{autoremote linkfromdisplay="false" height="30" width="620"  shuffle="false" autostart="true" plthumbs="false"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-mfHfahHgdef952.mp3{/autoremote}ንመሪሕነት ሓድሽ ደም ህ.ግ.ደ.ፍ ናብ ናይ ውልቃዊ ቁጠባዊ ረብሓታቶምን:  ናይ ስልጣን ምምንጣልን ይጓየዩ ኣለዉ።

እቶም ቀንዲ "ወረስቲን ተቀበልቲ ሕድርን ሊቀ-መንበር ኢስያስ ኢና:   "ፖለቲከኛታት" ኢና " በሃልቲ ሓጎስ ገብረሂወት (ኪሻ)፣ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ከምኡኸኣ ዓብደላ ጃብር (ስታዝ-መምህር) ኢዮም። እዚኦም ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኣብ 1995 ብስም “ሓድሽ ደም” ኮፍ ምስኣበሎም: ህላወኦምን ስልጣኖምን ንምጥጣሕ "ሕቆኻ ክሓኸከካ ሕቆይ ሕኸኸኒ" እናተበሃሃሉ: ከም "ግናናን ምናናን" ኮይኖም ይንቀሳቀሱ ነይሮም። ካብ 2002 ንድሓር ከኣ: ነናቶም መንገድታትን ውሽጣዊ ውልቃዊ ስልትታቶምን ክጥቀሙ ጀሚሮም።

ሓጎስ ገብረሂወት (ኪሻ) ካብዚኣቶም እቲ ቀንዲ እሙንን ኣገግልጋልን ዝብሃል ዝነበረ ሓጎስ “ኪሻ” ገብረሂወት ኢዩ። ተኣማንነቱ ኣብ ቅድሚ ለቀ መምንበር ኢሳያስ  ዝኾነ ይኹን ናይ ምልክት-ሕቶ ኣይነበሮን። ምኽንያቱ: ካብ ቀደም ዝጽንሐ ናይ መቐለ ናይ ኣቦታቶም ዝምድና ኣሲሩ ስለዝሓዞም እዩ። ኣብዚ ወርሓት'ዚ ግን: ኣብ ንፋስ  ኣስመራ ቅልጡፍ ለውጢታትን ምዕባሌታትን ኢዩ ዘሎ።

እቲ ናይ ገንዘብ ምኽዕባት ንወጻኢ ሃገራት እናለኣኽካ ከም ሓጎስ “ኪሻ” ብመንገዲ ሰበይቱ ኣበበች ዘርኣይ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ፣ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ብዓቕሙ: ብስም ብዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ወይኒ ገረዝግሄር ኣብ ሃገረ ስዑዲ፣ እቲ ብባህሊ ኣቢሉ ናብ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝኣተወ፤ ዓብደላ ጃብር ድማ: በብዝተፋላለየ መልክዓት: ጸቢብ ወገናዊን ሃይማናታዊን ስልታት እናተጠቀመ  ናይ ብሕቱ ሃብቲ ክድልብ:  ሃነፍነፍ ክብል ይርኤ። 

እቲ ቀንዲ ኣብዚ ወርሓት'ዚ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝነፍስ ዘሎ ንፋስን ብግቢሪ ኩሉ ነጸብራቃቱ ዝጋሃድን ዘሎ ኣብ ዝምድና ለቀ-መምንበር ኢሳያስን ኪሻን ዝጀመረ ምፍሕፋሕ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ናይ ዝምድናታቶም ምሽሕካር እንታይ ምዃኑ እናተጋህደ ክመጽእ እዩ። ብወገን ሓጎስ ኪሻን ሊቀ-መንበር ኢሳያስን ዝነበረ ጽቡቕ ርክብ ንብዙሕ ሰብ ናይ ሕቶ ምልክት ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ግን: ሓጎስ ኪሻ ብዛዕባ ኢሳያስ ዘሕሸክሹኾሉ ኣጋጣሚታት እናበዝሔ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ሓጎስን ገለ ካብቶም መሪሕነት ሓድሽ ደም ህግደፍን  ብዛዕባ ኢሳያስ  ዝሰማምዕሉ ነጥብታት:

