ምቅይያር ሚኒስተራትን ኤምባሲታትን
ፕረሲደንት ኢሰያስን መሪሕነት ህግደፍን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጽዩፍ ተግባራቶምን ፍሹል ምሕደራኦምን ከምዝኸዓቦም፡ ማሕበረሰብ ዓለም እውን በቲ ስግንጢርን ዕቡድን ኣካይዳኦም ከምዝፈንፈኖምን ከምዝረሓቖምን፡ ብሰሪ እዚ እውን ከምዝተነጸሉ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። ክንዲዝኾነ ሎሚ ዝያዳ ካልእ እዋን፡ እከይ መንፈሶም ተረቢሹ ኣብ ሸልቐልቀልን ጸፋዕፋዕን ኣትዮም ይርከቡ። ነዚ ኣብ ዝባኖም ዘንጠጥይ ዘሎ፡ ግዜ ጥፍኣቶም ምእካሉ ዝሕብር ኩነታት ገለ እንተፋኾሰሎምን፡ ኣብቲ ዘብቅዕ ዘሎ ዕድመ ስልጣኖም ቁሩብ ግዜ እንተለቀበሎምን ብምሕሳብ ድማ ኢዮም፡ ኣብ ምድስካልን ምቅይያርን ሓለፍቲ ተጸሚዶም ወሪሖም ዘለዉ። በዚ መሰረት እውን ብትእዛዝ ናይቲ ገባሪን ሓዳጊን ወልቀመልላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ክልተ ዓበይቲ ምቅይያራት ተፈጺሙ።

1) ምቅይያር ኣብ ሸሞንተ ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲታት ክትግበር ትእዛዝ ተዋሂቡ።
2) ምቅይያር ናይ ክልተ ሚኒስተራት ድማ ድሮ ተተግቢሩ።

ኢሰያስ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2009 ዘካየዶ ናይ ኣምባሳድራትን ናይ ወከልቲ ህግደፍን ኣኼባ፡ ብዛዕባ እዚ ብወግዒ ኣብ ርእሲ ምዝራቡ፡ ንዝገብሮ ናይ ኣምባሳድራትን ሚኒስተራትን ምቅይያር፡ ንሃገራት ብመንገዲ ኣብያተጽሕፈት ኤምባሲታተን ክሕብር ብኣህጉራዊ ሕጊ ግዱድ ስለዝኾነ፡ ዕረ እናጠዓሞ መልእኽቲታት ብምስዳድ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ብዛዕባዚ ብኢሰያስ ዝተወሰደ ዓቕሊጽበታዊ ስጉምቲ፡ ብዉፉያት ናጻ መርበብና ኣዝማሪኖ ዝተላእከልና ዝርዝር ሓበሬታ ኣሎ። ነዞም እሙናትን ዉፉያትን ምንጪታትና ብስምናን ብስም ዓማዊል መርበብ ኣዝማሪኖን ልባዊ ምስጋና ነቕርበሎም። ካልኦት እውን ኣሰር ናይዞም ተባዓት ተኸቲልና፡ ሃገራውን ታሪኻውን እጃምና ከነልዕልን ተሳታፍነትና ከነዕዝዝን በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒትና እናኣቕረብና፡ ናብቲ ጸብጻብ ነስግረኩም።

ሚስጢርን ውዲትን፡ ፖለቲካዊ ጸወታን ኢሰያስ ይከሻሕ!!!

ሎሚ ኤርትራ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ትርከብ ኣላ። እዚ እዋን እዚ፡ ዝበዝሕ ህዝብና ዕለታዊ መግቢ ስኢኑ ብጥምየት ዝሳቐየሉን ዝሞተሉን፤ ጉቦን ሰበይሰብካን ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ትካላት ልሙድ ወይ ዘይእዉጅ ቅቡል ዝኾነሉ፤ ብግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ብመወዳእታ ዘይብሉ ምዝመዛ ናጻ ጉልበትን ብኸቢድ ወተሃደራዊ መቕጻዕትን ዝሰክሑ መንእሰያት ብዘይድሌቶም ነፊጾም ናብ ስደት ዝውሕዙሉ፤ ኣረግቶት ከይተረፉ ስደት ዝመርጹሉ፤ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክሰግሩ ዝተረኽቡ ዜጋታት ዝርሸንሉ፤ ስድራቤት ናይ ዝጠፍኡን ዝተረሸኑን ደቆም ካሕሳ ንመንግስቲ ዝኸፍልሉ፤ ኣዝዮም ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት፡ ብዘይፍርድን ብዘይሓታትን ኣብ ዘይፍለጥ ቦታታት ከይተረፈ ዝእሰሩሉን ዝሳቐዩሉን፡ ብሰሪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝሞቱሉ፤ ጀነራላት ኢሰያስ፡ “ሓንትስ ስልጣነይ ደኣ ሓልዉለይ እምበር ድሌትኩም ግበሩ” ዝብል ቀጠልያ መብራህቲ ስለዝተወለዓሎም፡ ብናጻ ጉልበት ደቂ ህዝቢ ዝመረጽዎ ስቡሕ መሬት ንውልቃዊ ረብሕኦም እናሓረሱ፡ ፍርያቱ እናሸጡን ክሳብ ካብ ወጻኢ ንብረት እናምጽኡን፡ ንንግድን ዕዳጋን ሃገር ዝበሓትሉ፡ ብግህዶ ኣብ ምዝማት ሃገር ተዋፊሮም፡ ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላር ዝውንኑ ሃብታማት ዝኾኑሉ፡ ናይ “ዝያዳ መን ዶላር ደለበ’’ ውድድር ዘካይድሉ፡ ክሳብ ኣብ ማእከል ከተማ ዝታኾሱሉን ፈተነ ቅትለት ዝገብሩሉ፡ ዝድላዮም ገበናት እናፈጸሙ ዘይሕተትሉ፡ እዋን ኢና ዘሎና። ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝመጸ ምፍሕፋሕ ፖሊስን ሃገራዊ ድሕነትን እውን ተዓዚብና።

እዚ ጥራይ እውን ኣይኮነን፡ መጀር ጀነራላትን ደረጃብደረጃ ኣብ ትሕቲኦም ዝርከቡ ካልኦት ወተሃደራውያን ሰብስልጣንን፡ ኣብ ኣውራጃዊ ሕማማት ተቖማጢዖም ነንሕድሕዶም ክወናጀሉ ይርከቡ። ኣብቲ ኢሰያስ “ስሉሳዊ” እናበለ ዘካይዶ ኣኼባታት፡ ገለ ካብ ሚኒስተራት፡ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካብ ኣመሓደርቲን፡ ነቲ ፕረሲደንት ክደፍርዎን፡ ንሓሳባቱ እውን ክቓወሙን ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ድማ፡ ሚዛን ናይቲ ብተቓውሞ ዝርዕድ ኢሰያስ እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ኢዩ።

ሰራዊት ኤርትራ፡ ዋላ’ኳ ብምምሕዳራዊ፡ ብቁጠባዊ፡ ብማሕበራዊ መዳያት መሰላቱ ስለዝተጋህሰ፡ ብማእሰርትን ጸጥታን ስለጽተጨፍለቐ፡ “ይካኣሎ ዋርሳይ” ብዝብል መጸውዒ፡ ከምኡ እውን ብኣውራጃዊ ሜላ፡ ከምዘይተኣማመን ክግበር እንተጸንሐ፡ ሕጂ ግና ንኹሉ ማሕለኻታት በናጢሱ “ሕሱም ሕማም ካብ ሞቱ ነይሓልፍ” ኢሉ፡ መሰላቱ ንምኽባር፡ ለውጢ ደልዩ ተቓውሞ ዘርእየሉ ኣገዳሲ መድርኽ ተዓዚብና፡፡ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዘየገድስ፡ ሓደ መዓልቲ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ ቅያ ክሰርሕ ከምዝኽእል፡ ግዜ ከረጋግጾ ኢዩ።

