********

ልዋም ሃገረይ!  መዓልቲ  ኪትካእ ብዓመት

መንእሰያትኪ ኪውሕዙ ንጥፍኣት ንስደት

ዓይነ-ብርክኺ፡ ብዘይካኦም ዘይብልኪ ክብረት።

* * *

ክሳብ መዓስ  ክትታለሊ ብመልሓስ እኩያት

ጠንቂ ሕሰምኪ ፡ ዘውርዱልኪ መዓት

ግርማኺ ዚድውኑ ከም ሕማም መንድዓት፤

ጸላእትኺ የአንጊዶም ፈተውትኺ ዘባርሩ

ሃገራውያን ተመሲሎም ተስፋኺ ዘሕርሩ

ኣሰሮም ይደምሰስ፡ ተግባሮም ይመሖ ካብ ሱሩ።

* * *

በየን በቘሉ  ሰበርቲ ዝበልዑሉ ጻሕሎም

ክርዳድ ዚዘርኡ ጻዕዳ እኽሊ የሕሪሮም

ብርሃን ዚጸልኡ ሓቂ ዘብርሃሎም

ምእንቲ ኪዘምቱኺ ብጸልማት ተኸዊሎም።

* * *

ሰብ ዚመስሉ ናይ ሓርገጽ መንጋጋ

የሕዋቶም ዚሸጡ ንጸሊም ዕዳጋ

ክቡር ህይወት ዚልውጡ ብዋጋ ዕዳጋ

በለጽ ዝወረሶም ናይ ሃገር ሓደጋ።

* * *

ህውከት ዘሳውሩ ምስልኺ ዘዕኑ

ድንቍርና ዘስፋሕፍሑ ኣእምሮኺ ኪደፍኑ

እዚ’ውን  ኪሓልፍ’ዩ ኢዶም  ኣይስኣኑ።

* * *

ደስ ምበለኒ ዑፍ ኮይነ እንተ ዝነፍር

ንዓለም ምዘርኩዋ ሽግርኪ ክነግር፣

ኣይመረጽኩን ብኣካል ኣብ ርሑቕ  ክነብር

ሕልናይ ግን ወትሩ ምሳኺ’ዩ ውዒሉ ዝሓድር።

* * *

መዋእል ሓሊፉ ክምገብ ናፍቖትኪ

ከመይ ኢለ ክቐስን ኣብ ሽግር ጸልማትኪ

ሕልመይ ሓንቲ ኢያ ናይ ልበይ ክነግረኪ

ራህዋኺ ክርኢ’ዩ ምስ ብርሃን ሓርነትኪ።

* * *

ልዋም ሃገረይ! ይኣኽለኪ ምድናን፡ የኸትም ሓዘንኪ

ርእስኺ ኣቕንዒ፡ መንእሰይ ተንሲኡ’ዩ ንድሕነትኪ

ጸልማትኪ ኪቕንጥጥ፡ ኪእውጅ ትንሳኤ ክብረትኪ፣

ሓርነት ክትጽገዊ ክትረግጺ ደልዲልኪ

መሬት ፍትሕን ሰላምን  ጥንታዊ ልማድኪ

ኪትከል’ዩ ፍትሓዊ ስርዓት ጻማ ስዉኣትኪ።

* * *

ኣቶ ኣተወብርሃን  ዚመዓዶ  ትዝ ይብለኒ

-“ናይ ሃገር ናይ ህዝቢ እንታይ ገዲሱኒ

በሃላይ ኣይትኹን ንዓይ ይጥዓመኒ”-

ቃና ክራሩ ዘይፍለዮ ናይ ሕልና ዓይኒ

ብህግደፍ ተድፊኑ ምትራፉ ግን ከቶ ነይገርመኒ።

* * *

እዝክር ኣቦይ ኪምዕደኒ ብልኡም ቃላቱ

ምስቲ ዘይርሳዕ ፈገግታኡ ዘይክማህ ትዕግስቱ፣

“ተመን’ኮዩ  ዚቐትል ብመርዛም መልሓሱ

መርዚ ዘይምርድዳእ ግን ጥዑም ቃላት’ዩ ፈውሱ

ሰብ ምንዓቕ ነውሪ’ዩ ትዕቢት ዝትርኣሱ።”

* * *

እዚ’ዩ እምበኣር ልቦና ቀዳሞት ሎሚ ዚዓረቐ

ከም ጸብሪ ተባሕጒጉ ካባና ዚረሓቐ

እሞ እናገዓረ! ተማሂረ ተራቒቐ።

* * *

እቲ ካብ ኩሉ ዘደንጹ ግርምቢጥ ነገሩ

ቀዳሞት ኣቦታት ፊደል ከይቆጸሩ

ብዘንጊ ሓቂ ሃገር ዘማሓደሩ

ብጸጋ ልቦና፡  ትኩር ምስትውዓል ጥራይ’ዩ ነይሩ።

* * *

ባህልና  ነማዕብል ሓድጊ ቀዳሞት ኣቦታት

በዕኑድ ሓቅን ፍትሕን ዚልለ  እንዳባ ሕጊታት

ብስኒትን ምትሕልላይን ዘውሓሰ ሰብኣዊ ክብርታት

ሰራውር ፍቕሪ ሓርነት ዚተኸለ ነማኢት ዓመታት

ከንቱ ኾይኑ ከይተርፍ ቃልሲ ሰማእታት።

* * *

ስለዚ  ንረግጾ ሓዲስ ዓመት ብብርሃን ኪዕምር

ንጠምት ውሽጥና ፡ ሕልናና ንመርምር

ብፍቕርን ሰላምን ኣብ ሓርነት  ክንነብር።

********

ዝኸበርኩም ኣብ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ዘለኹም ህዝቢ ኤርትራ -  ኣብዚ ንረግጾ ዘለና ልዳት ሓዲስ ዓመት 2012፡  ብስሙር ድምጺ ንፍትሒ ደው ኢልና ወሰንቲ ዕድልና እንኾነላ፡ ጠንቂ ጸልማት ሃገር ኣሊና ዚተረግጸ ሰብኣዊ መሰላትና ህያው ንገብረላ፡ ብርሃን ሓርነትን ራህዋን ሰላምን እነስተማቕረላ ዓመት ክትኮነልና፡  ተሪር ቃልሲ ከነካይድ እናተማሕጸንኩ ሓዲስ ዓመት ኪገብረልና እምነ፡፡

 

ክቡር ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ሓርነትን ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!!

 

ዑቕባይ ገብረመድህን

ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.

ታሕሳስ 22፡ 2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...