ሰሚዕኩም’ዶ ደሃይ ቴዲ ኣፍሮ

ንዕርድን ቅርሕንትን ነጢሩ ክዘሎ፡

ቴዲ ፒኮሎ -  መጻውቲ ኽደሊ

ጥቓ ካተድራለ እንዳ ፒካዲሊ።

 

ክንደይ ኣሰተውዒሉ ሰብ ቀደም ዘኪሩ

ካብ’ቶም ደቀ’ስመራ - ናይ’ቶም ዘናብሩ

ናይ ተኽለ ተስፋዝጊ ምስናቱ ጸምቢሩ

ፊዮሪ’ልዒሉ ንፍቕሪ ዘሚሩ

“ከም ድላየይ ኣነ ከም ድላየይ” ኢሉ።

 

ጓለ’ስመራ ዝብል ቃሉ ዶብ ተሳጊሩ

ናይ ባህሊ- ዲፕሎማሲ ብድፍረት ጀሚሩ።

 

ዋይ’ዚ ቴዲ ሰዊት - ክንደይ ተዓዲሉ

ኣብ ንኡስ ዕድምኡስ ሽማግለ ኾይኑ።

 

ብኣዋሳ’ቢሉ ዘልዓላ ፍዮሪ

ኣብ’ቲ ኾብሽታቶ ዘሎ ተቐባሊ

ማይ ጃሕጃሕ ይውሰዳ ነዛ ውልዶ ተኽሊ።

 

ደጊም ንቀራረብ ክሳብ ስግር መረብ

ኣብ’ቲ ሩባ ሩባ ኢድና ንተሓጸብ

ብቛንቋ ንዛረብ ብባህሊ ንላዘብ

ንሱ’ዩ ጥበብ ዝርከቦ መኽሰብ

ኣብ’ዛ ዓለም መርከብ።

 

ስለ’ዚ’ምበኣርከስ ከነዋህልል ስንቂ

ይሸፈን’ቲ መድፍዕ ትከደን’ታ ታንኪ

ሰላም የድሊ’ሎ ብለወጢ ብዕርቂ።

 

እንዳ ዝናን ባህታን ዘበት ከይልወጡ

ዝበሉ ይበሉ!

ንቛንቋ ንባህሊ እብረ ንግበረሉ

ዘይተጻረ’ንተሎ ጽባሕ ነርክበሉ

ቀደም’ውን ተ’ኾነ ንሱ’ይኮነን ኔሩ

ስልጣን’ዩ ዓቢዱ - ሰይጣን’ዩ ፈስዩሉ

ዘርኣየ ኣመሉ።

 

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ።

(01-19-2012)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...