ጅግና ተቓላሳይ ዶክተር በየነ ኪዳነ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብዘይሕለል ሉዕል ሃገራዊ ወኒኑ ፡ ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ተሽኪሙ፡ ክሳብ 1991ዓ.ምፈ.፡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ድሕሪ ምርግጋጽ ልኡላውነት ሃገር ኤርትራ ካኣ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣ ሕጊ፡ ፍትሒ ነጊሱ፣ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክተክልን ክዕምብብን፡ ከይታሓለል ኣንጻር ነቲ ኣብ ሃገርና ተኸሲቱ ዘሎ፡ ሕሱም ውልቀ-መላኺ፡ ክቃልስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እነሆ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ዶክተር በየነ ኪዳነ፡ ብሕማም ምኽንያት ብዕለት 05. ሚያዝያ 2013ዓ.ም.ፈ፡ ሳዓት 21፡00 ድሕሪ ቀትሪ፡ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ክቡራት ኣሕዋት ኣሓት፡ ፈተውቲ፣ ናይ ቃልሲ ብጾት፣ ኣብ ምክፋል ቅብሪ ስነ-ስርዓት ርግጸኛ ክኾኖልኩም ምእንቲ፡ ማዓልትን፣ ግዜን፣ ቦታን፣ ስድራ-ቤት ተጋ/ ዶር./ በየነ ኪዳነ ይሕብር።

ቦታ ቀብሪ ስነ-ስርዓት፤ Nordfriedhof Weidenpech – Köln

ግዜ፤ ሳዓት 13፡30 ድሕሪ ቀትሪ

ማዓልቲ፤ ሶሉስ ማዓልቲ፡ ዕለት 16. 04. 2013

ብኸመይ ናብቲ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ዝፍጸመሉ ቦታ ክብጻሕ ይካኣል ንዝብል ሕቶ፤

1. ብባቡር ንዝመጽእ ስብ፤ ኣብ ማዓርፎ ባቡራት Köln Hauptbahnhof ይወርድ። ድሕሪ‘ዚ፤………………ናብ „Hansaring“ ዝባሃል መውረዲ ቦታ እትኸይድ ዝኾነት ናይ ከተማ ባቡር ይወስድ/ትወስድ። እዛ መውረዲት እዚኣ ካኣ ካብታ ዝተሰቐልካላ/ክላ ቦታ፡ ሓንቲ ስተሽን (Station) ጥራይ እያ። ኣብዛ ቦታ ኢዚኣ ኻኣ ይወርድ/ትወርድ። ኣብዛ ቦታ እዚ ድሕሪ ምውራድ፡ ናብ ታሕቲ (Underground) ካኣ ይወርድ።

2. ድሕሪ‘ዚ፤ …………….. ኣብዚ (Underground) ናብ „Chorweiler“ ገጸን ዝኸዳ ናይ ከተማ ባቡራት፡ ቑጽሪ 12. ወይ ካኣ ቑጽሪ 15. ወሲዱ/ዳ ክሳብ „Mollwitz Strasse“ ዝባሃል መውረዲ ቢታ ካኣ ይኸይድ/ትኸይድ። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኻኣ ይወርድ/ትወርድ። ኣብዚ፡ ብጸጋም ወገን „Roßbachstrasse“ ዝባሃል መንገዲ ተወስድ/ዲ። ኣብዚ ቦታ‘ዚ ምስ በጻሕካ/ኪ፡ ንዝኾነ ሰብ „Nordfriedhof Weidenpech“ ኣበይ እዩ ኢሉ ምስ ዝሓትት/እትሓትት፡ ክሕብሩኩም ይካኣል እዩ።

3. ብማኪና ንዝመጽእ ሰብ፡ ሰለስተ ምርጫ ኣለዎ/ዋ፤
a. Autobahn 3 (A.3) b. Autobahn 45 und 4 (A45 und A4) c. Autobahn 3 und 61 (A3 und A61)፤ ብፍላይ ብ-Autobahn 61 (A61) ንእትመጽኡ ሰባት፡ ካብ Frankfurt ይኹን ካብ ካሊእ ከትማታት ጀርመንን ወይ‘ውን ካብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓ፡ ኣብ ቀብሪ

ስነ-ሰርዓት ዝፍጸመሉ ቦታ ንምብጻሕ ከምዚ ዝስዕብ ትገብሩ። ኣብ ከባቢ Köln ምስ በጻሕኩም፡ ናብቲ ዝድለ ዘሎ ቦታ ክትበጽሑ፡ መውጽኢ (Ausfahrt) ካብ Autobahn፣ „Köln-Nord“ እዩ። ኣብዚ ምስ ውጻእካ/ኪ፡ የማን ገጽካ ብምሓዝ፡ ኣብ ሰለዳ A57. ዝብል ክትሪኢ ኢካ፡ ካብዚ ናብ Köln-Zentrum ገጽካ ተምርሕ።

d. አቲ ቦታ፡ እቲ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ዝፍጸመሉ፡ Nordfriedhof Weidenpesch – Köln ይባሃል።

ብዳሓን ምጽኡ/ኣ

ካብ ስድራ - ቤት ስዉእ ተጋ/ ዶር. በየነ ኪዳነ

08. ሚያዝያ 2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...