ግንቦት 24ን፡ ናይ መጀመርያ ብስራትኪስ ጥዑም ኔሩ ኩሉ ኣኽቢሩኪ

ደሓር ግን ኣይግድን መልክዕኪ ቀይርኪ።

ናይ ሃገርኩም ጉዳይ ኣይምልከተኩምን'ዩ ተባሂሉ

ብኣወጅ ካብ ንግዛእ ዳርጋ 20 ዓመት ኮይኑ።

ንኣሽቱ ቆልዑት ኣብ ጽርግያ ኩዕሶ ክጻወቱ

ጎል'ያ ኣይኮነትን ክብሉ ክካትዑ፡

"ከም ሕጊ ሻዕብያ'ባ ብርሳስ ኣይትጽሓፎ!!" በለ ሓዲኦም ጉድ ሰሚዐ

ቦኽሪ እዝነይ'ዩ ኔሩ ገሪሙኒ ንበይነይ ስሒቐ።

ዝበዝሑ ጀብሃ ሻዕብያስ ንዝዓበየ ዕላማ'ዮም ተቓሊሶም

ሒደት ጉሓሉ'ዮም መቃልስቶም ጨፍሊቖም ክሒዶም

ንዙፋኖም ክብሉ ኣርሲሖሞ ዝፈሰሰ ንጹህ ደም።

ጋዜጣታት ተዓጽየን፡ ሰብ ጠፊኡ፡ ኣረጊት ተደፊሩ ተኣሲሩ

ኩሉ ገቢቶሞ፡ ሓሶት ከይተረፈ ተሓጺቡ ከም ዜና ቀሪቡ

ኤሪቲቪ ያኢስ ንሓቂ'ያ ተገልግል ተባሂሉ።

ቋንቁኦም ጥውይዋይ: ፍርዶም ሓንካስ

ንጅግና ከዳዕ ኢሎሞ፡ ንፍልጠት፡ ንትምህርቲ ብላሽ፡፡

ሰብ ይመስሉ ክዳን ምስ ለበሱ

ባንዴራ ተጎልቢቦም ሃገር ዝሕሽሹ።

ልቢ ደሪቑ፡ መዓንጣ ረቒቑ

ምሁር ብድሌቱ ክድንቁር መሪጹ።

  ኩሉ ባጀላታቱ ሒዙ ኣብ እግሪ ዓዋሉ ወዲቑ ሰጊዱ

  ከም ማንም መሃይም "ዝነገሰ ንጉሰይ" እናበለ ግዒሩ፡ ኣዅዲዱ

  ተኣምር ከገብር ዝኽእል ሓንጎል፡ ጭቃ ተለዊጡ።

ብትዕቢት ዝተላዕጠጠ ስሱዕ ዝብኢ ነጊሱ፡ ጎይታ ድኽነት ጎይታ ጥሜት

ስድራቤት፡ ሃይማኖት፡ ዕድመ፡ ፍልጠት፡ ዘየኽብር ግናይ ክፉእ ትምኒት።

   ካብ ኣፍ ህዝቡ መንዚዑ ንእርይራይ ብረት ዘዕጥቕ

   ብቐራን መልሓስ "ህዝብና'ዩ ሃብትና" እናበለ መንእሰይ ዝቐዝፍ።

ትምህርቲ ንዝፈቱ ዕድሉ ዓጽይዎ

ንሰራሕተኛ ህዝቢ ባርያ ለዊጥዎ።

   ሃብታም ዝነበረ ኣድክይዎ

   ነቲ ድኻሞ መሊሱ ድሂኽዎ

   ውሻጠ ኣትዩ ቆፎ ሓፋሽ ከይተረፈ ፈቲሽዎ።

ጽፍሪ ሰብ ኣድምዩ ብጽፍረይ ዝብል ሓሳዊ ተጀሃሪ

ኣመል ምስ መግነዝ ኮይንዎ ዘለኣለም ምስ ሰበረ ዝበልዓሉ ጻሕሊ።  
 

ነብስኻ ምኽኣል'ሞ እንታይ ክወጾ፡ ጥዑም ዘረባ

ልሳንን ልቢን ናይ በሃልቱ ግን ምሒለን ከይላዘባ፡፡

      ነብሱ ክኢሉ ዘይፈልጥ ዓለቕቲ

      ሃገር ኣማሲኑ፡ ኣንጉዕ፡ ሕልና ዝመጺ::