ካልእ ንኢሰያስን ንስርዓቱ ህግደፍን ዓቕሎም ኣጽቢብሎም ዘሎ፡ ምሕያል ናይተን ጉድ ኢሰያስ ዘቃልዓ ኤርትራውያን መርበባትን ማዕከናትን ዜና ኢዩ። ነውራም ተግባራት ኢሰያስ ምስጢር ኮይኑን ተሸፋፊኑን ኢዩ ኪኸይድ ጸኒሑ፡፡ እንተሕጂ ግን ብናጻ ኤርትራውያን ማዕከናት ዜና ተግባራቱ ይቕላዕን ጥራይ ዝባኑ ይወጽእን ኣሎ። እዚ ተረኽቦ እዚ ሕማም መርዘን ኮይንዎም ስለዘሎ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ንምዕፋን ብርክት ዝበለ ናውትን ገንዘብን ብዙሓት ሰባትን ኣዋፊሮም። እንተኾነ ነተን ማዕከናትን ንምንጪታተንን ክቖጻጸሩን ዓፊኖም ዓዲከውዕልወንን ኣይከኣሉን። በዚ ኣጋጣሚ፡ እዘን ማዕከናት ተበግሶአን ዓቂበን ናህረን ከዛይዳ እናኣተባባዕና፡ ስርዓት ኢሰያስ ንተሰማዕነትን ተፈታውነትን ናይዘን ዓቕሉ ኣጽቢበናሉ ዘለዋ ማዕከናት ንምጉዳል፡ ናይ ሓሶት ወረ ከናፍስን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ከጋግየንን ክፍትን ከምዝኽእል ፍሉጥ ስለዝኾነ፡ ጥንቃቐአን ከዛይዳን ናይ መረጋገጺ መካኒዝም ከሐይላን ምኽርና ንልግስ።

እዚ እዋን እዚ፡ ኢሰያስ ፈጺሙ ዝፈኾሰሉ ኢዩ። ህግደፋውያን ኣቐዲሞም ንኢሰያስ ከምሓደ መልኣኽ ወይ ነቢይ ኮይኑ ከምዝርአ ንምግባሩ ብዙሕ ጽዒሮም ኢዮም። ኢሰያስ ዘይሰርቕ፡ዘይሕሱ፡ብዘይካኡ ንኤርትራ ክጠምርን ክመርሕን ዝኽእል ከምዘየልቦ፡ ሓው፤ዘመድ፤ዓርኪ ዘይብል፡ ንኤርትራ ልዕሊ ነብሱ ዝፈቱ፡ ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያንን ንሃብትናን ንፖለቲካናን ክቆጻጸራ ዘይፈቅድ፡ G15 ሸየጥቲ ሃገሮም ዕሱባት፡ ንሱ ግን ንኤርትራ ልዕሊ ነብሱ ዝፈትዋ ሓርበኛ፡ ኛምኛም ዝብሉ ኣዛብእ ከቢቦምዎስ ዝሰዓረ ኣንበሳ፡ ንፉዓት መሳርሕቲ ስኢኑ ንበይኑ ሃገር ዘማዕብል ዘሎ ተኣምረኛ፡ ኣምሲሎም ዝገልጽዎ፤ፖስተራቱ ኣበሪኾም ዝጥቅዑን ዘውድኽድኹን ርኢናን ሰሚዕናን ኢና፡ እንተ ሕጂ ግን እተን ሕማቕ ዘይወጸን ኣዴታትና ከይተረፋ “ኔው በልዎ እዚ ርጉም ዲያብሎስ” ክብላ ንሰምዓሉ ግዜ በጺሕና ኣሎና።

