ወነንቲ ረዚን ክብሪ
ይኣክል’ባ ይኸውን
እቲ ንብዓት ሎምዘበን
ከተብዕላ በዓልክን
ንዓመታ ብዘይ ሓዘን
እንበር’ቲ ስቓይክን
መሪሩ በዚሑ
ብሕልፊ ናታትክን
ካብ ልክዕ ሓሊፉ
ወሊድክን ብጻዕሪ
ኣርኪባ እንዳበልክን
እቲ ስሱዕ መጺኡ
ምንጥል ካብ ሕቑፎኽን
ክትጅምር ከተብርየክን
ከተስትየክን ብወግዒ
ኣፍሊሓ ጸሊም ቡን
እቲ ልኡኽ ዓማጺ
ብዓል ጽሩራ ኮሎኔል
ኣማሳሚሱ ብሳዋ
ንሓላሉ እንዳወሰዳ  

ውላድክን ኣኺላ
እንዳበሃግን ኣበባኣ 
ከመይ ኮን ይስምዓክን
ክዝንቶ ዓመጻ
ኩሉ ዝወረዳ
ኣብ ኣጻምእ ሰሃራ

እተን ውፉያት ቀዳሞት’ሲ
መዓስ ረኺበን ዓስቢ
ስለ ዝሞገታ ንፍትሒ
ዓገብ ኢለን ንዓማጺ
ዒራዒሮ ዓዲ ዃላ
ዓዲ ኣቤቶ ዊዓ
ገዝአን ኮይኑ’ሎ

ኣብ ክንዲ ሽልማት
ማዕርግ ናይ ጅግንነት
መቑሕ ተሰሊመን
ግና ኣይንርስዖን
ኩሉ እቲ ኣበስአን
ክንገር’ዩ ብወግዒ
ሓልዩ ጻዕዳ መዓልቲ
ቀሪቡ’ዩ ሎሚ
ክሕዘልና ጸግዒ
እቲ ዕሉል ዓማጺ
እትረፍ’ዶ ብኣኣተን
ብህሉዋት ሰብ ቅያ
ዝብህርር ብሬሳ

ኣነ ዘሕዝናኒ
እተን ዕጡቓት ስረ
ወነንቲ ረዚን ክብሪ
ጎራዙ ሰብ ጋመ
ተስፋ ምስተጸንቐቐ
ሰሃራ ዝመረጻ
ካብ ዝበልያ ኣብ ሳዋ
ብሜዲትራንያን ሊብያ
ክሰግራ ንማልታ
ዝወዳቓ ኣብ ኢድ ጓና
ተሸይጠን ብሰብ ገዛ
ክሓልፈለይ እንዳበላ 
መዋራዘዪ ዝኾና

ከመይ ኢለ’የ’ሞ ክብለክን
እንቋዕ ሓጎሰክን
ኣብዚ ፍሉይ መዓልትኽን
ሸሞንተ መጋቢት
ውሽጥኽን ጉህዩ
ኣደራዕ ተደራሪቡ
እንዳረኣኹ ተደርሚሙ
ጸጉርኽን ንድሕሪት
ግና ክብለክን’የ
ጽንዓ ከምቲ ቐደም
ክሳብ እቲ ዓማጺ ዝእለ
እቲ ፍትሒ ዝሰፍን
ኣይተቋርጻ ቃልስኽን
ስብሃት ገ