      ዱላ ሒዙ፡ ነብስኹም ከኣሉ ኢሉ ይዋእ ክዋራዘ

      ምሉእ ሂወቶም ነብሶም ንዝኸኣሉ እናዘመተ።

ኤርትራ "ነጻ" ምስ ተባህለት ብገዛእ ዉሉዳ ተረጊጻ

ሕልሚ ከይተረፈት ኣስመራ ከይዳ ሞይታ።

   ተስፋ ናይ ኣፍሪቃ ከም ዘይተባህለት ተቖጽያ ብዕሸላ

   ዓቕሚ ዘለዎ ንስደት ኣምሪሑ መን ደኣ'ዩ ክኣልያ፡ ክርከባ

   ኤርትራ ጉድ ረኺባ፡ ሃገር ተሓሽሻ።

እንታይ ደኣ ኾይነ'የ ገሪሙኒ ክንድ’ዚ ተጋግየ

ምስ ኣርባዕተ ምልዮን፡ ናይ ሓሶት "ሓደ ልቢ" ኮይነ፡

   ኣነንድ'የ ሓወይ እናጠፍኤ እንታይ ገደሰኒ ዝበልኩ

   ኣነኮ'የ ስድራ ቤት ተበቲና፡ ሓፍተይ ክትድፈር ኣፈይ ዝለጎምኩ

   ሬሳታት ረጊጾም ዙፋኖት ከጣጥሑ እናረኣኹ ኣነ'የ ዘጣቓዕኩ

   ናይ ማይ ሓባር ስንኩላት ክርሸኑ፡ ሓንቲ'ኳ ዘይበልኩ

   እወ ኣነ! ሕሱር ጣዖት ዘምለኽኩ።

ግንቦት 24ን ገጽኪ ኣብርህዮ

ነዚ ጸበባ'ስከ ንዓመታ ኣርህውዮ።

      ኣነስ ሓንቲ መዓልቲ'የ ዝፈልጦ የብለይን

      በሪሁ ጸልሚቱ ኣይግድሰንን'ዩ ዉን

      መዓልቲ ናጽነት መዓልቲ ባርነት ኢልኩምኒ ኣይዓጅበንን

      ከምቶም ዝረሳዕኩሞም እሱራትኩም ዝቖርር ዝቖስል ነብሲ የብለይን።

      ንስኻ ግዳ ናብ ልብኻ ዘይትምለስ

      ጣዕሳ ዋጋ'ይብሉን፡ ቁምነገር መሪጽካ ተበገስ

      ብናይ ትማሊ ጸሓይ፡ ናይ ሎሚ ሕጽቦ መዓስ ይነቅጽ።

      እዚ ኹሉ ክፉእ እናረኣኻ ዓገብ ዘይምባልካስ ኣይግድን

      አረ ጽባሕከ እንታይ'ኻ ክትገብር?

      ኣነ ከም ዝርእዮስ ኣባኻ'ዩ'ቲ ሽግር።

      እስከ ሓደራኻ ነቲ መስትያት ጽ!ቡ!ቕ ጌርካ ጠምቶ

      ካብ ነብስኻ ደገ ወጺእካ’ስከ ንኹሉ ባህርያትካ ምዘኖ፡ ገምቶ

      ናይ ሓንጎል እሱር ኣይትኹን፡ ይኣኽለካ ሎምስ፡ ለብም ድኣ ግደፎ።

      ርሑቕ መገሻ ብሓንቲ ስጉምቲ'ዩ ዝጅመር

      ሓደ በል ክልተ በል ኣርባዕተ ምልዮን ደምር

      ዓገብ በል፡ እምቢ በል ቀልጥፍ!! ሎሚ ጀምር

      ሕጊ ነጊሱ፡ ንስኻ ክበርሞ፡ ኣነ'ዉን ክኸብር

      ንሱ ምስኮነ ጥራሕ'የ፡ ኣነ ግንቦት 24፡ እወ'ይለ ዝምስክር።

ተወልደ እስጢፋኖስ
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...