ኣብዚ ሓጺር እዋን ዝተራእየ ክልተ ክስተታት። እቲ ጀግና ዲኒኤል ኣብዚ ሳልስቶዚ ኣንበሳ ዓቐበት ተባሂሉ ክብሪ ሃገሩን ገዚእ ርእሱን ንዓለም ከመስክር እንከሎ። እቶም ካብ ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ህዝቦምን ብሰንኪ ኣረሜናዊ ምሕደራ ኢሳያስ ንሂወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዱቖም ንኩሉቲ ዘጓነፎም ንምእማኑ ዘሸግር መስገደ ሰጊሮም ኣብ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ዝኣተዉ ነቶም ምስኦም ተበጊሶም ኣብ መንገዱ ዝተረፉ ረሲዕም ስርዓት ኤርትራ ዝገበረ የብሉን ብምባል ኣንጻርቲ ሕማቕ ርእዮም ዓገብ ዝበሉ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም። ዘስደምም ነገር ኢዩ። ንሃገር ካብ ሓደጋ ዘድሓንኩም ድዩ መሲልኩም? በሉ ሕሰም ህዝቡኹም ንሓደ ዓመት ከምዜናዋሕ ጌርኩም ኣለኹም። እዚ ጥራይውን ኣይኮነን ብገለ ሰብ ረብሓ ተታሊልኩም ኣንጻርቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኤውሮጳ ዝኣተዉን ጌና ኣብ ጉዞ ንዘለዉን ንጉዲያቶም ንምትሕልላኽ ኢኹም ስሪሕኩም።
 
እስከ ነቲ ጉዲይ ኣዕሚቝና ንተንትኖ፣ 
  1. እቲ ክሲ ናብቶም ኣብ ልዕሊ ዛጋታት ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዜፈጸሙ ዘተኮረ’ምበር ንህዜቢ ዜትንክፍ ኣይነበረን። ነቶም ስልጣን ዓቲሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሸሸ ዜብሉ ዘለዉ፣ ጠንቂ ስደትኩምን፣ ኣሕዋትኩሙን ዝኾኑዶ ኣይኮነን እቲ ኣርእስቲ? ብሰብ ረብሓ በቶም ብህግደፍ ዝምወሉ ክሳብ መዓስ ኢኹም ክትታለሉ።
     
  2. ኣብ ኤርትራ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ኢዩ ተተኺሉ ዘሎ። ነዚ ስርዓትዚ ክትድግፉ? ክሳብ ክንደይ ዱዩ ንቕሓትኩም ባይታ ዘቢጡ? ሰባት ተኣሲሮም ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዝጸንሑ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ኢዩ። አረ ገሊኦምሲ ድሕሪ ዓመታት ብምንታይን ብመንን ከም ዜተኣስሩ ስለ ዘይፍለጥ ውጻእ ግን ብጩቕ ከይትብል ተባሂሎም ዜተፋነዉ ኣለዉ።
     
  3. ኣብ ኤርትራ ወስዲ ሰብ ብኣጽኑሕልና ዓመታት ይእሰር። ዋላቶም በዲሎም ዜበሃሉ ኣብ ሕጊ ክቐርቡ የብሎምን? እዚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልዶ ኣይኮነን?
     
  4. ኣብ ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ ብዜኸድካዮ ኢዩ። ኩሉ ትሕቲ መሬት፣ ኣንታ ኣሕዋትኩም እኮ ኢዮም! ቁሩብ ርህራሄ ኣብ ኣሕዋትኩም ኣይትገብሩን? መንእሰያት ካብ ኣብ ኤርትራ ምንባር ሓዱኡ ይርክርበና ኢሎም እኮኢዮም ዜጠፍኡ ዘልዉ።
     
  5. ከምቲ ሰዓብቲ ኢሳያስ ዝብልዎ ብኣመሪካን ካልኦትን ዝግበር ሽርሒ’ዩ ዝብሎ እንተኾይኑ ስለምንታይ መግትኢ  ዘፈጥረሉ? ብኸመይ ትብሉ ትኾኑ? ግርም ዝኮነ ዜጋ ነጻ ክወጽእ እንተዝፍቀደሉ እዘን ሕጂ ዝቕበላኹም ዘልዋ ሃገራት መእተዊ ቪዚዶ ምሃባ ይመስለኩም? ኣይመስለንን? እቶ ኣሽሓት ኣኽፊሎም ዘስግሩኹም ኣባላት ሰራዊትን ናይ ጸጥታ ትካላትን’ዶ ኣይኮኑን? ብድሕሪት ዝተወደበ ኣካል ከምዘሎ ኣይትረስዑ።
     
