መን ኣምጽኦ ምሃንዚት ናይ መሰል
ዘገርም’ዩ ኣደዶ ትብደል!

ካብ ቀይሕ ደም ጸባ ትፍልፍሊ
ናይ ውሉድኪ ከርሲ ትዕንግሊ
ንስኺዶ ሕሰም ትቕበሊ?
ክንዲ ዘገልገለት ዘይትምስገን
ተዓዲላ ዘይግብኣ መቝነን
ከምኡ ዲዩታ ዋጋ ፍረ ማህጸን?
መን ኣምጽኦ………………………………….
ተጓዒዝኪ ‘ዚ ክንድዚ ርሕቀት
በዚ መጸ ዘይብሃል ጥልመት
ኣንቃዕሪርኪ ‘ዚ ኹሉ ዓቐበት
ድሕሪ ኹሉ ትኸይድ ኣብ ንእዳ
ቅድሚ ኹሉ ምትሳእ ዘይከብዳ
ለዋህ ፍጥረት ዋርድያ ውላዳ
መን ኣምጽኦ………………………………….
መን ጸሚኡ መን’ዩኸ ዘይበልዐ
ህዋሳትኪ ኩሉሳዕ ምስ ሰምዐ
ንስኺዶ ዓይንኺ ምነብዐ?
ንኹሉ ትቕበል በብእብረ
ኣብራኻ ትዓጽፍ ማዕረ-ማዕረ
ድኳ ዘየድልዮ ኲርኲረ
ምን ኣምጽኦ…………………………………...
ብርሃን ስድራ ካብ ኩሉ ትምረጽ
ስለ ደቃ ትረግጽ ኣብ ረመጽ
መን ኣምጽኦ ተባዕታዊ ዓመጽ
ተበጊስኪ ሸሞንተ መጋቢት
ታሪኽ መገሻኺ ኣቲ ሰዊት
ኣሜን ኢልና ጌርክና ሰራዊት

መን ኣምጽኦ……………………………………

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

መጋቢት 08-2012