ሓራት ንስእላዊ ኣገልግሎት ዝማጸት መርከብ!መራሒ ህግደፍ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ድሕሪ ሳልስቲ ናይ ካቢኔ ሚኒስተራቱ ኣኼባ ከካየድ መዲቡ ኣሎ። እዚ ናይ ሕጂ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት፡ ስርዓት ኢሰያስ ከም'ቲ ልሙድ "እሰርሕ ኣለኹ" ኢሉ ህዝቢ ንምቕሻሸ ንፕሮፕጋንዳዊ ሃልኪ ዝኾኖ ስእሊ ንምቕራጽን፡ ኣንፈትን ኩነታትን ሹማምንቱ (ጠሊሞሞ’ዶ ገና ምስኡ ኣለዉ) ንምፍታሽን ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ'ዚ ሓንቲ ብላዕላያ ቀለም ተለኽያ ጥዕይቲ እትመስል፡ ኣዝያ ዝኣረገት ጠስጣስ መርከብ ንምምራቕን እውን ኢዩ። እታ መርከብ፡ ናይ ኢሰያስ ናይ ቢዝነስ መሻርኽቲ ዝኾኑ በዓል "ወልዱ ባርያ" ዘይተኣደነ መኽሰብ (ኣፋረ) ረኺቦም ዳርጋ ብጥርሑ "ዝዓደግዋ" ኮይና፡ ዓለማዊ መድሕን (Insurance) ስለዘይብላ ኣብ ስዊዝ ካናል ተዓጊታ ድሕሪ ምቕናያ፡ ናብ ኤርትራ ኣምሪሓ ኣላ። ሓደ ካብ መናውሒ ዕለተ-ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት፡ ነዛ ዑና መርከብ ንምቕባልን ንምምራቕን እውን ምዃኑ ደቂ ውሽጢ ኣፍሊጦም። ስርዓት ኢሰያስ፡ ንመደቡ ኣቐዲምና ንዝርግሖ ስለዘለና፡ ተሰናቢዱ መዓልትን ቦታን ኣኼብኡን መደቡን ክቕይር ተኽእሎ ኣሎ።

ህግደፍ ኣቐዲሙ ኣብ ጽንብል ስርሒት ፈንቅል (ወርሒ ለካቲት 2006 ዓ.ም.) "ዘመናዊት ናይ ገያሾ መርከብ ዓዲገ" ኢሉ ጥሩምባን መለኸትን ነፊሑን፡ ኢሰያስ እውን ተሳኢሉላን’ኳ እንተነበረ፡ ሓራት ግን ኣሰር ዘይብላ ከምዝተሸርበት ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ።