ደሞክራሲ እንታይዩ መንነታ?
እስከ ዘርዝሩለይ መንገዳ ስርዓታ
ግልጺ ኢዩ ጠባያ: ሓቂ’ውን ቅናታ
መፈለምታ ዕርዕር ትብል: ደሓር ግን ዘይምኖ መቐረታ።
***
ደሞክራሲ ንኽትውለድ ብዙሕ’ዩ ጠለባ
ብስምዒት “ሆ! ምባል ቀሓር ልባ
መዕለቢኡ ዘይፍለጥ ጐልጐል ዲዩ እምባ
ቁም ነገር ስሒትካ ኰለል ጓል ዘረባ
ከምታ ዝተሓቝነ ልኻይ ዘይጽዕየላ  ኣልባ።
***
ትዕግስቲ ትሓትት ፍጹም ምጽውዋር
ሰላም ተስፍን ብስርዓት ምክብባር
ባህሊ ሓልዮት ትዅስኵስ ብሓባር ንምንባር።
***
ሓው ንሓውን ሓውትን ጨኪኑ ምስ ዚብድል
ደሞክራሲ ናይ ስልጣኔ ድንድል
ኣብ ፈተነ ይወድቕ ናይ ህላዌኣ ዕድል።  
***
ንዓይ ይጥዓመኒ ስስዕቲ ዘይብሉ
መሰል ርእይቶ ብሕጊ ዚኸብረሉ
ህዝባዊ ተሳትፎ ዘቐድም ካብ ኩሉ
ዚጸዓረ ፍረ ጻማኡ ዚረኽበሉ
ፍትሓዊ ስርዓት  ሰላም ዚሰፍነሉ።
***
ጥዑም ሽታኣ:  ጽሩይ ከም ማይ ንጕሆ
ትጽህዮ ብልሽውና ከይረክብ መስተርሆ
ብነጻ ፕረስ ንጸልማት ምልኪ ትብድሆ።
***
ደሞክራሲ ኢያ ዋልታ ናይ ብዙሓት
ምስ ዕቱብ ምኽባር መሰል ናይ ውሑዳት
ትኩርቲ  ጸረ ምልካዊ መንድዓት።
***
ፍቕሪ ሓቂ ካብ ልቢ ምስ ፈልፈለ
ዕምቈት ንቕሓት ኣዚዩ ምስ በሰለ
ድንቍርና ምስ ነተጐ ከም ዕንጕለ
ሓድነት ብመትከል ምስ ደልደለ
ባህሊ ምትሕልላይ ዳግም ምስ ማዕበለ
ኣዕኑድ ፍትሒ ብጽኑዕ ምስ ተተኽለ
ሽግ ሓርነት ብርሃና ምስ ገንፈለ
ሽዑ’ዩ ጽምብል ደሞክድራሲ ተሓምበለ።
***
ውሑድ እንተ ዘይጸንሓት ብዓመጽ ተቐቢራ
ደጊማ ግዳይ ምልኪ እንተ ዀነት ረኻቢት መከራ
ብደሞክራሲያዊ ሕጊታት እንዳባ ዝማዕረገት’ያ ኔራ
ንዘመናት ዘምበልበለት ፍትሓዊ ባንዴራ
ዘይርሳዕ ታሪኽ ኣሎዋ’ዛ ሓላል መሬት ኤርትራ
መስተርሆ ሓርነት ክትረክብያ ውዒላ ሓዲራ
ከም ተኽሊ ኣውሊዕ ክጥጥዕ’ዩ ዝተጋህሰ ክብራ።
***
ደሞክራሲ ትንሳኤኣ ቀሪቡ’ዩ ኣብ ኤርትራ
ዳግመ ሓርነታ ንዓለም ኣበሲራ
ሰላም ከተስፍን ንጽልኢ ቀቢራ
ድንቍርና ክትድርቢ ካብ ሱሩ ፍሒራ
መርከብ ምዕባለ ከተንሳፍፍ ጋንጽላኣ ገቲራ
ፍረ ጻዕሪ ክትምግብ ከም መዓር በርቢራ።
***
ክቡር ዝኽሪ ንስዉኣት!
ሓርነትን ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!!

ዑቕባይ ገብረመድህን
ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.
ለካቲት 1: 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...