ካብ ገዝኣ ብጨወይቲ ካብ ትዕፈን ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ደሃያ ዝጠፍአ ጓለንስተይቲ
 
ትብለጽ ኣደ ሰለስተ ቆልዑን በዓልቲ ሓዳርን ኢያ። በዓል ሓዳራ ኣባል  ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኢዩ። ተቀማጢት ከተማ ደቀምሓረ ዞባ-ደቡብ ኢያ። ኣብቲ ዞባ -4 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ናይታ ከተማ ንክልተ ግዜ ናይቲ ብህግደፍ ዝእለ ሃማደአ ሓላፊት ክትከውን ተመሪጻ። ንሳልሳይ ግዜ ክትምረጽ ከም ሕጽይቲ ምስቀረበት ግን “ሕጂ ይኣኽለኒ፣ ደኺመ ኢየ፣ ካልኦት የብርያኒ” ብምባል ካብ ምርጫ ብፍቓዳ ስሒባ።

ንህቡብነታን ተቀባልነታን ዝረኣዩ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስኦም ኣብ ስለያዊ ስርሓት ንኽትዋፈር ማለት መዓልታዊ ምንቅስቓስን ዕላላትን ናይቶም ኣብታ ከተማ ብሓፈሻ ኣብ ከባቢኣ ድማ ብፍላይ ዘለዉ ሰባት ጸብጻብ ከተቕርብ፣ ኣምሳያ ኣገልግሎታ ድማ ፍሉይ ደሞዝ ክግበረላ ይንገራ። ትብለጽ ፍቓደኛ ኣይነበረትን። ሰላም ግን ኣይሃቡዋን። እቲ ሕቶታት ምስተደጋገመ ድማ ከም መህደሚ “ኣነ በዓልቲ ሓዳር ኢየ፣ እንዳሓሞይ ድማ ካብዚ ከተማ ርሑቕ ኣይኮኑን፣ ሰብኣየይ ዘይፈልጦ ስራሕ ኣብ ሓዳረይ ጸገም መታን ከይፈጥረለይ ፍቓድ ናይ በዓል ቤተይ ክሓትት” ትብሎም።  ንሰብኣያ ኩሉ’ቲ ኩነታት ትነግሮ። በዓል ሓዳራ ግን “ካብቲ ንረኽቦ ገንዘብ ነጥርዮ ጽልእን ቅርሕንትን ይዓቢ” ብምባል፣ ፍቓደና ዘይምዃኑ ይነግራ። ንወደብታ ሰብኣያ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ተፍልጦም። ድሕሪ’ዚ ንሳን ሰብኣያን ናብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ምክትታል ውሽጢ ሃገር ዞባ - ደቡብ ከታማ መንደፈራ ተጸዊዕም ይኸዱ። ሰብኣያ ኣብ ቅድሚኣ ይሕተት። ብወገኑ “ኣነ ኣብ ምክልካል ሃገር ኣለኹ፣ በዓልቲ ቤተይ ድማ ቀሲና ቆልዑ ክትኣሊ’ምበር ኣብ ከምኡ ዓይነት ስራሕ ክትዋፈር ኣይደልን’የ” ይብሎም። በዚ ድማ ካብ መንደፈራ ይፋነዉ። ትብለድ ናብ ደቃ ትምለስ፣ ሰብኣያ ድማ ናብ ስርሑ ይኸይድ።

ምሸት ትብልጽ ምስ ደቃ ኣብ ገዛ ከላ ማዕጾ ብግዳም ይኩሕኳሕ። ማዕጾ ከፊታ ትቕልቀል። ብግዳም ዝጸንሑ ሰባት “ሓንሳብ ከነዛርበኪ ደሊና” ይብሉዋ። ምስኦም ንግዳም ትወጽእ። ትብለጽ ንሱ ዝኣንፋ ናብ ደቃን  ገዝኣን ኣይተመልሰትን። ቆልዑ ማዕጾ ብኽፉቱ ኣዲኦም ክትምለሶም ይጽበዩ። ትጽቢቶም ናብ ሻቕሎት ይቕየር። ካብ ሻቕሎት ናብ ብኽያት። እዋን ዘይብሉ ብኽያት ዝሰምዑ ጎረባብቲ ኩነታት ከረጋግጹ ናብቲ ገዛ ይመጹ። እታ ኣደ ገዛን ተዋዛይትን ትብለጽ ኣይጸንሓቶምን። ቖልዑ ይሕተቱ። “ዘይንፈልጦም ሰባት ‘ሓንሳብ ከነዛርበኪ’ ኢሎማ ምስኦም ንግዳም ወጺኣ፣ ግን ኣይተመልሰት” ብምባል ኩነታት ኣዲኦም ይሕብሩ።

ትብለጽ ንሳ ወሰና ኣይተመልሰትን። ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ደሃይ የብላን። ዝኣልዮም ዝሰኣኑ ቆልዑ ድማ ካብታ ከተማ ወጺኦም ምስ እንዳ ኣባሓጎኦም ተዓቝቦም ኣለዉ።

ሓውኹም
ካብ ደቀምሓረ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...