PFDJ SHUFFLE

ዶክቶር ወልዳይ ፍጡር ካብ መዝነቱ ዝወረደመላኺ ስርዓት ኢሰያስ፡ ናይ ሚኒስተራት ምቅይያር ከምዝገበረ ተረጋጊጹ። ካብዚኣቶም ዶክቶር ወልዳይ ፍጡር ካብ መዝነቱ ከምዝወረደ፡ ቅያሩ ድማ ዶክተር ገርግሽ ተክለሚካአል ካብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ከምዝመጸ፡ኢሰያስ ኣብ መጋቢት 2009 ናይ ኣምባሰደራትን ሓለፍቲ ህ.ግ.ደፍ.ን ዘካየዶ ኣኼባ ብወግዒ ከምዘፍለጠ ይዝከርዩ።ናይ ዝተረፉ-7- ሚኒስተራት ግና ብደብዳቤ’ዩተሓቢርዎም።ንሳቶም ድማ፡-

ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ1) ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ፡ካብ ሚኒስተር ማዕድንን ጸዓትን፡ ናብ ሚኒስትሪ መሬት ማይን ኣከባቢን ተቐይሩ።

 

ኣቶ ሳልሕ መኪ

2) ኣቶ ሳልሕ መኪ፡ ካብ ሚኒስተር ጥዕና ናብ ሚኒስትሪ ሃብቲ-ዓሳ ተቐይሩ።

 

ወ/ሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ

3) ወ/ሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ካብ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ-ድሕነትን፡ ናብ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ተቐይራ።

 

ወ/ሮ ኣምና ኑርሕሰን

4) ወ/ሮ ኣምና ኑርሕሰን፡ ካብሚኒስተር ቱሪዝም ናብ ሚኒስትሪ ጥዕና ተቐይራ።

 

ኣቶ ወልደንኬል ገብረማርያም፡

5) ኣቶ ወልደንኬል ገብረማርያም፡ ካብ ሚኒስተር መሬት ማይን ኣከባቢን ፡ናብ ዞባዊ-ምምሕዳር ።

ኣቶ ወልደንኬል ገብረማርያም፡ ካብ ሚኒስተር መሬት ማይን ኣከባቢን፡ናብ ዞባዊ-ምምሕዳር ተባሂሉ'ካ እንተሎ፡ ካብ2001 ሚኒስተር ማሕሙድ ሸሪፎ ብጉጅለ-15 ምስተኣስረ፡ እታ ሚኒስትሪ ፈሪሳ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ከም ሚኒስተር ዜና ንሓጺር ግዜ ተመዲቡ፡ ንብሕታውያን ጋዜጣን ጋዜጠኛታትን ምስ ኣስረ፡ ብኢሰያስ ዝተዋህቦ መደብ ስለዘብቅዔ፡ካብ ሚኒስተር ወሪዱ፡ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ተባሂሉ፡ ንሚኒስትሪ ዞባዊ-ምምሕዳር ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ካብዘፍርሳ፡ ድሮ -8- ዓመት ቀሪቡ ኣሎ። ሚኒስተር ወልደንኬል ናብ ትሕቲ ቤት-ጽሕፈፕረሲደንት ኣትዩ ከምዘሎ፡ሚኒስትሪ ዞባዊ-ምምሕዳር ጌና ከምዘይቆመት ዝገልጽ ሓበሬታ ኣሎ። ምስ ኩሉ ፖለቲካ፡ቁጠባውን ዲፕሎማሲያዊ ቅልውላው፡ ኢሰያስ እንተደልዩዎ ጽባሕ ክእውጃ ዘጸግሞ ይኹን ዝሓቶ የለን። ናይ ዘመና ጎብለል ክሳብ ውድቀቱ ሕግን ዳኛን ስለዘይብሉ፡ ኣብ1993 ብሃገራዊባይቶ ዝቆመ ሚኒስትሪ፡ ኢሰያስ ብዊንትኡ ን-8- ዓመታት ብዘይ መተካእታ ሚኒስተር ዝኸይድ፡ ንዓለምና ቦኽሪ እዝኖም፡ ሓዲሽን ዘይንቡርን ስለዝኾነ ይገርሞም'ዩ። ንዓና'ውን መኣስ ዘየተሓሳስብ ኮይኑ። ወልደንኬል ሚኒስተር ዲዩ ወይስ ብጉልባብ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ጅሆዩ?ሓቢርና ንከታተሎ።

