ወ/ሮ ኣበበሽ፣ በዓልቲ ቤቶም ንሓጎስ ገብረሂወት “ክሻ”፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኤውሮጳ ክትበጽሕ ቀንያ ይበሃል። እዚኣ ናይ ኣሜሪካ ዜግነት ስለዘለዋ ኣይገርምን እዩ። ወ/ሮ ኣበበሽ ንበይና ኣይኮነትን ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዋ ናይ ሓደ ዓቢይ በዓል ስልጣን ኣብ ኤርትራ። ብግዜ ገደሊ ንነጻነት ብዙሓት ናይዞም ሕጂ ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ሰባት በዓል ቤት (ዳርጋ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ) ኣብቲ ዝሓሸ ተባሂሉ ዝግመት ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ካብ ሜዳ እናተላእካ፣ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. እናሰርሓ፣ ናይ ረድኤት ካብቲ መንግስቲ ማለት ናይ ገዛን ናብራን ቆልዑን ከይተረፈ እናወሰዳ ንህዝባዊ ግንባር ይሰርሓ ኔረን እየን። እዚ ተግባር እዚ ኣብ ናይ ኤርትራ ናይ ረድኤት ማሕበር (ኤራ) እውን የጠቓልል።
እገዳ ዘኸትሎ ፍርኂ

ሰበ ስልጣን ዝነበሩን ዘለውን ኣብ ወጻኢ ብኣዝማዶም ክሰርሑ ዝኽእሉ፤

  1. ሓጎስ ገብረሂወት “ክሻ” - ናይ ኣሜሪካ ዜግነት ዘለዋ ወ/ሮ ኣበበሽ (በዓልቲ ቤቱ)
  2. ኢሳያስ ኣፈወቂ - ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ኮሎምቦስ ዝቕመጥ ሓዉ መዋእል ኣፈወርቂ። ድሕሪ ነጻነት ድሕሪ ምእታዉ ኣብ ሃይ ስትሪት ዝበሃል “ሊበርቲ” ትበሃል ዱኳን ኔራቶ። ናብ ኤርትራ ኣብቲ እዋን እቲ 4 ሳዕ ኣብ ዓመት ይመላለስ ኔሩ።
  3. ናይዝጊ ክፍሉ - በዓል ቤቱ ኣብ ለንደን ጌና ትቕመጥ ኣላ።
  4. ኮሎነል ተስፋልደት ሃብተስላሴ ናይዝጊ - ጓል ሓወቡኡ ትብጽሖ “ኣብርሀት” ተኽለ ኣብ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ኣብ ለንደን ትተሓባበሮ እያ ይበሃል።
  5. ዓሊ ዓብዱ - በዓል ቤቱ ጽጌረዳ ገብረኣምላኽ ኣብ ኦክላንድ ንነዊሕ እዋን ኣብቲ ናይ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ትሰርሕ ኔራ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣበይ ከምዘላ????? ሓዋ ኣሳመነው ገብረኣምላክ ካብ ድሕሪ ነጻነት ኣቢሉ ክሳብ 2002 ኣቢሉ ናይ ንግዲ ኣታሸ (commercial attache) ኣብ ናይ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ነይሩ። ሕጂ ኣብ ካናዳ ይርከብ።
  6. የማነ ገብረኣብ “ማንኪ” - በዓልቲ ቤቱ ወይኒ ኣብ ርያድ ኣላ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ሜላ ኣብዚኣተን ውሽጢ እውን እናኣተወ፣ ነቶም ኣስጋእቲ ኢሉ ዝሓስቦም ኣብ ናይ ገበን ይኹን ኣነዋሪ ንጥፈት ወይ የእትዎም ወይ ድማ ተሓባበርቱ ይገብሮም። ድሕር’ዚ ገሊኦም ናቱ መሳርሕትን መጋብርቲ ናይ ጥውይውይ ስራሓት ናይ ገንዘብ ይኹን ናይ ልኡኽ ይገብሮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ብምስጢርን ብውሑዳትን ስለዝተሓዝ እገለ ኣለዎ እገለ የብሉን ክትብል የስግእ እዩ። እዚ ማለት ነቶም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ዝምልከት ማለት እዩ።