ኢሰያስ ፍጹም ዲክታቶር ምዃኑ፡ ሎሚ ብዝያዳ ዝተጋህደሉ ጊዜ ኢዩ፡ ምስ ከም በዓል ኢራንን ሶርያን ዝኣመሰላ፡ ኣሉታዊ እምበር ኣወንታዊ ጽልዋ ዘይብለን ሃገራት፡ ዘይቅዱስ ኪዳን ምምስራቱን ዝምድንኡ ንከስፍሕን ከዕሙቕን ላዕልን ታሕትን ምባሉን ንዲፕሎማስያዊ ንጥፍሽንኡ የመልክት፡፡
ናብ ሶማልን ሓማስን ኣጽዋር ምስግጋሩ፡ መዓልቲ ውድቀቱ ከምዝኣኸለ የረጋግጽ። ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ኤርትራ መዓስ ምርጫ ከምዝካየድ ተሓቲቱ “ምናልባት ድሕሪ 30 ዓመት” ኢሉ ዝመለሰ ኢሰያስ፡ ተሓላቒ መሰልን ዲሞክራሲን ካልኦት ህዝብታት ተመሲሉ ክርአ ምፍታኑን ኣብ ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ምእታዉን፡ ናብ ሶማልን ፍልስጤምን ጸፋዕፋዕ ምባሉን፡ ብህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘኸዓቦን ዘጽልኦን ተግባራት ኢዩ።

ኢሰያስን ህግደፍን ኣብ ጉዳይ ጎረባብትና ጣልቃ እናኣተዉ፡ ሰላመን ምዝራግ ስለዘሓጎስም፡ ምሕሳው እውን ባህርያቶም ስለዝኾነን፡ ዝገበሩ ገገይሮም ኣሉ ቐጣን ክብሉን ዕባራ ምክንያታት እውን ከቕርቡን ሰሚዕናዮም’ኳ እንተኾንና፡ ብመረጋገጺን ምስክርነትን ክቃልዑ እውን ርኢናን ሰሚዕናን ስለዝኾንናስ፡ ግዜ ውድቀቶም ከምዝኾነስ ተገንዚብና ኣሎና፡፡

ኢሰያስን መሓውራቱን ዝጥቀሙሉ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ትርጉም ከምዘይብሉ፡ እንተኾነ ንዝተወሰነ ጊዜ ከስርሖም ከምዝኽእል ተዓዚብና፡፡ ጉዳይ ዶብን ጉዳይ ጉጅለ 15ን ንዓሰርተ ዓመት መመላእታ ሸቂጦሙሉ ኢዮም። ምስ ግዜ ግን በልዩን ኣሪጉን። ሽምግልና ናይ ሱዳን ተቓወምቲ እንተላይ ከም መጠምዘዚ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ኪኸውን ተሓሲቡ’ኳ እንተነበረ፡ ኣይሰርሕን። ብድሕሪ’ዚ ህግደፍ ዝመረጾ ሜላ እንተነይሩ ምስ ጅቡቲ ነገር ምውላዕ ኢዩ። ኣብኡ እውን ህይወት ንጹሃት ኣጥፊኡ፡፡ እቲ ንዕቡድ ባህርያት ኢሰያስ ዝፈልጥ ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ግብረመልሲ ስለዝገበረ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ኢሰያስ ኣይሰመረን። እቲ ነገር ብኣግኡ ሃዲኡ። እንተኾነ ኢሰያስ ከም መቐጸልታ ናይ ተናኻሲ ባህርያቱ፡ “ካብቲ ብሓይሊ ዝሓዝካዮ መሬት ጅቡቲ ውጻእ” ተባሂሉ ኣብርእሲ ምእባዩ፡ ምስቲ ነቲ ንመበገሲ ናይቲ ጉዳይ ከጻሪ ዝተበገሰ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክተሓባበር እውን ፍቓደኛ ኮይኑ ኣይተረኽበን። በዚ ምኽንያት እቲ ጉዳይ ብሰንኪ ዓሻድርቅና ኢሰያስ ገና ጠልጠል ኢሉ ኣሎ።

አብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ኣዝዩ ጽንኩር ሃዋህው ኢዩ እምበኣር ኢሰያስ፡ ምቅይያርን ምድስካልን ሚኒስተራት፡ ከምኡ እውን ምዕጻውን ምኽፋትን ኤምባሲታትን ምቅይያር ኣምባሳድራትን ዝገብር ዘሎ።

