ቱርኪ ግዝኣቱ ክንደይ ኔሩ
ወኪሉ ግብጺኸ ክንደይ ጌሩ
ድሒሩ እውን ጥልያን ወሪሩ
እንግሊዝ መጺኦምዎ ዘባርሩ

እንግሊዝ ምስ ከደ ብውዑሉ
ኢትዮጵያ መጸ ተዋዓዒሉ
ሃገር ሓዛ ብዘበለ ኣቢሉ
ኣዓሽዩና ፈደረሽን ኢሉ
ጀነራል ጌሩልና ድልየቱ ዝሕሉ
ኢሉና'ውን ኤርትራ ኣይትበሉ
ኣሲሩዎም ነቶም ከምኡ ዝብሉ
ቃልሲ ተጓሃሂሩ ንኡኡ ዝዓሉ
ሓደ ሰዲዱልና ንኣና ኣምሲሉ
ድላዩ ክፍጽም ተኸፊሉ
እዚ ሕሱም ልኡኽ ክፋእ ዝኣመሉ
ምስ ርኣየ ቅጭኡ በሲሉ
ዓቕሚ ኢዱ ረኺቡ ዝታለሉ
ንጉፅዞ ቀጸሎ ንኣና መሲሉ
ንሱ ንጠቕሙ ህዝቢና ንመሰሉ
በብሓደ ኣጥፍኦም ነቶም ዘስተውፅሉ
ሓለውቱ ገበሮም ብጩቕ ንዘይብሉ
ጌሩዋ ከምቲ ንኦም ብሓኽሉ
ኣጥፊኡና ብቓላት ኣዳህሊሉ
ኢሉና'ውን ዝበልኩኹም በሉ
ኣቃቲሉ ንቑጽርና ኣጕዲሉ
ንኣፍና ሒዙዎ ዝቕተል ቀቲሉ
መን'ዩ እሞ ንኸምዚ ኣስተብሂሉ
ርሑቕ ንዝሓስቡ መመንኪሉ
ኣብ ባርነት ኣእትዩና ብተንኮሉ
ጌና ይቐትለና ኣሎ ክሳፅ ዘይንህሉ

ህዝብና ኩሉሻፅ ይጽሊ ኢዩ ኔሩ
ጸላእቲ ካብ ሃገር ክባረሩ
ብዙሕ ተሓጕሱ ደቁ ምስ ሃብረሩ
ከዐውቶም'ውን ዝካኣሎ ጌሩ
መሲሉዎ ኣቕሲኖምዎ ቀሲኖም ዝነብሩ
ኣይመሰሎን ንሓደ ድላዩ ዝገብሩ
ገዛእቲ ኣባሪሮም ኣብ ግዝኣት ዝነብሩ

እሞ ካብዚ ኩሉ እንታይ ተማሂርና
ኣይንውድኦን ንሕሉፍ ጸብጺብና
ዓንቀፍቲ ኣለውዎ ንኹሉ ዘተና
ኣብ ማእከልና ኣለው ዝበልና እንተበልና
እክብ ኢልና ከይንድሕን ስለ ዝፈርሁና
ግን ከይንተርፍ መፍቶ እዚኦም ኴና
ንዑ ገለ ንግበር ዝሓይሽ መኺርና
ሽግር ከይመጸ ንሕሰቦ ኣፅሚቍና
ኩልና ስመር ንበል ንድሕነትና
ዝኸውን ምስ ኮነ ኣይንመልሶን ኢና
ሃገር ከይትኸውን ሰብ ዘይብላ ዑና

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነዚ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና