Eritrean national salvation front - Europe Zone
Preparatory Committee of the 25th Eritrean Festival
Kassel 2010
     
ቃል ሓዘን

ሃንደበታዊ መስዋእቲ ብጻይና ተስፋሁነይ መስፍን ንዘፍቅርዎ ስድራቤቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሉ ሰላምን ፍትሕን ቅሳነትን ዝምነ ኤርትራውን ካልኦት ዝፈልጥዎን ዘሰንበደ ዓቢ ክሳራ ኢዩ። ብጻይና ተስፋሁነይ ነቲ ኣካል ቃልሱ ዝኾነ ኣገዳሲ ናይ’ዚ እዋን’ዚ ዕማም ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ምስልሳል ላዕልን ታሕትን እናበለ እንከሎ ዝወረዶ ሓደጋ ብምዃኑ ከኣ ንመስዋእቱ ድርብ ገይሩዎ ኢዩ። ናይ ቀረባ ብጾቱ ዝምስክርሉ ትጉህ ተቓላሳይ ካብ መንጎና ምፍላዩ ዝተሰመዓና ሓዘን ወሰን የብሉን። ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት ከዋርሶ፡ ንዘፍቅርዎ ስድራ-ቤቱ ከኣ ደበሳ ኢዮብ ክገብረሎም ንምነ።

ብሰላም ዕረፍ ብጻይና ተስፋሁነይ መስፍን

ኣሰናዳኢት ሽማግለ
ፈስቲቫል ኤርትራ ካስል