ናብ፡ - - ኣስማሪኖ ዶት ኮም (መሰልና ዲሊና) - ናብ ሬዲዮ ወጋሕታ - ናብ ሬዲዮ ኣሰና

ካብ ኣስመራ ኤርትራ

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ስድራቤት ግዳያት ደሴት ላንፑዱዛ ኣብ ኣስመራ መቓብር ሓርበኛታት ንሰምበት ሕዳር 10/2013 ንሃገራዊ ቀብሪ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ብውሽጥን ብደገን ኣብ ከተማ ምሉእ ተሰሚዑ፡፡ እቲ ጻውዒት ናብ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ብሰብን በቴሌፎናትን ክዝርጋሕ እዩ ቀንዩ፡፡

ነዚ ዝሰምዐ መንግስቲ ምሒር ሰንቢዱ ጉጅለታት ፍሉይ ሓልታት፡ ካብ ክፍላተ ዕቑር ሰራዊት 55ን 53 ዝተውጻእጽኡ ብርጌዳት ንኣስመራ ኣብ ልዕሊ ዕጡቕ ጉጅለ ዲምህት ተወሰኽቲ ኣሃዱታት ኣዳሊዩ ብቐደማይ ደረጃ ተጠንቀቕ ኣዳሊይዎም ኣሎ፡፡

ኣብ ልዕሊ እዚ ጀነራል ፍሊጶስ ጨካን እዩ ክጭፍልቐና እዩ፡ መንግስቲ ንናይ ማይ ሓባር ኣካለ ሰንኩላን እኳ ዘይሕንደወ ንዓና ኣየሕንድወልናን፡ ለኻኺሞምና ክጠፍኡ እዮም፡ ደም ምፍሳስ ከስዕብ እዩ…ዝብሉ ንህዝቢ ዘርዕዱ ወረታት በታ ትካል ሓሶቱ ዝኾነት 03 ኣቢሉ ይዝርግሕ ኣሎ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ጻዕቒ ግፋን ሓፈሳን ኣጠናኺሩ ቀጺሉሉ ኣሎ፡፡ ብኣንጻሩ ነዚ ሃገራዊ ጻውዒት ዝሰምዑ ሓድ ሓደ ዓበይቲ ሰባት ቀብሪ እንተገበርና ዘይ ባህልና እዩ፡፡ እንታይ ጸገም ኣለዎ፡፡ ክንቀብር ኣለና፡፡ ንሱ እቲ ሰብኣይ እንተጨከነልና እቶም ደቅና ኣይክጭክኑልናን እዮም ነቶም ጓኖት እውን ኣሕሊፎም ኣይህቡናን እዮም፡፡ ድሕሪ ሕጂ ፈሪሕና ናብ ማህጸን ኣዴታትና ኣይንምለስን፡፡ ሞት ንፈርሖ’ምበር መዓስ ፈሪሑና እዩ፡፡ ዘይ ፈቕድኡ ኣብ ዘይንፈልጦ ዓዲ ጓና ንሃልቕ ዘለና ኣብ ዓድኻ ሞት ከኣ ክብሪ እዩ፡፡ ዘይ ትማልስ ብመሪር መስዋእቲ ናጽነትና ዝረኸብና መን ዶ ኣሕንዲዩ ሂቡና እዩ፡፡ ብዝብሉ ቁሩጽ ዝበሉ ርእይቶታት ይስምዑ ኣለው፡፡

እቶም ምስ ዲምህት ተፋጢጦም ዝቐነዩ መናሰእሰያት ብወገኖም ዝመጸ ይምጻእ ንቐብሪ ክንወጽእ ኣለና፡፡ መስዋእቲ ከይከፈልካ ዝመጽእ ለውጢ የለን፡፡ ርእስና ደፊእና ብምኻድና ኣብ ልዕሌና ዝሻደነ ስርዓት ስሬና ክነርእዮ ኣለና ብምባል ይወዳደቡ፡ ብወነን ህልኽን ይንቀሳቐሱን ይዳለውን ኣለው፡፡

ኢሳያስ ግን ኣብ ኣስመራ ዓመጽ ዓመጽ ብምጭናው ኣዝዩ ሰንቢዱ ስለዝቐነየ እዚ ተወሲኽዎ ክርቢት ዝተወለዖ ክመስል ካብ ኣመና ኩቱር ፍርሒ ተበጊሱ ዝከኣለኩም ኩሉ ገይርኩም ነዛ ቀብሪ ኣበርዕንዋ፡፡ ዝብል ትእዛዝ ንእሙናቱ ኣዚዙ ከምዘሎ ካብ ሕጓ እቶም እሙናቱ ዝለሓኸ ሓበሬታ ተሰሚዑ ኣሎ፡፡ ጽባሕ ሰምበት ጻውዒት ውጽዓት ዶ ምድላዋት ኢሳያስ፡ መን ይስዕር? ጽቡቕ የስመዓና፡፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...