C K
ኣላ ክብሪ ሓላይ ክብሪالكرامة على الكرامة حلى    
----------------------------------------------------------
ገመል ተጻዋሪ ...
Camel Resistant …     جمل بما حمل ....


ገመል ተሰካሚ ተጻዋሪ
ጎብለል ፍጥረት በኣል ዝና ክብሪ
ኣጉኣኣዚ ታሪኽ ኣመሓላልፊ ሕድሪ
ፍጹም ዘይርሳእ ዘልኣለማዊ ዝኽሪ።

ገመል ረታኢ በኣል ሓቂ
ስርሑ ዘይሽነን ብኣልማዝ ብወርቂ
ግሩም ፍጥረት ጸቢቑ ኣጸባቒ
ምስ ገመል ዘሎ ነይህልዎ ጭንቂ።

ገመል መስፍን ልኡል ኣልኣሊ
ንሽቶ ንእላማ ኣብ ግብሪ ኣውኣሊ
ንጸላኢ ካብ ፈታዊ ፈልዩ ዘለሊ
ብማንም ዘይሽበር የብሉን መታለሊ።

ገመል ንእላማ ንመትከል ኣካያዲ
ግምጃ'ዩ ወሳኺ መላኢ ዘውዲ
ክብሪ'ዩ ኣገልጋሊ ረዳኢ ኣዲ
ርህሩህ ንፈታዊ ጨካን ንባእዲ።

ገመል በኣል ዝና ወኒ ዝኽሪ
ፍቱው ብኹሉ ኣሕዋቱ ሰብ ደብሪ
ኣገልግሎቱ ምልእቲ ዘይተጉድሊ ስፍሪ
እሙን ጽሩይ፡ ትኡይ ጎይታ ባሕሪ።

ገመል እሙን ጽቡቕ ፍጥረት
ኣተኩሮ ዘግብር ንጃር ንጎሮቤት
ታሪኽና ኣብ ሃገር ታሪኽና ኣብ እምነት
ናጽነት ሃገር ሑሪያ ሃይማኖት
ናጽነት ሃገር ሑሪያ ሃይማኖት።
Awwal Care As-hama
19-Jan-‘12
____________________________

ገመል ሰራሕ . . .
Camel Worker of … جمل عمل ....


ገመል ሰራሕ ትእምርቲ ቅያ
ተጋዳላይ ብጻይ ኑር ኣርኣያ
ታሪኸኛ በኣል ኣቢ ሞያ
ፈጺምካ ዘይትውዳእ ታሪኹ ተጸውያ።

ገመል ሰራሕ ጅግንነት
ካብ ፈለማ ዝተቓለሰ ንናጽነት
እምብለይ ዝበለ ንጭቆና ባርነት
ዘይተሓለለ ክሳብ ናይ መወዳእታ ሰኣት።

ገመል ሰራሕ ኩርኣት ክብረት
በኣል ትእግስቲ ኣብ ጽንኩር ኩነት
በኣል ኢስራር ኣብ ኩሉ ህሞት
በኣል እምነት ምሉእ ህይወት።

ገመል ሰራሕ ትእምርቲ
ዘይስልችዎ ቀትሪ ኮነ ለይቲ
ዘይድህለል ብኣመጽቲ ከተርቲ
መንጸራረዊ ርእሲ ጨቆንቲ ጠለምቲ።

ገመል ሰራሕ ቅያ መትከል
ረዚን ኩሩእ ዘይፈኩስ ዘይቀልል
በኣል ግርማ ፍጹም ዘይታለል
ምንያ ኮለል ዘይትቐርቦ ዘይብል ኮለል።

ገመል ሰራሕ ፍቕሪ ዝያዳ
ጽሩይ ፍጥረት መርከብ ምድረበዳ
ፍቱው ብኹሉ ብኣለማ ብኣዳ
ትብህጎ ትናፍቖ ውሻጠ ኮነት ሜዳ።

ግመል ሰራሕ ሸቶ እላማ
እምሩ ዝተሰከመ ነደ ንማማ
ምሕረት ዘይትፍለዮ ርህራሄ ራሕማ
ንኹላ ዘገልግል ክትገብር እማማ።

Awwal Care As-hama
21-Jan-‘12


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...