{autoremote linkfromdisplay="true" shuffle="false" autostart="true" width="270" height="20"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-OgbaiAntiHarnet442.mp3{/autoremote}

ኣንቲ ሓርነት! መዋእል ብሂግና ክንነብር ምሳኺ
ኣብ ኣፍሪቃስ እምበር- ብዓንተቦ ኢና ፈሊጥና ክብርኺ
ግድነት ኮይኑ- ጽዋእ ህይወት ከፊልና ክንረክብ ንዓኺ፣
ተመስገን ሎምስ መጺእክልና- ኢልና’ውን ተፈሲህና ርኢና ባናኺ።
ተተስፊና- ብብርሃንኪ  ማሚቝና ክነብር
ብናይ ምሕሳብ ሓርነት መሰል - ክንዝቲ  ዝደምዓና ብሓባር
ብፍትሒ ብሰላም ክንመላለስ- ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር፤
ደቅና ክንሕብሕቦም ብፍቕሪ ኣብ ሑቕፌና
ብጽኑዕ ስነ-ምግባርን ትምህርትን- ከነዕብዮም ኰስኲስና
ምእንቲ ኪዀኑ ሓበን ንወለዶም- ተስፋ ንሃገርና
ሓረግ ወለዶታት ከይብተኽ- ናይዛ ሓላል መሬት ዓደቦና
ዕንባባኦም ክንርኢ ክንዕልል- ቅዱስ ሕልሚ ናይ ህይወትና፣
ተዳሊና ኣንጊህና ንስራሕ ክንትስእ- ክንስልጥን ከም ዓለምና
ኣይተጸበናክን ግን! ልዳት ረጊጽኪ ብኣጋ ክትመልቍና።

ሓርነት፥
እወ! ምእንታይሲ ኣዚዩ ገዚፍ መስዋእቲ ከፊልኩም
ኣብ ምሕላወይ ግን ኣይነሳሕኩምን- ካብ ንጕሆ ዘንጊዕኩም፣
እግሩ ከይኣተወ- ከብቅዕ ብግልጺ ብደዐ ነጊሩኩም
ግዲ ከም ዘይብሉ- ብዛዕባ ትምኒት ሓርነትኩም
ልቦና ኣጥፊእኩም- እምብዛ ተገሪህኩም
ንርትዒ ብምዕባስ- ስምዒት ኣንጊስኩም።

ጕንዲ ነገር ረሲዕኩም- ጥሒልኩም ኣብ ጫሌዳ ዘረባ
እሾኽ እናበልሐ- እናረአኹም ኪረግፍ ዕንባባ
ትም ኰይና መልስኹም- እናተፈትለልኩም ሕሱም ጸበባ
ንኽብርኹም እናቐንጠጠ- ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ
ከንቱ ኲናት ወሊዑ- ንወላዲት ዝሰበረ ልባ
ንብደዐን ኣነነትን መላኺ: ቈጺርኩሞ ሓልዮት- ዘይብሉ ዓጸባ።

ኣብ ዝባንኩም ዘሎ መላኺ- ኣይኰነን መንድዓት
ሓዚልኩሞ ኢኹም- ከምዘይሓልፍ ተገዚእኩም ንፍርሃት
ይኸውን ከኣ ኣሎ- ንዕኡ ሰናዩ ንዓኻትኩም ጥፍኣት
ስዉኣት ኣይኰኑን- ህሉዋት ኢኹም ዘድልየኩም ፍትሓት።

ስኒት ዘይብሉ ህዝቢ- ኣይኣቱን’ዩ ቤቱ
ፍቕሩ’ዩ ዝዓጅበኒ- ኣይኰነን መስዋእቱ
ክስቈሮ ምተገብአ- ከስተንትን: ክዝክር ትምኒቱ
ብዘይ ብርሃነይ ከንቱ ምዃኑ- ትርጉም ናይ ህይወቱ
ዘንጊዑኒ ከም ዝመልቝ- ሰም እንተ በላ የዒንቱ።

ሽምዓታት ወሊዕካ- መዓልቲ ስውኣት ምዝካር
ዓመት መጸ ኣብ መዓልቲ ናጽነት- ምስ ከበሮ ምዕንዳር
ትርጉም የብሉን ብዘይ ስኒት- ናይ ሓድሕድ ምክብባር
ግዝኣተ-ሕጊ የድሊ- ፍትሒ’ውን ምዝውታር።

ንግዲ ምስ ሸቐጥ: ናይ ሕርሻ ውሕልነት
ትምህርቲ ሕጊ ምስ ቁጠባ: ጥበብ መሃንድስነት
ልቦና ተመክሮ ህይወት- ምስ ኣኽሊል ሊቅነት
እንታይ ፋይዳ ኣሎዎ- ብዘይ ብርሃን ሓርነት።

ቅኑዕ ተግባር የለን- ብዘይ መትከላዊ እምነት
ቀጣን ሓቂ ኢያ ዘይትኽማህ- ናይ ፍትሒ መቐነት
ንጹር ዕላማ’ዩ- ናይ ጽንዓት ውሕስነት
መሰረት ምዕባለ- ማሕበራዊ ውህደት።

