ትማሊ ዕለት 13.8.2009 ሰዓት 4:00 ድሕሪ ቐትሪ ብኣቃጻጽራ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈውርቂ ናይ ቅትለት ፈተነ ፈሺሉ ይበሃል ኣሎ፡ እዚ ፈተነ እዚ ኣብ ማይ ኣጣል ጋሕተላይ ተኻይዱ። ኣብዚ ፈተነ እዚ ፕረዚደንት ንስክላ እዩ ተሪፉ፡ እዚ ፈተነ ብምክትል ተለንተ ዳኔኤል ሃብተ ይሕደጎ ዝበሃል ተጋዳላይ ነበር እዩ  ተኻይዱ፡ ዳንኤል  ምስ ናይ ሓለዋ ፕረዚደንት  ተኹሲ ድሕሪ ምልውዋጥ ተሃሪሙ ተቐቲሉ። 

ዳንኤል ሃብተ ይሕደጎ ተወልደመድህን ካብ ኣቦኡ ሃብተ ይሕደጎን ካብ ኣዲኡ ምልእተ ብጻምላክ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ብ1966 ኣብ 4 ኣስመራ ተወሊዱ፡ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ቤት ትምህርቲ "ኣማኑኤል" ኣትዩ። ዳንኤል ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ዝተሳተፈን ብንእስነቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስውራ ዝነበረን ኣብ 1984 ድማ  ናብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝተሰለፈን  ኤርትራዊ እዩ። ዳንኤል ሃብተ ይሕደጎ  ተሳትፎኡ ኣብ  ሰራዊት  ኣብ ምዕራብ ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ሽላሎ ገርገር መንሱራን ድማ ከም መምህር ኮይኑ ሰሪሑ፡ ድሕሪ 1990 ድማ ኣብ ክፍለ ስራዊት 85 ከቲቱ; ድሕሪ ነጻነት ኣብ ክፍሊ ኢሚግረሽን ተመዲቡ ድሕሪ ምስርሑ ኣብ 2009 ድማ ካብ ስራሕ ደስኪሉ (ምድስካል መንግስቲ ነቶም ኣንጻሩ ዝኸዱን ካብ ተፈታውነት ዝወረዱን ሰባት ናብ ካልእ ስራሕ ክሳብ ዝምደቡ ኣብ መንጎ መንጎ ቀንፈዘው ዘብለሉ  ንገለ ዓማውቲ ዝወስድ ኣገባብ ኣሰራርሓ  እዩ)።