እቲ ዝተገብረ ምቅይያር ብዝርዝር እንታይ ኢዩ፧ ዕላምኡ’ኸ 

ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ን10 ለካቲት 2009 ናይ ኣምባሳደራትን ሓለፍቲ ህግደፍን ኣኼባ ኪካየድ ትእዛዝ ብምሃቡ፡ እቶም ኣብ ኣኼባ ክርከቡ ዝተጸዉዑ፡ ከካብ ዝርከቡሉ ሃገራት ናብ ኤርትራ ኣምርሑ። ዝበዝሑ ድማ ክሳብ 07 ለካቲት 2009 ኣትዮም። እንተኾነ ኢሰያስ ነቲ ኣኼባ ንዘይተወሰነ ግዜ ስለዘሰጋገሮ፡ “እቶም ዘይተበገስኩም ክሳብ ዝሕብረኩም ኣብ ዘዘለኹምዎ ትጸንሑ’’ ዝብል ካልኣይ ትእዛዝ ሰዒቡ። በዚ ምኽንያት፡ ከም ተስፋንኪኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ኣብ ዓዲእንግሊዝ፡ ከም ዘመደ ተኽለ ኣምባሳደር ኣብ ዓዲ ጥልያንን፡ ገለ ካልኦትን ደንጉዮም ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣምባሳድራት ህግደፍ፡ ከም ኣካል ናይቲ ሕብረተሰብ ኮይኖም ዘይኮኑስ ከም ቱሪስት፡ “ምዕባለ’’ ያኢ ክርእዩ ፈቐዶ ቦታታት ዘይሮም፡፡ እዚ ከም ሓደ ዓቢ ፍጻመ ስለዝተሓሰበ ድማ “ቲቪ ህግደፍ’’ ደጋጊማ ኣርእያቶ። ንምዃኑ ዕላማ ናይቲ ዑደት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ከነካፍለኩም።

  1. ዲክታቶር ኢሰያስ፡ ንህዝቢ ካብ መቦቆል ዓድታቱ ኣመዛቢሉ፡ ኣብዘይፈልጦ ቦታ ብምድርባይ፡ ኣደዳ ማሕበራውን ስነኣእምሮኣውን ጸገማትን ግደ ሕማምን ሞትን ገይሩ ንኸጽንቶ፡ ናብ ገርሰት ዝበሃል፡ ከቢድ ዓሶ ዘለዎ ቦታ ክወስዶ መደብ ሓንጺጹስ ንግብራውነቱ ይሰርሕ ኣሎ። ነዚ እከይ ውጥኑ ንምዕዋት፡ ኣምባሳድራቱ ንዲጋ ገርሰት በጺሖም ከጣቕዑሉን ዕላሎም ብእኡን ወዲ ከምኡን ኪኸውንን፡ ስለዚ ድማ፡ እቲ ናብ ገርሰት ምስ ወረድካ ንጋሻ ዘጋጥም ከበድቲ ሕምማት ሞትን ብርሰትን ተጎስዩ ክሕለፍ፡ እቶም ዘዝተባህልዎ ዝፍጽሙ ምእዙዛት ኣምባሳድራቱ ናብ ወጻኢ ምስተመልሱ ንህዝቢ ብሓሶት ክሰብክሉን ንዝመጽእ ሕቶ ክምልስሉን፡ ብተንኮሉ ዝገበሮ ኢዩ።
  2. ኢሰያስ ምስ ጅቡቲ ፈጢርዎ ንዘሎ ወጥሪ፡ መሓዙቱ ሊብያን ሶርያን ንዕኡ ብዝጥዕሞን ብዘጃህሮን መንገዲ “ክንፈትሖ ኢና’’ ኢለን ቃል ኣትየናሉ ብምንባረን፡ ምላሽ በዓል ኮሎኔል ቓዛፊ ንምስማዕ ትጭም ይብል ስለዝነበረ፡ ነቶም ንኣኼባ ዝጸውዖም ኣምባሳድራቱ ዑደት ክገብሩ ኣዚዝዎም።

