ወነንቲ ትራክተር ዝኾኑ ግለሰባት፡ ብውልቂ ምሕራስ ተሪፉ፡ ኩላቶም ትራክተሮም ንመንግስታዊ ጋራጃት ከረክብወን፡ ዘየረከበ ድማ፡ ማለት ክሓርሳ ዝተረኽባ ወይ ኣብ ገዝኦም ኣቀሚጦመን ዝተረኽቡ፡ ብኡ ንብኡ ክውረሳ መምርሒ ወጽኡ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ እቶም ትራክተሮም ኣካርዮም ዝጥቀሙ ኮነ፡ እቶም ተኻርዮም ግራቶም ዝሓርሱ ሓረስቶት፡ ንጥፈታቶም ደው ንምባልን ንምልማስን ዝዓለመ ምዃኑ ተፈሊጡ።