በዚ ሎሚ ዘሎ ስግኣትን ባዕሎም እውን ዘጥፍእዎ ናይ ሰብ ሓይልን ስለዘሎ ግን ካብቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እንተድኣ ሪኢኻ፣ ገለ ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተሸርቡ ከም ኤርምያስ ደበሳይ “ፓፓዮ” ዝኣመሰሉ ብግዜ ገድሊ ብኣሽሓት ዝቑጸር ገንዘብ ዘመሓድሩ ዝነበሩ ኔሮም። በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሽዋይነሽ ስዩም፣ ለባም ግዲ ኾይና ናብ ኤርትራ ከይኣተወት ጌና ኣብ ጀርመን ትነብር ኣላ። በዓልቲ ቤቱ ንየማነ ገብረመስቀል “ቻርሊ” እውን ኣብ ጀርመን ትነብር ዝነበረት እያ። ንሳ ግን ድሕሪ ነጻነት በዓል ቤታ ሰበ ስልጣን ምስኮነ ናብ ኤርትራ ተመሊሳ። ካልኦት እንተለዋ ሰብ ኤውሮጳ ክሕብሩ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ተንከስ ዘይብል ዝመስል ስርዓት ኢሳያስ ካብቲ ናይ ውሽጢ ውሽጢ ዝሰርሖ ናይ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰለይቲ ኣብ ኣስመራን ከተማታት ኤርትራን ምዝርጋሕን ሓሊፉ ብተውሳኺ ፍልይ ዝበለ ንነብሱ መቖጻጸርን መከላኸሊ ዝኾንዎ ፍሉያት ሰብ ጽሩራ ከምዘለዎ እሙናት ምንጭታት ይሕብሩ። እዚኣቶም ዝበዝሑ መበቆሎም ካብ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኤርትራውያን (መንእሰያት ዘለውዎ)ን ምስኦም ኣብ ግዜ ሃይለ ስላሴ ናይ ጦር ሰራዊት ቆልዑ ዝነበሩን ኣለዉ ይበሃል። እዚኣቶም ኣብ ከባቢ “እቲ ሰብኣይ” ጥራሕ ገለ ንወርሒ ኣስታት 2,500 ናቕፋ እናተኸፍሎም ኣብ “ግቢ”ን ንሱ ዘለዎ ቦታ ዝርከቡ 2 ብሪጌድ ኣለዉ ይበሃል። ንኣብነት ሓደ ካብቶም ኣብ ኣስመራ ዝዓበዩ ኤርትራዊ “ወዲ ሰጠኝ” ዝበሃል ብንእስነቱ ኣብ ናይ “ጋንግ” ጉጅለ ኣትዩ ዝነበረ ኣብቲ ስርዓት ገለ ተራ ከምዘለዎ ይሕበር እዩ። እዚኣቶም ምስቲ ሃገር ምንም ርክብ ዘይብሎም ናይ “መርሰነሪ” ኣተሓሳስባ ዘለዎም እዮም። ምስቲ ኣኣብ ሜትሮ ዝርከቡ ብገንዘብ መንግስቲ ዝእለዩ ሰልይቲ ወሲኽካ እዚ እዩ ስርዓት ኢሳያስ።

“ተኽሊጥ” ናይ ኢሳያስ ቀንዲ መተኣማመኒት መሳለጢ እያ። ካብ ግዜ ገድሊ ኣብ መንጎ ናይ ህ.ግ. ተጋደልቲ ዘይምትእምማን ናይ ምፍጣርን ኣብቲ ናይ ተኽሊጥ እዋን ጠባዮም ተጸኒዑ፣ ንቀጻልነት ናይ ኢስያስ ስልጣን ዝፈርዩሉን ዝልለዩሉን ኣገባብ እይ ኔይሩ። ስለዚ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ናይ ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ካብዞም ናይ ገንዘብ ተገዛእቲ ዝኾኑ ሰራዊት ጸጸኒሑ ን”ተኽሊጥ” ይሰድድ እዩ ይበሃል። እቲ ሰራዊት ነዞም የለልዮም ኣይለልዮም ኣይፍለጥን እዩ።

ናይዚ ኹሉ መርበብ ዋና ኣካያዲ እቲ ንነዊሕ እዋን ሽሙ ከይተጠቕሰ ዝሓልፍ ዝነበረ፣ ሎሚ ግን ዋና ናይ ኢሳያስ ስርዓት ኣተግባሪ ምዃኑ ዝእመነሉ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ዝመደበሩ ኮሎነል ተስፋልደት ሃብተስላሴ ናይዝጊ እዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...