ክልተ ሽሕ ዓመት!             

           ኣቤት ክነውሕ

         ናይ መን ዕድመ’ዩ?

          ክንደይ  ይበዝሕ፣

ገንዘብ ኮይኑስ ኣብ ጁባኻ አንተዚበጽሕ

      እዋን’ዩ ግን ንኹሉ ዘርብሕ።

     ማቱሳላ’ኳ ክንዳኡ ዘይጸንሐ

ካልአ’ውን የለን ከምኡ ዝረብሐ።

            ምናልባት!

     ከም’ዚ ሕጂ ዝተዓደላ

    ኣጋጣሚ ሂብዎ ዘጸምበላ

           ኣይደግማን’ዩ!

       እንኮሳዕ’ዩ ዘኽብራ።

          ብርግፅ ግን!

     ዕድመ’ያ ዕድመ ምዕባለ

   መዝገብ ዘለዋ ዝተጠቕለለ

ዕዮ ምስክር ናይ ኣቦታት ዝሓዘለ።

እምበር ኣይርከብን’ዩ ዝተፈጥረ

ከም’ዛ ዕለት ‘ዚኣ ደጊሙ ዘብዓለ።

        ሓቂ ድዩ’ኸ?

  ክልተ ሽሕ ዓመት ተወዲአን

ዘርግም’ዩ ! ....ብኡነት አዚአን

ንኹሉ ብማዕረ አንተተሰሊዐን

   ብዙሕ ኣሎ ዝሓንኽ ብአአን

  እዋን ረኺቡ ዘይተጠቕመለን።

       ምኽንያቱ!

  ገለ ጃፓን ገለ ኣመሪካ

ምዕባለኦም ተኣምራት ዘይርድኣካ

   ሓዳሮም ጸሓይ የቕነኣካ።

        ካን!

   ባይታ ገዲፎም ሰማይ

  ውቅያኖስ ሃንዲሶም ቀላይ

ብልዖም ማና ስታዮም ጽራይ

መኺሮም ዘትዮም  ይገብሩ ውራይ።

       ገለ ድማ፣

  ሳልሳይ ዓለም ይጽውዑ

አንጌራ ሄዋን ምስ ሰቦም ከምዘይበልዑ

ካብኣ ፍሕት ከይበሉ ከም ቆልዑ

    ጌና ጸሓይ ዘይማሞቑ

ጥራይ ዝባኖም  ጭቃ የቆማጥዑ።

የደንግጹ’ዚኦም አዋኖም ዘዘንግዑ

      ክልተ ሽሕ ዓመት!

   ነዚኦም’ውን ኮ’ዩ ተወዲኡ።

      ሕጂውን አንድዒ’ኸ!

ዘመን አናተለወጠ ከይድህለሉ

በ’ዛ ናይ አዋን ደወል አንተ ዝበራበሩ

   መጻሕፍቲ ኤውሮጳ ክግንጽሉ

ኣብ ናይ ምዕባለ መኣዲ ክጽንበሩ።

   ብፍላይ አዛ ጸላም ኣፍሪቃ              

ኣባትር ደርብያ ክትዛረብ ብቋንቋ!

  ትበራበር’ዶ ትኽውን ነቕኒቕካ።

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...