  6. ኣስከ ኣብ ዜተፈላልየ እዋናት ዝተ ዘርበ ንዘክር “ ሓተላ ሕብረተሰብ ከይዶም ኢልና ኣይንሰናበድን፣ ክኸይድ ዜበለ ሕጂውን ይኺድ” “ እዝም ንወጻኢ ዝኸዱ ሰባት ንሃገሮም ዓንዲ ኮይኖም ዘለዉ ኢዮም” “ ንዓና ስልጣን ዝሃበና ሰብ የለን” ። እዚ እኮኢዩ ብወግዒ ተነጊርኩም። እሞ’ኸ ነዚ ከምዚ ዝብል ስርዓት ትጣበቑሉ? ሕማቕ መዓልቲ።
     
  7. ስርዓት ኢሳያስ ስልጣኑ ንምድልዲል ዜወሰዶም ስጉምትታት ንመልከት፣-

    (ሀ) ን72 ቀልጢፉ በቲንዎ።

    (ለ) ቁጠባ ሃገር ንምርማስ ዝነበረ ፋብሪካታት ሸይጡ ጥረ ነገራት ንኸየእትዋ ኣሎ ዝበሃል ማሕለኻታት ብምትእትታው ከም ዝጥፍሻ ጌርወን ኣብዚ እዋንዚ ድማ ቀረብ ጽዓት ብምዕጻው ናብ ፍጹም ምዕጻው ተቓሪበን ኣለዋ።

    (ሐ) ሃገር ፍጹም ናይ ምክልኻል ዓቅማ ንምምህማን ኩሎም ምሁራን ካብ ሰራዊት ከምዝወጹን ንከምገለ ዝተረስዑ ድማ ተራ ከምዘይህልዎም ጌሩ፣ እቲ ኣጸቢቑ ዝገርም ድማ ነቶም ብወተሃደራዊ ስነፍልጠት ኣብ እዋን ሃይለስላሰ ኮነ ደርግ ዝሰልጠኑ ከይተረፈ ካብቲ ምያኦም ምርሓቕ ኢዩ። እዚ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን ኣብ ሳዋ ናይ መኮነናት ትምህርቲ ቀሲሞም ክሳብ ኣብ ወጻኢ ዜሰልጠኑ መንእሰያት ፋሕ ከምዜብሉን ጌሩ። እዚ ናይ ምድኻም ስጉምቲ’ዚ ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ይኹን ፖሊስ እውን ተፈጺሙ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ሃገር ንክካላኸል ትጽቢት ዝገበረሉ እዚ ህዜባዊ ሚሊሻ ኢዩ። እዚ ሰራዊትዚ  ብደቂ ሱሳ ዝተዓብለለ፣ ስንኩላን፣ ነባሪ ሕማም ብ ዘለዎም ዝቖመ ኢዩ።

     (መ) ስርዕት ኢሳያስ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ሰራዊት ዕሱባት ሰራዊት ኢዩ ዝሕብሕብ ዘሎ። ሰራዊት ደሚሒት ኢዮም ሰራዊት ኢሳያስ። ኢሳያስ ተማሃራይ ቃዛፊ ስለዜኾነ ኩሉቲ ቃዛፊ ዝተኸተሎ ኣገባብ ተኸቲሉ ይኸድ ኣሎ።

    (ሰ) ሕጂ ድማ ናይ ቁጠባ ነውጺ የተኣታቱ ኣሎ። ኩሉ ብኮንትሮባንድ ዝኣቱ ዝነበረ ተዓጽዩ ዋጋ ሃለኽቲ ሰማይ በጹሑ፣ እቶም ምስ ቀንዲ ተኣመንቲ ስርዓት ኮይኖም ሚልዮነራት ዝኾኑ እናኣሰርካ ከም ዘይትፈልጥ ኮንካ ምቕራብ ኢዩ። እዚ ነውጺ’ዚ ኣብ ብዘሓት ሃገራት ዝተፈተነ ንዝኾነ ተቓውሞ ንምጭፍላቕ ባብ ዘርሑ ኣገባብ ኢዩ።
እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተዘርዙሩ ዘሎ ስጉምትታት ብቐንዱ ስልጣንካ ብምድልዳል መሰላት ዜጋታት ምርጋጽ ኢዩ።
 
ኣብዚ እዋን እዚ ኢሳያስ ንዓሰብ ኣመሪካን ካልኦት መሻርኽታን ወተሃደራዊ መዓስከር ክትከውን ንበይኑ ወሲኑ ኣሎ። እሞኸ መሰል ዜጋታት ምግሃስዶ ኣይኮነን?
 
ስለዚ ጀጋኑ ታሪኽ ይሰርሑ ሰነፋት ድማ ኣንጻር ረብሐኦም ይስለፉ።
 
ውፉይ ካብ ከባቢ ሲቲ ፓርክ
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...