መንእሰይ ስርሑ ጀሚሩ ብዕሊ

ዓቃል መንእሰይ ዝደቀሰ መሲሉዎም
በል ህዝበይ እንሆ ደቅኻ ተንሲኦም
መርድእ ንህግደፍ ብሰራት ንህዝቦም
መርሓባ ሓንጎፋይ እልልታ ንቀበሎም 
ንዓና ፍናን ሕማም ርእሲ ንጸላእቶም
እነሆኳ ድሮ ድንን ጉምብሕ ጀሚሮም              

ተበራበር መንእሰይ ሕነሕዋትካ ፍደ
ኣብ በረኻ ሲናይ ንሞት ዝተፈረደ
ኣበሳ ዘይብሉ ከም እነስሳ ዝተሓርደ 
ዘይርሳዕ ታሪኽ ንድሒሩ ዝተወልደ 
ሓወልቲ ክቕረጾምዩ መሬት ምስረፈደ    

ኣዕጽምቲ ጀጋኑ ዝተኸፍላ ሃገር
ይጻወተ.ላሎ ህግደፍ ሰራቒ ፈገር
ህዝቢ ብጥሙዩ ንበይኑ ይዕንድር
ሓቂ ስለ ዝኾነ ይተንተን ይነገር

ካብ ኣመሪካ ዝነቐለ ማሕበር መንእሰይ
ንህግደፍ ኣርዒዱ ኣቢሉዎ ሕቖይ ርእሰይ
ኣብ ዓለም ሊሒሙ ሰላሕ እናበለ ቐሰይ
እንቋዕዚ ኣርአዬና ህዝበይ ኣሰና ኣሰዬሰይ

ኣተወ ኣብ ዓዲንግሊዝ ቀጺሉ ንስዊዝ
ኾራኹር ህግደፍ ኣበሎም ሕውዝውዝ
ከደውን ንስራኤል ሓያል ጋሻ ውሕዝ
ምስ ዓባይ ጀርመና መስራቲት ኣጓብዝ
ምናዳ ኣብ ብሪምንጋሃም ዓዲንግሊዝ

ድሕሪኡ ተወንጨፈት ንኣስመራ ከተማ
አብ ቱሽቱሽ ህግደፍ ዋህዮታት ኣቍማ
ብኣጋ ተመልሰት ብስራት ሒዛ ለቓቒማ
ህዝብና ክሕጎስ ጃንዳ ህግደፍ ክቑዝማ

ተለዓ ዝተረፍካ መንእሰይ ኤርትራዊ
መንነትካ ምስ ጠፍአ ድሓር ከይተእዊ
ህግደፍ ብዘይ ጎነጽ ኣይእለን ብሰላማዊ
ሓቢርካ ዕጠቕ ህዝብኻ ሕማሙ ክሓዊ

ኣየ ተካል ዘመን ጉድምበር ረኺብና
እርይ.ራይ ዘይንፈልጦም ኣወጊኖምና
ብፉሑኽ ዘይንፈልጦም ወሪሶሙና
ብህግደፍ  ከም ካልኣይ ዜጋ ቆጺሩና
ከም ጓኖት ደቂ ወሰን ኣብ ገዛእ ዓድና

መንእሰይ ህግደፍ ጥራይ ንሽርሽር
ቀይሕ ቀጠልያ ተኸዲንካ ምቅንጃር
ኣብ ሳዋ ከድካ ሕማቕ ኣመል ምምሃር
ታይ ተዓዚብካ ብዘይካ ጓይላ ምስካር

ዚኦምዮም ንሲንጋፖር ጽባሕ ከርክብዋ
ዊስኪ ብጠራሙዙ ብጎንኦም ዕትሮ ስዋ
ንህግደፍ ኣይትጸበ ንሃገርካ ከማዕብልዋ
ማሕላ ኣለዎም ንሃገር ንህዝቢ ከጽንትዋ

ሎሚ ከይመስለካ ቀደምዩ ተሓንጺጹ
ተጋጊኹም መሰለይ ዝበለ ክዕምጽጹ
ኣርዒዶም ብሓይሎም ከም ዝምረጹ
ሰላም ዘይኣምኑ ምስ ከውሒ ዝናጎጹ    

ስለዚ መንእሰይ ህግደፍ ነዞም ናህና ምሰል 
ምእንተ ህዝቦም ዝቃለሱ ንማዕርነት መሰል
ድሕሪ ህግደፍ ምጉያይ ምሕማምዩ ምቑሳል
ጽባሕ ተድሉየና ኢኻ ይትረፍ ምምቕቓል      

ግዜኡ ኣኺሉ መርሃውቲ ተወሊዶም
ከም ሓዊ ዘቃጽሉ መድሕን ንህዝቦም
ቅድሚኦም ዝጸንሑ እዝጊ ዝጸልኣሎም
ገለል በል ህግደፋዊ ዕሱብ ከይትልከም

ጅግና ኣንቂሉዩ ቀደም ከይመስለካ
ምስ ሰብ ግዜ ተጓዓዝ ተኺኢልካ
ሰዓብዎም ኣሓትኪዮም ኣሕዋትካ
ሓሳዊ ህግድፍዩ ብዘይ ኮነ ፈላሊዩካ
ተቓለስ ሓቢርካ ክትምለስ ንሃገርካ

እቶም ተጣቕዑ ሰገድ.ቲ ትኣምንዎ
እናሃለ ባቡር ሰማይ ኪዱ ኣድሕንዎ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

05/04/2012 Norway