ይዛሪ’ምበር ክንሳገር ሩባ
ወሪዱ’ንድዩ ውሕጅ ኣኻኺባ

ተቓሊዖም ጀሚሮም ሸበድበድ
ተቐርቂሮም ብናይ ቃልሲ ሸደድ
ፋሕ-ፋሕ ኢሉ ናውቲ ናይ ማሕረስ
ብልሕጺ’ንድዩ ተኣሲሩ ከርፈስ

ይዛሪ’ምበር……………………

ሃተፍተፍ ጀሚሮም ሓድሽ ብልሓት
እንታይ ክዓብስ ሚዶ ንበርሓት
ሓናጢጥኩም ኣቝስሉዋ ኩላ
መላጥ ርእሲ ትኸውን በሰላ

ይዛሪ’ምበር………………………

ኣልቦ ድምጺ ጎሮሮ ላሕቲቱ
ጒዳም መድረኽ ንበይኑ ዓይነቱ
ኣብ ዕርበቱ ጀሚሮም ገበጣ
ወዮ መጋረጃ ተቐንጢጣ
ይዛሪ’ምበር………………………..

ኣበካቶ ነገር ምስ ፈሸለ
ንግደት ምስ ሓለፈ ትሓምበለ
ፍሪቕሪቕ ጀሚሮም ‘ዞም ገያሾ
ደይ ከምኡ’ዩ ዝገብር ብራሾ

ይዛሪ’ምበር…………………………

ተፋሊጥና ‘ለና ብዓል መስቀጥ
ክንደይ ግዜ ክኸየድ በጠ-በጥ
ሓቂ ከተምስሉ ተሓለቕቲ
ተፈዲሕኩም ናይ ሃገር ዓለቕቲ

ይዛሪ’ምበር…………………………...

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

04-01-2012