ርሻናት እንተ ተሃንጹ- መታካእታ ኣግነት
መንገድታት እንተ ተዘርግሑ- ክሳብ ትሕቲ መሬት
ግቡእ ጻማ ዘይተኸፍለሎምዶ ከይኰኑ- ፍረ ወፍሪ ባርነት
እንታይ ኢዩ ጥቕሞም- ብዘይ ጸጋ ሓርነት፤
ሓቀኛ ስልጣኔስ ምዕባለ’ዩ- ብኹሉ መዳያዊ ህይወት
መሰል ኩሉ ምኽባር’ዩ- ዘጽንዕ ሓድነት
ኣብ ውሽጥኹም ምስ ዝህሉ’የ- ትስሕቁ ናይ ብኡነት።

ጻህያይ ብውልዶኡ- እሾኽ ከየብቈለ
ተመን ብንኡሱ- ፍጹም ከይገበለ
ድንቍርና ኪመሓው- ሱር ከይተኸለ
መንግስቲ ኪቕየር- ሃገር ከይበደለ
መለለዪ ህዝቢ’ዩ- ብታሪኽ ዝበሰለ።

እዚ ኣብ ስደት ዝርከብ- መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ህዝቢ
ብፍላይ መንእሰይ- ምስ ሞት ተፋጢጡ: ዘምለጠ ኢሉ እምቢ
ምሁር ኣካል እውን ኣሎ- ምምራሕ ዝነፈገ: ዝሓንገደ ካብ ልቢ
ኪመሃር እንተ ዝደሊ- የለን ካብ ህሉው ኩነታት ዝዓቢ
ንምንታይ’ዩ- ሃገር እናጠፍአት ምቅላስ ዝኣቢ
ንያቱ ዲዩ ተረሚሱ- ወይስ ተሳኢኑዎ ቐልቢ?

ብሰሪ ኲናትን መስዋእትን- ዘይሰሰነ ቍጽርኹም
ተወሳኺ መርገም ኰይኑ- ስኒት ክርሕቕ ካብ መንጎኹም
ናይ ምሕሳብ ሓርነት- መሰል ተኸልኪልኩም
ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ- መሬት ኣቦታትኩም
ህዝቢ ኤርትራ- እንታይ ኢዩ ወሪዱኩም?

ክትነብዕ ዝተፈርደት- ወላድ-መኻን ሓንቲ’ያ ኣዴኹም
ንቃለሰልኪ ኣለና ክትብሉዋ- ኣብ ስደት ተዓቚብኩም
ስቓያ ኣብ ክንዲ ትኣልዩ- ሓደ ቅልጽም ኴንኩም
ተስፋኣ ካብ ተሕርሩ- ሓድነት ስኢንኩም
ውድባት ከተራብሑ- እናተፈንጨልኩም
ከቢድ ህየንታ ኣሎዎ- ትም ምባል ምሓሸኩም።

ሓርነት ኣብ ምድላይ- ኪህሉ ኣይምተገብአን ዝፈላልየኩም
ሓሳብኩም ስለ ዘይቐንዐ’ዩ- ዘይነጽሀ ሕልናኹም
መን ቀዲሙ ሓዘ ንመምበር ስልጣን’ዩ- እቲ ሕቡእ ጸገምኩም
ናይ ጽባሕ ስልጣን ከተቋምቱ- ሎሚ ንሓድነት ኣዘኽቲምኩም
ካብ ጸልማት ጸቢብ ሕልሚ- መዋጽኦ ይፍጠረልኩም።

ኣቃሊሑ እምበር ኔሩ’ዩ ዓለም- ኣንፈት ብሩህ መጻኢኹም
ምቕሉላት ኵኑ: ትምክሕቲ’ዩ ሃሲዩኩም
ድሕሬኹም ዝነበሩ- ኪሓልፉ ቅድሜኹም
ካብ ሕሉፍ ተመሃሩ- ህነጹ ሓድነትኩም
ኣለልዩኒ! ሓርነት’የ ትንፋስ ናይ ህይወትኩም
ኣብ ልብኹም ኣስፍሩኒ- ዋልታኹም ገቲርኩም።

ኣብ ኲናት ኣንጻር ባዕዲ ዝተሓጽረ ኣይኹን ስኒትኩም
ምክብባር ሓድሕዳዊ መሰል- ትፈልፍል ኣብ እንዳኹም
ሰላም ኣኻዕብቱ ክትሃንጹ ሃገርኩም
ዘንጊ ፍትሒ ትኸሉ- ብረት ምልዓል ይኣኽለኩም።

ኣብ እዋን ሰላም ተርእዩዎ ስኒት’ዩ- ዝገልጽ መንነትኩም
ጥምየት ዘይኰነ- ጽጋብ ምኽኣል’ዩ ሓያል ብድሆኹም
ካብዚ ንላዕሊ’ሞ- እንታይ ክነግረኩም
ንብርሃነይ ክትጽገዉስ- ልቦና ይዓድልኩም።

ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን፥
ናይ ሓርነት ተግሳጽ- ምስ ምዕዶኣ ካብ ሰማዕና
ንሓቂ ንጠምታ- መፍትሕ ናይ ድሕነትና
ንኣርዑት ባዕዲ ክንሰብር- ከቶ ዘይሰልከና
ንምንታይ ንማስን- ንጠፍእ ድሕሪ ናጽነትና?!

