ንተኣሳሰር ንፍትሒ
ቃልኪዳን ንገብር ንፍትሒ
ንጠምር ንፍትሒ
ንሰምር ንፍትሒ።

ምትእስሳር ምስ ዝህሉ ኣብ ሃገር
ገለ ኣይድፈር ኩሉ ይኽበር
ገለ ከሲቡ እቲ ሓደ ኣይሓስር
ገለ ሞይቱ እቲ ሓደ ኣይነብር።

ምትእስሳር ምምልላእ'ዩ ቀዳምነት ህዝቢ
ንህጻን ዘእቢ ዘኽብር ንኣቢ
ምትእስሳር ፍቱው ብጎይታ ብረቢ
ቁጹር ኣሳ'ዩ እሙን ከልቢ
እሙን ፍጥረት'ዩ ፍቕሪ ልቢ።

ምትእስሳር ምምልላእ'ዩ ዘቀራርብ
ኣየጥፍእ ገንዘብ ሕልና ኣየእርብ
ጥሜት ኣይህሉን ኩሉ ይጸግብ
ክፉት እድል'ዩ ንስራሕ ንጥበብ።

ምትእስሳር ምቅርራብ ንገለ ኣይፈሊ
ራሕሲ'ዩ ክራማት ኩሉ ጊዜ ጠሊ
ጽባቐ'ዩ ስነጥበብ ፈን ስእሊ
ምትእስሳር የሐድስ ንሓደ ኣየብሊ።

ምትእስሳር ምቅርራብ ኣቕራቢ ርሑቕ
መልክአኛ በኣል እድመ ጽቡቕ
ተባሃጊ ብምእራብ ኮነ ብምብራቕ
ብምትእስሳር ኣይክወንን ሕማቕ።

ምትእስሳር ምምልላእ ትምኒት ኩሉ
ኩሉ ዝደልዮ ምስኡ ክህሉ
ብምትእስሳር ተጋደልቲ ይጋደሉ
ናጽነቶም ጨቢጦም መንግስቶም ይተኽሉ።

ምትእስሳር ምቅርራብ ጽቡቕ ትንተና
ዝፈልጥ ዘኽብር ሓይሊ ሓያልና
ዘይንእቕ ዘየናሹ ሕጽረት ድኹማትና
ኣይግርማን ምንኣቕ ሰልፊ
ከይመላእካ ሰልፊ፡ ግበር ሕልና።

ምትእስሳር ግበር ኣታ ትንእቕ
ዘይተኣከቡ ዘይተወደቡ እናበልካ ትንእቕ
ኣየናይ'ዩ ዘቕርብ መን'ዩ ዘጸብቕ
እመክር ኣለኹ ንብርሃን እናበልካ
ከይትኣቱ ኣብ ጸልማት ድቕድቕ።

ምትእስሳር ንጋግ መላኢ ዝመልእ
ንኹሉ የሳትፍ ንኹሉ የዋስእ
ኩሉ የበርክት ዘዝከኣሎ የዋጽእ
ምፍልላይ ብምትእስሳር ይጠፍእ
ምፍልላይ ብምምልላእ ይጠፍእ
ምፍልላይ ብምቅርራብ ይጠፍእ፡፡

Awwal Care As-hama
29-Jan-‘12


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...