ኣብ ኤርትራ እንርከብ ስድራ ቤት ግዳያት ላንፔዱዛ ኣብ መሬት ዓደቦኦም ንቡር ሓመድ ድበ ዘይተደበዩ ደቅና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብደረጃ ሃገር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክግበረሎም፡ ጽንዓት ይሃብኩም፡ ሕሰም ኣይትርከቡ ዝብል ባህሊ ክንፍጽም ተሰማሚዕና፡፡

ክመጹናን ክንከዶምን ዘይከኣልና ግዳይት ባሕሪ ደቅና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሬስኦም ዓዱ ተመሊሱ ንቡር ሓመድ ድበ ክለብስ፡ ግቡእ ስፍርኡ ክሕዝ: ተደጋጋሚ ሕቶታት እንተቕረብና እኳ ብቀምሽ ኣደይ ኣሕንኩሉኒ ምኽኒታት ብምድንጓዩን ኣብ ዓዲ ጓና ተቐቢሮም ንሰምዕ ኣሎና፡፡ ንቡር ስነ-ስርዓት ናይ ሓመድ ድበ ቀብሪ ቀቢጽና ንጓሂ ጓሂ ተወሲኽዎ ብመሪር ሓዘን ልብና ተሰይሩ፡፡

ካልእ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካልእ ሓዘንን መከራን ተደራሪቦምና፡፡ ዘጽናዕነዓና ዝበኪ’ምበር ዝእብደና ስኢና፡፡ ኣዴታት ብሓዘን ወዝበን ተለዊጡ ገጸን መድዩ ሓመድ ተፊኡ፡ ጸጉረን ተደርሚመን ክነብራ ተገዲደን፡፡ ኣቦታት ብሕሱም ጓሂ ልብና ተሰይሩ፡ እሲ እዋን ኣመና መሪሩ ሓርቢቱና ኣሎ፡፡ ሕጂ ግና እንታይ ንግበር ኢልና ብሓደ ሃገራዊ ቀብሪ ንነብስና ንኣበድ ዝብል ሓዱሽ ሓሳብ ፈጢርና ኣለና፡፡ ነዚ ንገዛእ ነብስና ንምጽንዕናዕ ነበጋግሶ ሓዱሽ ሓሳብ ኩሉ ክስዕቦ ንላቦ፡፡

ቋሚ ቤ/ጽሕፈቱ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ብ03 ሕዳር 2013 መዓልቲ ሰማእታት ላንፔዱዛ ክኽበር ወሲኑ፡፡ ብጸሊም ናይ ሓዘን ሪባን፡ ባንዴርኡ ናብ ፍርቂ ኣውሪዱን ዘኪርዋ ውዒሉ፡፡ ንሰናይ ተበግሶን ፍጻመን ሕብረት ኣፍሪቃ እንዳመስገና፡ ብዕቱብ ውሳንኦም ከምዝኾራዕና ደጊምና ነረጋግጽ፡፡

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እንርከብ ስድራቤት ስማእታትን ግዱሳት ዜጋታትን ድሕሪ’ቲ ውሳነን ዝኽሪን መዓልቲ ሰማእታት ሕብረት ኣፍሪቃ እንታይ ንግበር ዝብል መዛተይ ዛዕባ ኣልዒልና ዘቲና ነዚ ዝስዕብ ተግባራት ከኣ ብባህሪ ክብርታትን እንዳባ ክንፍጽም ኣብ ዕልባት በጺሕና፡፡

ሬሳታት ደቅና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ንሃገሩ መጺኡ ክድበ ክሳብ ዘይከኣለ፡ ሃገራዊ ቀብሪ ሰማእታት ዝካየደሉ መዓልቲን ቦታን ምውሳን ከምዘድሊ ተኣማሚና፡፡ ዕለት ሃገራዊ ቀብሪ ሰምበት 10/11/2013 ኣብ ኣስመራ መቓብር ስማእታት ክካየድ፡፡ ስነ-ስርዓት ሃገራዊ ቀብሪ ኣብ’ቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ንጉሆ ካብ ሰዓት 10፡00 ክሳብ ፋዱስ ሰዓት 12፡00 ክፍጸም ምኻኑ ወገና ንዘበለ ኹሉ ብኽብሪ ንዕድም፡፡

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!

ካብ ግዱሳት ምውህሃድ ሃገራዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሰማእታት ላንፔዱዛ

ኣስመራ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...