ሰብ እንተተረኽበ ረዳኢ
እዋን ገናኸሎ ነእዊ
ኣቲ ቀባሪት ፍቕሪ
ሓቂ እስኪ ንገሪ ንገሪ
ናይ ተስፋ ባጠራ ወርቂ ክንኣሪ
ብሓሶት ከይትዓርበና ምድሪ።

ከም ሰብ ተመሲልኪ
ከም ጓውና ተውእዊዪ
ርህሩህ ሓዛኒ ተመስልኪ
ከም ዝብኢ ተዕሮምሩሚ
ክልተ እግሪ ሂቡኪ
ተጋግዩ ላዕላዋይ ፈጣሪ።

ንጉሆ ዝተዘርበ - ንምሸቱ ይቕየር
ጽላለ ድዩ? - ሕማም ዘይንገር
ውቃበ ድዩ ዛር - ሕልና ዘዕገርግር
ብሕሹሹኽ ዘረባ - ሓሪሩ ዘሕርር
ሓዊ ድዩ ጠፊኡ - ንጥረ ዘብስል
ክርዳድ ተኣኻኺቡ - ዝፍትን ክሰብር
ምድሪ ድያ ዓሪባ - ብሰላም ከይንነብር።

ብምድሪ ብባሕሪ - ንስደት ሰብ ሃገር
ሃገር እንከለና - ከይንመዉት ከም ንቡር
ኩላህና ንበታተን - ኣይንስራሕ ንቁምነገር
ሓድነትና ተበቲኑ - ኣቲዎ ዕግርግር
ከም ኣሕዋት ከይንነብር - ብፍቕሪ ዘኽብር
ንግፍዒ ንሰግድ - ንሎሚ ክንነብር
ኣማዕዲኻ ምርኣይ - ኮይኑና ዘዕብር
ውሉድካ ውላደይ - ጽባሕ ከምዘይነብር።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል
“ ሕልና - 09/04/12 “