ኣብ ዕሩቕ ዝባነይ ፡ ወርቂ ኣብ  ክሳደይ !

ናጽነት ...............

ትረከ ናጽነት........!

ኣብ ዕሩቕ ዝባነይ
ወርቂ ኣብ ክሳደይ
ብሩር ኣብ ሕዛበይ
እንታይ ክዓብሰለይ ።

ኣብ ሕዙን ልበይ
ጓይላ ኣብ ደንበይ
ዕልልታ ኣብ ዓደይ
እንታይ ክዓብሰለይ ።

ኣብ ጥሙይ ከብደይ
ኣብ ኩርኳሕ ንእደይ
እንተተሰለመ ቆፎይ
እንታይ ክዓብሰለይ ።

ኣብ ከብድኻ ሓምሊ
ኣብ ጸጉርኻ ጠስሚ
ኣብ ዝባንካ ቁስሊ
ኣይሓኸለ ኣይዓጽሚ ።

ኣንቱም ህዝቢ.....!

ኣየናይ'ዩ እቲ ናጽነት
ኣየናይ'ዩ እቲ ሓርነት
ኣየናይ'ዩ  እቲ ገነት
እቲ ዘጃህር ኣንነት ?

ኣየናይ'ዩ እቲ ናጽነት
ኣየናይ'ዩ እቲ ክብረት
ኣየናይ'ዩ እቲ ቅሳነት
እቲ ዘመክሕ ልዕልነት?

ወይ ናጽነት...........

ክንዲ ወላዲ ዝተገርፈ
ክንዲ መሰል ዝተጋህሰ
ክንዲ ተስታይ ዝዓመሰ
ክንዲ ኣንጉዕ ዝፈሰሰ

ኣየናይ'ዩ እቲ ናጽነት..

ክንዲ ህልቂት ስድራቤት
ክንዲ ዕርቃን ጥሜት
ክንዲ ሕሰም ምረት
ቶሞኽሊኻ ናጽነት !

ቶባእ !................

ክንዲ ሕሰም መከራ
ክንዲ ሕስራን ዓዘራ
ክንዲ ኣደራዕ መከራ
ናጽነት ንስለ ጃህራ።

ትረከ ናጽነት........!

ኣብ  ዕሩቕ ዝባነይ
ወርቂ  ኣብ ክሳደይ
ብሩር ኣብ ሕዛበይ
እንታይ ክዓብሰለይ ።

እወ...................

ስሉም ቆፎ ኣየጃህር
ስሉም ጋቢ ኣየዳህር
ሃብታም ዘመድ ኣየጃህር
ዓሻ ተስፋ ኣየናብር

ትረከ ናጽነት.........

ሕልሚ ለይቲ ኣየንቅሕ
ሃብቲ ጓና ኣየርብሕ
ቅጭን ጋቢ ኣየስብሕ
ጃህራ በጠጥ ኣየመክሕ


ኣብ ዕሩቕ ዝባነይ
ወርቂ ኣብ ክሳደይ
በራውር ንሕዛበይ
እንታይ ክዓብሰለይ
==================
ናጽነት መናበሪ እንበር፡ መጃሃሪ ኣይኹን !

የርህዎ ኣምላኽ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...