ኣብ ኤርትራ  እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብጭቑናን ግዝኣትን ሒዝዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ መቐጸልታ ናይቲ  ገደብ ዘይብሉ ናይ ግዱድ ዕስኽርና   ኣብ መንእስያት ከይኣኽል ኣብዚ ሕጂ እዋን   ክሳብ ብዕድመ ዝደፍኡ  ሽማግለታትን ሕሙማትን ኣዕጢቑ ምህላዎ ዝፍለጥ ኮይኑ  መቐጸልታ ናይዚ፥  እኹል ወተሃደራዊ ስልጠናን ንኽወስዱ ክዳለዎን ምኳኖም ጻውዒት ይገብር ኣሎ።

እሙናት ምንጭታትና  ካብ ኤርትራ ከምዝሓበርዎ  ብመሰረት እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ኣዋጅ መሰረት እቶም ንኽዓጥቑ  ጻውዒት  ተገይርሎም ዘሎ ኣባላት ስራዊት  ህዝቢ ዋላ እዃ ኣቐዲሞም ዝዓጠቑን  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ሓለዋ እናወጽኡ   ነቲ  ህዝቢ እናደሃኸ ስልጣኖ ዘናውሕ ዘሎ ስርዓት  ዝግዝኡ ዘለዎ  ኮይኖም  ነዚ  ሕጂ ተገይርሎም ዘሎ ህጹጽ ጻውዒት ግና  እቲ ስርዓት ከምዝበሎ  ንሓጺር እዋን ዝኾኖም ምሉእ ናይ ስንቒ መግብን ሒዝዎም ንኽኽቱን ምሉእ  ምድልዋቶም ኣጻፊፎም ከምዝብገሱ እዮ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።

እዚ ብሃገር ደረጃ  ተኣዊጁ  ወጺኡ ዘሎ ጻውዒት መሰረት ከኣ ህዝቢ ነቲ ዝወጸ  ኣዋጅ ከምዘይተቐበሎ  ተሓቢሩ ዘሎ።  መርኣያ ናይዚ ከኣ  ኣብቲ መንግስቲ ኣብ መዋፈሪ ኣውቶቡስ ዝተገብረ ናይ መራኸቢ ቦታ  ዝምልከቶ ህዝቢ ከምዘይተረኽበን  ናይ እምቢታ ድምጺ ከምዘስመዐን  እዩ  ተፈሊጡ ዘሎ’።

እሙናት ምንጪታትትና ከምዝሓበርዎ ኣብቲ ብሰኑይ 13  ጥቕምቲ   ኣብ መዋፍሪ ኣውቶቡሳትን ምምሕዳራት ክርኸበኦ ከምዘለዎም ዝተሓበሮም ልዕሊ 1200 ክመጹ ትጽቢት ዝተገብረሎም ፡ ዛጊት 60 ሰባት ጥራይ  ኣብቲ ቦታ ከምዝተረኽቡን ፥ ንግዜኡ ኣብ ገዛኩም ጽንሑ ክንጽዋዓኹም ተባሂሎም ከምዝተመልሱ ካብቲ ዝመጸኣና ሓበሬታ ኣነጺሩ።

እዚ ብስታፉ ስርሒት ሚኒስትሪ ምክልኻል ጀነራል ፌሊጶስ ወልደገብርኤል ዝምራሕ  ሓይሊ ስራዊት  ኣብ ልዕሊ እቶም ኣይንኸትትን  ዝብሉ  ናይ  ሓይሊን ጎነጽን  ስጉምቲ ክውስድ ምኳኖ ብዘጠንቕቖ  ትእዛዝ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ  ኣይንኸተትን ኢሉም ኣብያ ናይ ዝግበሩ ወነንቲ ትካላትን፥ ዱኳናትን፥ ትካላቶም ተዓጽዮ ከምዘሎ፡ ስሪ ናይዚ ከኣ ኣንስቶም ምስ ደቐን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይቲ ምስሉይ ስርዓት  ይምቑሕ ምህላዎም  ንኹሉ ተቐማጢ እቲ ከባቢ ኣስደድሚሞም ዘሎ ጉዳይ ምዃ`ኑ ተፈሊጢ ዘሎ።

ብተወሳኺ   ኣብ ዞባ ደቡብ  እዉን እንተኾነ  ህዝቢ ናይቲ ዞባ  ነቲ መንግስቲ ኣቕሪብዎ ዘሎ ጻውዒት እዋኑ እዋን ቀውዒ ምህርቲ እኽሊ ናብ ቖፎኦ ዝኣትወሉን እዋንን እምበር እዋን ክተት ኣይኮነን ብምባል ኣብያ ገይሮም ድሮ ልዕሊ ሱሳ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዎ እቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጽኣና ዜና  ተወሳኺ ሓቢ ሩ ኣሎ።

ዛጊት  በጺሕና ካብ ዘሎ  ሓበሬታ ከምዝነጽሮ ፡  ድሮ እዚ ናይ ጻውዒት ሓበሬታ እንትርፎ ስንቖም ሒዞም ክብገሱን ናበየናይ  ቦታ  ምብጋስ ምዃኑ ግና ዝተነጸረ ሓበሬታ የለን። ገለ ገለ ካብ ምንጪታት ናይቲ ስርዓት  ካብ ዘናፈስዎ ወረ ከም ዝግለጽ   ናቕፋ ፥ ዊዓ፥ ክሳብ ዓስብ እቲ ናይ መስርሕ ክተት ክኸዉን ከምዝተሓጸጸ እዮ ተፈሊጡ ዘሎ።

እዚ ንህዝቢ ምድሃኽ  ከም ኣመል ሒዝዎ ፥  ህዝቢ  ብዘይ ዝኾነ ፍርዲ ክእስርን ፡ ክሳቐን ኣብ ስልጣን ደይቡ ዘሎ ስርዓት    ኣብ መንጉ ሓድሕድ ህዝቢ  ኣፈላልይ ክህሉ ዝቓለስን፥ ህዝቢ ካብ ገዛእ ዓዱ ቀሲኑ ንኽይነብር ዝጽዕርን ገዛኢ ስርዓት ፡ ኮነ ኢልካ  ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝኣለሞ ዘሎ ምዃኑ  ተንተንቲ ናይቲ ዜና ይሕብሩ ኣለዎ።