ኣቶ ኣሕመድ-ሓጂ

6) ኣቶ ኣሕመድ-ሓጂ፡ ሚኒስተር ሃብቲ-ዓሳ ዝነበረ፡ ሕጂ ናብ ሚኒስትሪ ማዕድንን ጸዓትን ተቐይሩ ኣሎ።

 

ወ/ሮ ሳልማ ሓሰን

7) ወ/ሮ ሳልማ ሓሰን፡ሓዳስ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ-ድሕነትን ኮይና ተሸይማ ኣላ።

ወ/ሮ ሳልማ፡መኣስን ብከመይን ሚኒስተር ክትከውን በቒዓ?ናይ ብሓቂ ሚኒስተር ዘብጽሕ ተሞክሮን ብቕዓትን ኣለዋ ዲዩ?ንድሕረ- ባይታኣ ምምርማር የድሊ። ፍርዲ ድማ ንኣንበብትን ዝፈልጡዋን ንገድፎ። ሓዳስ ሚኒስተር፡ካብ 1979-1985 ከም ተራ ጸሓፊት/typist/ናይ ብሪጌድ ነይራ።ብ1985 ከ ተራ ኣባል ወዳቢት ኣካል/ጀማሂር/ኣብ ከባቢ ምራባዊ-ዞባ ዓዲጸጸር ከባቢ ሽላሎ ሰሪሓ።ዝኮነ ሓላፍነት ኣይነበራን። ድሕሪ ናጽነት ኣባል ሃገራዊ-ባይቶ ምኻና ምስተሰምዔ ብዙሓት ዝፈልጡዋ ተገሪሞም።ብ1993 ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ተመዲባ።ሽዑኣደ-ወንበር ደቂ-ኣንስትዮ፡ሕጂ ብወደኽደኻ ትልለ ምስ ሚኒስተር ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ዘይምስምማዕ ስለዝነበረን ናብ ሚኒስትሪ ቁጠባዊ-ልምዓት ተመዲባ ሓጺር ግዜ ሰሪሓ።ኣብ 1996 ናብ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ከም ሓላፊት ፕሮጀክት፡ ድሕሪኡ ከም ሓላፊት ዲፓርትመንት ኣገልጊላ።ኣብ 2007 ድማ ከም ኣምሓዳሪት ዞባ ዓንሰባ ተመዲባ ሰሪሓ።ኪትዓቢትድለ ስለዝነበረት ጎሊሓ ትርኣየሉ፡ብማዕከን ዜና ትላለየሉ ኣመዳድባ ክግበረላ ምጽንሑ፡ንልሙድ ኣገባብ ኢሰያስ ዝፈልጥ ኣይሕድሶን ኢዩ። ወ/ሮ ሳልማ ብዝረከበቶ ዕድል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ምሸታዊ እናተማህረት፡ኣብ 2006 ብኢኮኖሚክስ ናይ ቢ.ኤይ ዲግሪ ኣምጺኣ”ያ።ዕብየትን ሓላፍነትን እናወሰኸት፡ክትሽየም ስለዝተሓጽየት ክትምሃር በቂዓ።ፈታው ትምህርቲ ዘይረክቦ ዕድል ምርካባ እቲ ሚስጢር ሕጂ ተጋሂዱ ኣሎ።

 