ብድሕሪ እዚ ድማ ኢዩ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ንኣምባሳድራቱ መግለጺ ዝሃበ። ንሱ ኣብቲ ንጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ዝምልከት ጸብጻቡ፡ “ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ14/01/2009 ብመሰረት ዓንቀጽ 1862 ኣብ ልዕሌና ንዝወሰዶ ውሳኔ ነጺግናዮ ኣሎና። ኣመሪካ ይኹኑ ካልኦት ምዕራባውያን ካብ መሬትና ብሓይሊ ከውጽኡና እንተደልዮም፡ ኣይፋልኩምን ንብሎም፡ እንተዘይሰምዑ ድማ ሽዑ ነርክበሉ” ዝብል፡ ንናይ ውግእ ሸውሃቱ ደጊሙ ዘረጋግጽ ቃል ኢዩ ኣስሚዑ። ዘስደምም ኢዩ። ዝቐደመ በሰላና ኣጸቢቑ ከይሓወየ፡ ካልእ ቁስሊ ኣሰኪሙና ከብቅዕ፡ ሕጂ እውን ተወሳኺ ቁስሊ ከምጽኣልና ህርድግ ይብል ከምዘሎ ኣግሂዱ። “ዘይስንኻ ሑጻ ቖርጥመሉ” ከምዝበሃል፡ ኲናት ወሊዑ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ብምጥምዘዝ ብህይወትን ደምን ደቂድኻ፡  ዕድመ ስልጣኑ ንምንውሕ ገና ይሓልም ኣሎ።
ቀጺሉ ድማ ኢሰያስ፡ ነቶም ንኣኼባ ኢሉ ዝጸውዖም ኣምባሳድራቱ፡ ምቅዪያር ከምዝገበረ ብሃንደበት ነጊርዎም። ብመሰረት ናይ ሽዑ መግለጺኡ ድማ ነዚ ዝስዕብ ናይ ምቅዪያራትን ምዕጻውን ምኽፋትን ውሳኔ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ዝዕጸዋ ኤምባሲታት ኤርትራ፡

