ሜጀር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ብደም ዝጨቀወ ብዋጋ ደም ኤሪትራውያን ኣብ ዝምወል ኣደራሽ ገዛ ኢዩ ዝነብር;;  ኣብ ናይሎሚ ናይ ህግደፍ ኤሪትራ  ገበን ውዕለት ኣለዎ:: ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊንጹሃን ኤሪትራውያን ዘፍስሶ ዘሎ ደም ዋጋ ውዕለቱ ናጻ ኣደራሽን ምቹእ ሂወትን የሕልፍ:: እዚ ኣብ ማእከል ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ ቁጽሪ 4 ጎደና ሰማእታት (1A 175/175-2/4) ምስ ስድርኡ ዝነብር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ እቲ ልሙድ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ኣስመራ ፈጺኡ ኣይጸልዎን ኢዩ::ከመይሲ ኣስመራ ብምሉኣ ክትጽልምትከላ መዓልትን ለይትን ጂጅ ዝብላ ጀነረይተራት ስለ ዘለውኦ ስቃይ ህዝቢ ኣይዓጦን ኢዩ::   ህዝባዊ መጎዓዝያ ብሰንኪ ዋሕዲነዳዲ ደው ኢልሉ ኣብ ዘሎ ንሱን ስድራቤቱን እተን ምቹኣት መካይኖም ደው ኢለን ኣይፈልጣን:: ንኣብነት ወዱ ንተኽለ ማንጁስ ጸላም ሰማያዊት ቶዮታ (Toyota RAV 4) ይዝውር:: መንእሰያት ኣስመራ ብሰንኪ ግፋ መሬት ከምዕንቊ ጸቢባቶም ከላ እቶም መንእሰያት ደቁ ኣይምልከቶምንኢዩ:: ፍሉጣት ሃብታማት ኣስመራን ላዕለዎት ሚኒስተራት መንግስትን ብመጠን ዘይብሉ ሃብትን ብምቹእ ናብራ ተኽለ ማንጁስ ተገሪሞም ብጎቦ ቁሊሕ ይብሉ ኣለዉ::

ዝተማህረን ዝሸቀለን ኩሉ ድኻ ኣብ ዝኾነላ ናይ ሎሚ ናይ ህግደፍ ኤሪትራ መነባብሮ ተኽለ ማንጁስን ስድራ ቤቱን ግን ክትኣምኖ ዘጸግም ምቹእ ናብራ ብዋጋ ደም ኤሪትራውያን ይነብሩ ኣለ :: እንተኾነ እዚ ኣብ ብሉጽ ኣደራሽ ቪላ ዝነብር ዘሎ ተኽለ ማንጁስ ደረጃ ትምህርቱ 10ይ ወግዓዊ ደሞዙ ብመንጽር መዓርጉ 3 ሽሕን 700 ናቅፋ (ከባቢ275 ዶላር) እኳ እንተኾነ  ብከመይደኣ ሕልፊ ሰቡ ይነብር ኣሎ? መልሱ ተኽለ ማንጁስ እዚ ምቹእ ናብርኡ ካብቲ ኤሪትራውያን እናጽነተ ዘኻዕብቶ ዘሎ ሃብቲ ኢዩ :: ኣብ ንግዲ ዜጋታት ተዋፊሩ ዘይተኣደነ ሃብቲን ምቹእ ናብራን ክነብር ኪኢሉ ዘሎ ብሓጺሩ ካብ ገበን ካብ ዝተረኽበ ገንዘብ ደም ኢዩ::

ተግባራት ተኽለ ማንጁስ ብተቆጻጻሪት ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተረጋጊጹ ኢዩ:: ደቂ ኣስመራ መነባብሮን  ስራሕን  ተኽለ ማንጁስ ፈሊጦሞን ኣስተውዒሎሞን ኣለዉ:: ኣብ በረኻታት ሲና፧ሰሃራን:ላምፔዱሳን ከም ቆጽሊ ዝረገፉ መንእሰያት ኤሪትራ: ክብሮምን ሰብኣውነቶምን ፈቆዶኡ ዝተቀንጠጠ ዜጋታት እምበኣር ተኽለ ማንጁስ ኣብ ምቹእ ናብራ ክነብር ኢዩ ዘኽእሎ ዘሎ:: እቲ ዚያዳ ዘሕዝን ግን ተኽለ ማንጁስ ኣብቲ ንስለ ክብሪ ኤሪትራውያን ሂወቶም ዝበጀዉ ዝተሰምየ ጎደን ሰማእታት ይነብር ምህላዉ ኢዩ::

ታሪኽና ግን በዚ ኣንከብቅዕን ኢዩ::ኤሪትራውያን ሃገርና እዞም ስሱዓት ጀነራላት ክድህኩዋን ናብ ባዕዲ ክመልስዋን ሱቅ ኢልና ኣይክን ዕዘብን ኢና::ሓበን ኣቦታትናን ጀጋኑ ተቃለስቲ ዘስነቁና ሓቦ ተቀኒትና ክብሪ ሃገርና ከነምልስ ኢና::ታሪኽ ከኣ ክንሰርሕ ኢና::<

ጉጅለ ዓርቢ ሓርነት

ኣስመራ