PIAኢሰያስ፡ ንስልጣን ሃገራዊ-ባይቶ ይኹን ስልጣን ሚኒስተራት ግሂሱ፡ባህ ከምዝበሎ፡ኣብ ድላዩ ሰዓት ከምድላዩ ኣዕናውን ዘይሕጋዊ ውሳኔታት ከተግብር ምጽንሑ፡ንሃገርና ናብ ከቢድ ፖሎቲካ፡ቁጠባዊ፡ማሕበራዊ፡ዲፕሎማሲያውን ኣህጉራውን ቅልውላ ከምዘምርሓና፡ሎሚ ካብ ማንም ግዜ ንህዝብና ይኹን ንዓለምና፡ዝኾነ ምኽንያት ከተቕርበሉ እንተፈቲንካ፡ከም ሓሳዊ፡ከም ዕዉር፡ከም ጸማም፡ናይ ሓንጎል ጸገም ዘለካ ጎደሎ ሰብ፡ወይ ዋላ ትንፈር ጤል ኢያ ኢልካ ሓቂ ክትሽፍን ትጣበቕ ዘለካ፡ወይ ብረብሓ ተታሊልካ ሕልና ዝጎደለካ ሰብ የቑጽረካ።ታሪኽ”ውን ግዚኡ ሓልዩ፡ህዝቢ ብሓላፍነትከም ዝሓተካ ዝረሳዕካ፡ወይ ብጉጉይ ኣትሓሳስባ ኣንፈትካ ስሒትካ ከምዘለካ ምኽሪ ለባማት ዘይትሰምዕ ዓሻ የቑጽረካ።

ኢሰያስ፡ ምቅይያር ሚኒስተራት ክገብር ዘገደዶ ዝዓበየ ምኽንያት፡ናይ ወጻኢ ኣህጉራዊ ጉዳያት ሃገርና ይኹን ጥምየት ህዝብና፡ቐዳማይን ዝዓበየ ኣጀንዳ ኤውሮጳን ዓለምናን ኮይኑ፡ብተደጋጋሚ ኣብ ዝዝተየሉ እዋን፡መፍትሒ ጥምየት ህዝቢ ኤርትራ ሓገዝ ይወሃብ፡ግና ብቐጥታ ኣብ ኢድ ህዝቢ በጺሑ ካብ ጥምየት ክገላገል ናይ ረዲኤት ትካላት ዝቆጻጸርሉ መካኒዝም ምርግጋጽ፡ልሙድ ኣሰራርሓ ለገስቲን ኣሳለጥትን ትካላት ረዲኤት ከም ኣገባብ ከይንጥቀም፡ብስርዓት ኢሰያስ ስለዝተከልከልና፡ህዝቢ ኤርትራ ብጥምየት እናሞተ ሱቕ ኢልካ ምርኣይ፡ምስ ኢሰያስ ምሙጋት ስለዘይግባእ፡ከም ኣማራጺ ሓገዝ ንህዝቢ ኤርትራ ይወሃብ ተባሂሉ ሰፊሕ ክትዕ ዝካየደሉ ሃዋሁው ተበጺሑ ዘሎ። ጥምየት ህዝቢ ኤርትራ ብመንጽር ዓለምና፡ ንኣዕናውን ዘሕጋውን ኣመራርሓ ኢሰያስ ኣቓሊዕዎ”ዩ።ኣብ ከምዚ ዘይሽፈን ኩነታት ሃገርና”ዩ ምቅይያር ሚኒስተራት ዝግበር ዘሎ።ኢሰያስ ኣለኹ ጌና፡ኩሉ ሓሶት”ዩ፡ተቓውሞ ይኹን ካልእ የለን፡ወይ ኣይ ግድሰንን”ዩ፡ከምድላየይ ከምዝገብር ርኣዩ ስምዑ ዝብል ዕላማን መልእኽትን”ዩ ከምሓላልፍ ደልዩ።

ኢሰያስ<ሎሚ ኣይከምትማልን>ጸሓይ-ዕራርቦ ስልጣንካ ቀሪቡ ኣሎ።

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...