

ስመር! ንሃገርካ ‘ዛ ‘ትፈትዋ
ብጥይት ጽሒፎም ዘምጽእዋ

ኤርትራ ሃገርካ ስመረላ
ኲምራ ዓጻጽምቲ ዝተኸፍላ
ስመር’ሞ ፈትሻ መሬትካ
ሰብ ትረክብ ብጽፍሪ ኲዒትካ

ስመር! ኣርክብ ኣዴታትካ ኣብድ
ጸባ ዓወት ኣስትየን ብጓጒድ

ዕጸወለይ ጎሮሮ ናይ ጥልመት
ኣነቅዎ ናይ ስመር መለኸት
ስመር ነጋሪትካ ኣንጎድጒዶ
ኮቦሮ ከድዓት በትኖ ቅደዶ

ስመር! ስመረለይ ደብተር ጽንዓት
ኣይድምሰስ’ንዩ ብራና ውጹዓት

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

04/12/2012