ዑፈይ ብረሪ
ሃለዋት ክትምእርሪ
ናይ ጾሙ ሓዳሪ
ምቑሕ ተማህላሊ
መንእሰይ ዘላሊ
ተረካቢ ሕድሪ።


ዑፈይ ብረሪ

ከተማታት ኩለሊ
ኣብ ሽባኻ ኣጽልሊ
የማን ጸጋም ኣስተባህሊ
ኣብኡ’ሎ ሓካሊ።

እስከ ሃሰስ በሊ
ጎርዞ ምስ ኩሕሊ
ወላዲ ምስ ሕድሪ
ሕጻናት ምስ ፍቕሪ
ከም’ቲ ንቡር ባህሊ
እንተ’ልዮም ብዕሊ።

ድለዪ’ሞ ሃሰስ በሊ
ጓሳ ምስ በትሪ
ናውቲ ምስ ዱግሪ
ሓረስታይ ምስ ጸብሪ
ትወን ምስ ሳዕሪ
እንተ’ልዮም ንዝኽሪ።

ሰማይ ሰማይ ሕነኒ
መሬት መሬት ጥነኒ
ርሑቕን ቀረባን ከተመዛዝኒ::

እስኪ!

ነዛ ዓለም ዙሪ
መዋዕል ኣብ’ዛ ምድሪ
ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ምስሪ
ኣውሮጳ ኢታሊ
ኣመሪካ ሚዙሪ
ኣውስትራሊያ ካልጋሪ
አሽያ ነፓሊ
ዘሎ ሃለዋት’ሞ በርብሪ
ምስ’ዙ ሂወትና ኣነጻጽሪ።

እንታይ ይብሉ ደቂ ዓዲ

ብዛዕባ ቀውዒ
ብዛዕባ ዓውዲ
ሽሻይ መኣዲ
መገሻ መንገዲ
ዕስክርና ብግዲ።

አረ!

እንተዝጽብጸብ- ዝቑጸር
ዝመሃር- ዝእሰር
ዝሓርስ -ዝዕስከር
ዝትከል- ዝንቀል፣

ዝሽቅል -ዝድስክል
ዝሓርር -ዝበቁል፣

ዝዓምም -ዝሓምም
ዝቐስን -ዝቑዝም
ዝስስን -ዝማስን
ዝኸስብ-ዝኸስር
ዝኸብር -ዝሓስር፣

እወ!

እቲ ዝበዝሕ
ይነብዕ ዝርንዝሕ
ይብህርር ይስክሕ።

ዘደንጹ’ዩ ኣስደሚሙ
እዋን ድዩ ሰብ ጠሊሙ
ተሰዊሩ ጠጥዑሙ
ኩሉሻዕ ጾም ፋሲካ ተሓሪሙ
ንስሓ’ዶ ተሪፉ ኩሉ ተቐይሙ።

ካልእ’ስ ይትረፍ!

ዝሓለፈ ሕሰም ተናፊቑ
ይሓይሽ ተባሂሉስ ተደኒቑ
ወዮ ባህጊ ተጸንቂቑ
ተሰሊቡ ተሰሪቑ።

ብስም ሃገር ዝጣበቑ
ኣብ ሕቑ`ፎ ናጽነት ይማሙቑ።

ንሶም ይበልዑ
ኣዳም ብጥሜት ተጠቂዑ።

መኣዶም በሊዖም
ብመኣዲ ደቆም ይሳለቑ
ብጾቶም መቚሖም
ከበሮ ይድልቑ።

ወይ ጉድ!

ዘይኣመሉ
ምድረ ሰማይ ረሲኑ

ኣዳም ጸምሊዩ
ክሳዱ ኣድኒኑ
ማይ ድዩ መድሃኒት ስኢኑ

ዒሕ! ዝብል ተዓፊኑ።

በሊ!

መስተርሆት ከውርደሉ
ደሃይ ዓለም ኣፍእምሉ
መሲሉዎ ሽግር ኣብ ኩሉ
ከይጥበር ተታሊሉ
በዞም ሰብ አዋን
ንቐደም ዘዪብሉ።

ቶባእ!

ዝተወልደ ሓሪኑ
ብጥይት ተባሪሩ
ብጸሓይ ሓሪሩ
ኣብ ውቅያኖስ ጥሒሉ

ደሓን!
ዝተረፈ ይኣክል ኢሉ

ናበይ ከይበለ!
ስደት ወጢኑ
ኣብ ም’ንቲምንታይ’ዩ ዙኹሉ።

ዑፈይ ብረሪ-ገስግሲ
ደመና ሰማይ ጥሓሲ
ኣኽራናት ተወከሲ
ኣሰር ውሕዥ ፈሳሲ
ሩባ-ሩባ መተርከሲ
ጉዕዞኺ ቐይሲ
ደሃይ’ዛ እዋን ሃንድሲ
ጉዳ’ሎ ኣብ’ቲ ናሕሲ።

እወ!

መዳፍዕ ደምሳሲ
ባሩድ ተተኳሲ
መፍረሲ መብረሲ
በካሊ መራኸሲ፣
ፈቐዶ ጎቦ ፈቐዶ ኩርባ
ኣብ ጎልጎል ኣብ ሩባ
ተዘሪኦም ከም ጋባ።

ፈቐዶ ክሳድ መሓንቖ
ተተኺሎም ከም ሻምብቆ
ንወራሲ ኽጨንቆ
ተኣሲራ ዓዲ ብመሸንቆቖ።

በሊ!

ኣባ ዥጎ የጸብቆ
ምእንቲ ክትረኽቢ መዓልቦ።

ቆጽሊ’ውሊዕ ክትቅንጥሲ
ናብ ስፍራኺ ክትምለሲ
ንሙቑሓት ክትድብሲ
ክድቅሱ ኣብ ማእሲ
ክምለስ ራሕሲ።

ካብ ዑደትኪ መስክርዮ
ዝጸንሓኪ ኣብ ዝዓለብክዮ
ታሪኽ’ዩ መዝግብዮ
ምስ ወግሐ ክትድርጉሕዮ
ናይ ሎሚ ስቓይ ንጽባሕ ዕዮ።  

ፖለቲካ ዘመና’ምጽኦ
ዕትሮ ማይ ብዘይ ድብኦ
ባህልን ወግዕን ዘይገርሆ
        ሆ!
ዕድል ይሓይሽ ካብ ንግሆ
ኮይኑ መርሖ።

ዳንኤል ተኽለጊዮርግስ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...