ኣእምሮኡ ዝሰሓተ- ብጥልመት ስዉኣት
ሃገር ብምልእታ- ቀዪሩዋ ጸልማት
ህዝቢ እናተሳቐየ- ብሓለንጊ ጥምየት
ከይሓነኸ ይብል- ‘የለን ዝዳረገና ብዝገበርናዮ ዕብየት’፤
ደም ንጹሃት ዘፍሰሰ- ገበናዊ ሓጢኣት
ኑዛዜ ዘይሓጽቦ- ዘይርከቦ ስርየት
የዕበድብዶ ኣሎ- ናይ ግዳ`ያት ኣውያት
ኪደዓዓስ ይፍትን- ብናይ ዓጀውጀው ቃላት
ኪእለ ኣሎዎ- ከየስዓበ ፍጹም ጥፍኣት።

ርኢናያ ዝኣክል! ኢሳያስ ዝሓለማ ሓዳስ ኤርትራ
ሃገር ብምልእታ ኰይና- ቤት ማእሰርቲ ዓባይ ናዅራ
ረመጽን እሾኽን ክትረግጻ- ዘይትከኣል ብሰላም ክትነብራ
ዕሸላት ደቃ ብዓጸቦ ኪሳቐዩ- ትሓድር ሸፋቱ ኣድሪራ
እልፊ ኣእላፋት ብሉጻት ደቃ- ከም ቈጽሊ የሕሪራ
ብዘይካ ህውከት- ዘይብላዓ ናይ ሰላም እንጌራ
ንጐረባብታ ተርብሕ ደቃ ኣባሪራ።
ወናኒኣ ህያው ዜጋ- ናብ ንብረት ዝቐየረት
ነታ ጅግና ወላዲት ጀጋኑ- ብዘሕዝን ዘድፈረት
ወጋሕታኣ ኰይኑ ጸልማት- ንያት ህዝባ  ዘዕበረት
ገለ ደኾን እቲ ብሂል ናይ ‘ዝነገሰ ንጉስና’- ሃሊዩዎ ታሪኻዊ ሰረት
ካብኡ ተረፈስ እዚኣ ኣይኰነትን ኤርትራ - እታ ወናኒት ምዕሩግ ባህሊ ዝነበረት
ኣብ 61 ብረት ኣልዒላ: ብመስዋእቲ ናጽነታ ዘበረት።

እነመኽንየሉ ባዕዲ እምበር የለን ሎምስ- ነሰክሞ ነቲ ጠንቂ ናይ ሕሰምና
ካባና’ዩ ኹሉ: ንመላኺ ሃገር ዝራሕረሐ- ውሽጣዊ ስንፍናና፤
ሕማቕ ቅንኢ: ተንኰል: ስስዐ: ኣነነት: እንታይ ገዲሱኒ- ዝብሉ መርዚ ድንቍርና
ፍጹም ዝዘንጋዕናዮም ድኽመታት’ዮም- ብመግዛእቲ ተበዲልና
እቲ ዝዓበየ ብድሆ ህዝቢ ዓለም’ዩ- ገና ዘይሓለፍናዮ ፈተና
ጸጋ ሓርነት ከኣ ኣይርከብን’ዩ- ንዕኡ ከይበዳህና
ሃገር ከነድሕን ዘይከኣል’ዩ- እንተ ዘይጀሚርናዮ ካብ ገዛእ ርእስና
ግድን ቅድመ ኩነት’ዩ- ካብ ድሑር ሕማማት ከነንጽህ ሕልናና
ብሓባር ንውጻእ ካብ ጸልማት ልግሚ- ንበራበር: ንሓዋሩ ከይጠፍእ ወለዶና።

ይኣክል ስቓይን ውርደትን ንበል- ሓደ ሓያል ማዕበል ድምጺ ንኹን
ግዝኣት-ሕጊ ነንግስ- ሰላም ምስ ራህዋ ምእንቲ ኪሰፍን፤
ስለዚ ንዛተ: ንላዘብ- ግዜ ከይሃድመና ንግበር ነቲ ቕኑዕ 
ቋንቋናን ባህልናን ነኽብር- መሰረት መንነትና ምእንቲ ኪጸንዕ
ሕድሪ ስዉኣትና ይከሓስ እንቲ ብሓቂ ክንኰርዕ።

ክቡር ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
ሓርነት: ራህዋን ሰላምን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዑቝባይ ገብረመድህን
20 ሰነ: 2009

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...