ዝሰበበ እንጀራ ተነጊፉ -
-    ተቖርሚሙ ይብላዕ
ዝሰበበ ሕንባሻ ከይተተንከፈ -
-    ይፍርከሽ ይስላዕ
ዝሰበበ ሓንጎል ጥልመት -
- ተሰኪሙ ይጥላዕ
ዝሰበበ ሕልና ብውሽጡ -
-    ይነቅዝ ይነዝዕ
ዝተዋርደ ህዝቢ ተሓቢኡ -
-    ተሳቒዩ ይነብዕ
ሞራሉ ዝተሰብረ መንእሰይ -
- ይድሰቕ ብስላዕ
ሕሊና ዝሞቶ ኤርትራዊ -
-    ሃገሩ እዳጠፍእት ይስስዕ
ንህርፋን ተገዚኡ ንጭቆና -
-    እንዳበሎ ፍጊዕ
ዓደብኡ እንዳተዘምተ -
-    ብሓሶት የጣቅዕ።

ኣደኻ ተዋሪዳ - ሓፍትኻ ኣይደሓነት
ኣቦኽ ተሸቑሪሩ - ስድራኻ ኣይቀሰነት
ሓውኻ ተገፊፉ - ንቁሉዕ ባርነት
ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ - ሃገር እንዳዓነወት
እስኪ ንገሩኒ - ትርጉም ናይ ነፃነት
ኪነው ዶብ ትሐስብ - ፈላስፋ ናይ ጥልመት
ህዝብኻ እንዳሽእጥካ - ንስልጣን ንሹመት
ኤርትራዊ ትብል ረሳሕ - ናይ ጥፍኣት ገልሃሞት።

ኣታ እዛ ኤርትራና -
-    እንታይ ወሪድዋ
ኣናህብ ጠፊኦም -
-    ሃመማታት ዝዓስልዋ
ዝሰበበ ሓንጎል -
ካብ ኩሎም ዘሚትዋ
ኣብ ጎዱፍ ዝውዕል -
- ብጾት ንዓል ቃርማ
ደም ህዝቢ ዝመጽይ -
-    ስሱዕ ከም ሓሳማ።

ብድሕነት ሃገር ዝዝምሩ -
- ናይ ሓሶት ዋዜማ
ንህዝቢ ከፋፋሊ ዝፈጥሩ-
-    ንተንኮል ቁዘማ
ኣለዉ መንድዓት ህዝቢ -
-    ዘድልዮም ማሕጎማ
ኤርትራና ክትፍወስ ክሓልፈላ  -
-  ብደቃ ተሓኪማ
የብቅዕ ይኣክል ምፍልላይ -
-    ብቀደም ሕማማ።

ኣከለ ሰራየ ሰምሃር -
-    ደቂ ሰንሒት ሓማ
ኣሕዋት ብሌን -
-    ንዓል ባርያ ኩናማ
ሃይማኖት ኣውራጃ ገዲፍኩም -
-    ክትሓፍሱ ናትኩም ጻማ
ንፍቕሪ ሓድነት በልዎ -
-    ብሰላም መርሓባ።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ ሕልና - 04/2012 “