  • ብሰንኪ ናቱን ባዕሉ ዝብሎን ኢዩ ስም ህግደፍ ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ፈዂሱ-ሚዛን ስኢኑ ዘሎ።
  •  ኣብ ዝህቦ ናይ ቴለቪዝን ይኹን ናይ ረድዮ ከምኡውን ኣብ ብዙሕ ምስ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ቃለ-መጣይቃት ኣዝዩ ዝሃውተተን መኣዝን ዘይብሉን'ዩ።
  • ነፍሲ-ወከፍ ሓድሽ ዓመት መጸ ወይ ገለ ሃገራዊ ብዓል: ሓድሽ መግለጺ ዘይብሉ: ነቲ ቅድም ዝበሎ ብኻልእ መልክዕ ኣምሲልካ ምድግጋም ጥራይ ኢዩ ዝገበር ዘሎ - መሃዝነቱ (creativity) ኣጥፊኡ።
  • ኣብ ህዝቢ: "መሳርሕቲ ስኢኑ" ተባሂሉ ዝዝርጋሕ ዘሎ: ኢሳያስ ባዕሉ ዝዝርግሖ ዘሎ ኢዩ። መሳርሕቲ ስኢኑ ዘይኮነስ: ንኩሉ ሰብ ምእማን ስኢኑ ዘሎ: ንሱ ባዕሉ (paranoid) ምስራሕ ዝኸልእ ዘሎ ድማ: ንሱ (ኢሳያስ) ኢዩ።
  • ኩሉ ባዕሉ ብሒትዎ - ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ ፣  ወተሃደራዊ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ... ወዘተ።
  •  ከም ቀደሙ የለን፣ ኣቃልቦ (ኣድህቦ)  የጥፍእ ኣሎ: ምስ'ዚ ተኣሳሲሩኸኣ ናይ ምርሳዕ ባህርያት የርኢ ኣሎ ... ወዘተ።

እዚ ገለ-ገለ ካብ ብወገን ሓጎስ ገብረሂወት ዝብሃልን ካልኦት'ውን ዝደግምዎ ዘለዉ ኮይኑ፤  በቲ ሓደ ወገን: "ሓጎስ ኣብ ሓላፍንት  ቁጠባዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ዝመጽእከ:  እንታይ ቁጠባዊ ምዕባሌ ናይታ ሃገር ዝተራእየ ኣሎ?  ብዘይካ በብግዜኡ ከም ሓቀኛ ጸረ-ጉቦ ወይ ብልሽውና  (corruption ) ዝቃለስ ተመሲሉ: ንብዙሓት ግዳይ (victims) ምግባር እንታይ ዝሰርሖ ጽቡቅ ኣሎ? " ተባሂሉ ይንገር:: መበገሲ ናይ'ዚ ኣበሃህላታት'ዚ ማእሰርቲ ብዓል ኤርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ)፣ ደሱ ተስፋጼን (ሓላፊ 09 - ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ) ካልኦት ንጹሃት ተጋደልቲ 09፣ ምእሳር ጋይም (ሓላፊ 09 ዝነበረ) ፣  ካብ ሃገር ምህዳም ኣቶ ክብሮም ዳፍላ (ሓላፊ መንገዲ ኣይር ኤርትራ) (Eritrean Airlines) ወዘተ: ቀንዲ መበገሲን  መንቀሳቀሲን ሓጎስ “ክሻ” ኢዩ ነይሩ።

ሕጂኸ ድኣ ምስ ጎይታኡ እንታይ ኣጓነፎ? ፕረሲደንት ኢሳያስ ኩሉ ጉዳያት እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቑን ኣዳዕዲዑን ይፈልጥ እዩ። ሓጎስ ክሻ ክብሎ ዝውዕል ዘሎን ዝገብሮን ድማ ይፈልጥ ኢዩ። ርእሱ እናነቅነቀሉ ከኣ ይኸይድ ኣሎ።  ገለ-ገለ እውን'ውን ብጭቅ (insinuation) ዘብሎ ዘረባታት ኣሎ። ብወገን ኪሻ'ውን ብዘይካ እቲ ብውሽጢ-ውሽጢ ዝብሎን ዝዛረቦን ክሳብ "ከምዚ እንተኾይኑስ: ድሓን... ኣነ ዝፈልጦ ምስጢር ይበዝሕ ...  ወዘተ" ይብል ኣሎ ይብሃል።እዚ ይኹን እቲ: ምሕዝነትን ምፍሕፋሕን ሓለፍቲ ህግደፍ እዋን ባዕሉ ከግህዶ እዩ።

ይቅጽል...


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...