ክቡር ወዲ ሃገር ፡ ተስእ ተባራበር

ዝባን ሕጊ ......ገዚተካ'ለኹ

እወ........................

ከይትኸውን መለበሚ
ከይትኸውን ተበላሊ፡

ከይትስርነቕ ከም ትማሊ
ከይትኸውን ተታላሊ፡

ከይትፍታሕ 'ዛ ቑልፍኻ
ከይትሞልቕ 'ዛ ስረኻ

ከይትሓዝን ኣማሲኻ
ከይትቑዝም ኣማዕዲኻ።

ሕሰበሉ ፡ ኣራፊድካ
መጉተሉ 'ዛ መሬትካ

ከይዓርብ'ዚ ጻሓይካ
ከይትፈኩስ ከም ኣመልካ ።

ኣማዕድዎ...!

ዓጭቂሉ'ሎ 'ዚ ቤትካ
ፈዂሶ 'ሎ 'ዚ ስበትካ

ሳዕሪሩ'ሎ 'ዚ ግራትካ
ነቒዑ 'ሎ 'ዚ ነዊትካ

ሕሰበሉ......!
ከይዝረግ 'ዚ ማይካ
ከይብተና ደቂ ላምካ

ከየንጎድጉድ 'ዚ ደበና
ከይድርጉሖ ኣብልዕሌና

ዝኾነ ኮይኑ፡ ክሳብ ዝወግሕ
ዓር በሎም ! ክር በሎም!
ያዕ በሎም ! ሹሽ በሎም!



የርህዎ ኣምላኽ