ንሸቐጥ ዘይኮነ ንድሕነት ህዝቢ ብሕልናዩ
ከም ህግደፍ ሃሱሳት ዘይብሉ ብፍቓደንዩ 
ገዛ ምኩሕኳሕ ብተቓወምቲ ዓቢ ነውሪዩ
ካብ ገዛ ገዛ ወወጢጥካ ንምሸቱ ዕንወትዩ

ኣብ ውሽጢ ዘሎስኳ ርዒዱ ብፍርሒ
ደገ ዘሎኸ ጠገለ ዝሳኣነ ኣጉል ጉርሒ
ህግደፍ ዝሓዘሎ ከም ሕጻን ወዲ ወርሒ
ጌና ጡብ ዘይገደፈ ኣብ ስረኡ ጻሕጻሒ
ሓሶት ዝመረጸ ክንዲ ንሓቂን ንፍትሒ

ኣራዳ ህግደፍ ዓመታት ተዓዚብናክን
ብዘይ ኣፍልጦ ብዙሕ ኮቦሮ ወቒዕክን
ክሳብ ጎሮረኽን ዝልሕትት ጨዲርክን
ዘይ ውርደት ሕስራን ታይ ኣፍሪኽን?

ተወጺዐ እናልካዶ ኣብ ጎደና ይስዕሳዕዩ
ሕቶ መሰል ብጸርፊ ጓይላንዶ ይፍታሕዩ 
እናተራጋሕካ ብስድነትዶ ይልመን ድዩ
ህግደፋውያን እዝስ ምልክት ሕስረትዩ

ተመሃራ ካብ ተቓዎምቲ ሰብ ሕልና
ወራዙት ኣደታት ኮሪዐን ዘኹርዓና
ንስኻትክን ግን ኣርኪብክን ክትቁነና
ንምዕሩግ ባህሊ ዓደቦ ኣራሲሕክናልና

ክንደይ ዕቡዳት ሪኢናሞ ኣይከምዚአንን
ሳዕሲዒት ዘቐድማ ደም እናነብዐ ህዝበን
ገልጣም ንገልጣም ካብ ግዛዕ ታኣኪበን
ፋዕራ ዘይብለን ዘይረብሓ ጠዋይ ልበን
ከም ጠለበጊዕ ዓር እናለ ህግደፍ ዘዕበየን

ክንምለስ ናብተን ለባማት ተቓወምቲ
ብህዝበን ብሃገረን ዝሓዝና ተገደስቲ
ድቃስ ዝሓረመን ብቀትሪ ኮነ ለይቲ
ከመኻትክን ዘይኮና ፈሽኳላት ፎኮስቲ

ቁንጅና ከሪኣ ኣይኮናን ኣብ ጎደና ዝቃልዓ
ብኾቦሮ ዘይኮነስ ውሽጠን ደምየን ዝነብዓ
ኣብ ፎቖዶ መንገዲ ከም ሰብ ቆለ ዘየጉራዓ
ክቡራትየን ወራዙት ዕጡቓት ጸረ ወጽዓ

ንወርቀይ ርኣዩ ዘይኮነ ንወደኽደኽ
ብሕልና ተደሪኸንየን ኣይኮነን ንህልኽ
ዝቃዎማ ጋህዲዩ የብሉን ወሽለኽለኽ
ንጹር መልእኽቲዩ ነጻ ክፉት መድርኽ

ኮሸምሸም ህግደፋዊት ዋላ ኣይሰርሐን
ሓንጎል ህግደፍ ተለቂሐን ንዘየማዕብልን
ብቀናን ዝተሰኣ ናይ ክራይ ጭንቅላተን
ዓደን ህዝበን ዘየፍቱ ፈውሲ ነስኒሱለን
ዓመታት ነቢሐን ኣብ መወዳእታ ደኒነን

ሪኢኽኖኦዶ ዝተገብረ ኣብ ፍራንክፎርት
ደኺምና ከይበላ ዝዋናጨፋ ዘለዋሕዋት
ናብርአን ገዲፈን ዝጓየያ ንህዝበን ድሕነት
ዝኸኣላ ብኣካል ዝደኸማ ድማ ብጸሎት
ደም ድኣ ንብዑምበር ጽባሒና ክንዕወት

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

29/03/2012 Norway                          


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...