  1. ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካናዳ። (ብኣምባሳደር ኣሕፈሮም ብርሃነ ዝምራሕ ዝነበረ።)
  2. ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ። (ብኣምባሳድር ዓንደኣብ ገብረመስቀል ዝምራሕ ዝነበረ።)
    ኣውስትራልያ ቅድምን ድሕርን ሓርነት ሃገርና፡ በዓልቲ ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ምንባራ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ። ብ Fred Hollows Foundation ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህያብ ኣብ ኣስመራ ዝተተኽለ፡ መነጽር ውሽጢ ዓይኒ ዘፍሪ ፋብሪካ፡ ከምኡ እውን ኣብ እዋን ቃልሲ ዝግበር ዝነበረ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ሓገዛት ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።
  3. ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኔዘርላንድስ (ሆላንድ) ፡፡ (ብኣምባሳድር መሓመድ ሱሌማን ዝምራሕ ዝነበረ።)
    ሆላንድ፡ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ብሰብኣዊ ሓገዝ፡ ብድሕሪኡ ድማ ዘመናዊ ፖሊስ ብምስልጣንን ፖሊሳዊ መሳለጥያታት ብምዕጣቕን፡ ንኤርትራ ዓበይቲ ሓገዛት ዝገበረት ሃገር ኢያ። እንተኾነ፡ ፖሊስ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝተመሃሮ ኣብ ግብሪ ዘውዕል፡ ማለት ወገንን ሓላዊ ድሕነትን ህዝቢ ዝኸውን፡ መጋበሪያ ናይቲ ጸረህዝቢ ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ብምዃን፡ ገሃሲ ሰብኣዊ መሰል ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ሆላንድ ሕጉስቲ ኣይነበረትን። እቲ ብከም በዓል ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን) ዝኣመሰሉ ገበነኛታትን ዓመጽትን ዝምራሕ ፖሊስ ኤርትራ፡ ንጹሃትን ሰላማውያንን እናጨወየ ብዘይፍርዲ ክሳብ ንዓመታት ዝኣስርን ካብኡ ሓሊፉ እውን ዘሕቅቕን ማፍያዊ ጉጅለ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ።
  4.  ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን፡፡ (ብቀዳማይ ጸሓፊ ዮናስ ማና ክምራሕ ዝጸንሐ።)
    ሽወደን ካብ ነዊሕ እዋን በዓልቲ ጽቡቕ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እኳ እንተኾነት፡ ኢሰያስ ግን ካብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ኣትሒዙ ይፈትዋ ከምዘይነበረ ብዙሓት ዘዕልልሉ ጉዳይ ኢዩ። ሽወደን ካብ ቅድም ምስ ኢትዮጵያ ምሕዝነት ስለዝነበራን፡ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እውን ትደናገጽ ስለዝነበረትን ኢዩ ኢሰያስ፡ ቅንኢ ዘበገሶ ጽልኢ ኣብ ልዕሊኣ ኣሕዲሩ ይብሉ ብቐረባ ዝፈልጥዎ። ድሕሪ ናጽነት እውን ስርዓት ህግደፍ ጸረ ዲሞክራስን ተናኻስን ብምዃኑ፡ ሽወደን ከም መጠን መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኢሰያስ ኣካይድኡ ንኸዕሪ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ እናሰደደት ከይተረፈ ዓገብ ክትብሎ ጸኒሓ ኢያ። ኢሰያስ ግን ዋላ እናጸደፈ “ጽቡቕ ኣለኻ ቀጽሎ” ዝብሎ እምበር “ተጋገ ኣለኻ” ዝብሎ ስለዘይፈቱ፡ ንሽወደን ዝያዳ ጸሊእዋ። እዚ ኩነታት እዚ፡ ምእሳር ናይ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይምኽንያትን ብዘይፍርድን ተወሲኽዎ። ሽወደን ብዛዕባ ኩነታት ዜጋኣ ክትሓትት ግቡእ እኳ እንተኾነ ነቲ ቀይዲ በተኽ ኢሰያስ ግን ኣይተዋሕጠሉን። ብመዓልቱ ክግለጽ ዝኽእል ካልእ ጉድ እውን ኣይተሳእነን።
  5. ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ፓኪስታን። (ብጋዜጠኛ ኣምባሳድር ዓብዱ ሄጂ ዝምራሕ ዝነበረ።)
    ኢሰያስ ካብ ፓኪስታን ኣጽዋራዊ ይኹን ሞራላዊ ሓገዝ ክረክብ ብዙሕ ትጽቢት እኳ እንተነበሮ፡ ድሕሪ ናይ ጀነራል ፐርፐዝ ሙሻራፍ ብምርጫ ካብ ስልጣን ምእላይ ግን፡ ተስፍኡ ማህሚኑ ኢዩ ተሪፉ። ብሕልፊ ከኣ ጀነራል ሙሻራፍ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ ብምስምምዑን ብምክያዱን ንኢሰያስ ኣይማእምኦን። “ኣመሪካ ከምድላያ ኢያ ትዝውሮም” ኢሉ ስለዝሓሰበ ከኣ መጸግዒት ክትኮኖ ከምዘይትኽእል ብምግማት ኢዩ ብኣጋ ክሃድም መሪጹ።
  6. ኤምባሲ ኤርትራ ኣበይ…………፧… ምዃና ገና ዘይተነጸረ።   

ሓደስቲ ዝኽፈታ ኤምባሲታት ኤርትራ።

  1. ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢራን።
     ኣምባሳድር ኤርትራ ኣብ ቐጠር፡ ዓሊ ኢብራሂም ኣሕመድ፡ ኣቐዲሙ ከም ተንቀሳቓሲ ኣምባሳድር ኣብ ኢራን ኮይኑ ወረቕት ስርሑ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ኣረኪቡ ነይሩ ኢዩ። ሕጂ ድማ “ሓድሽ ፍቕሪ መወድኢ እኽሊ” ከምዝበሃል ኣብ ቀምሽውሽጢ ኢራን ክኣቱ ቁሩብ ተሪፍዎ ዘሎ ኢሰያስ፡ ኣይ ወርሒ ኣይ ሰሙን ሓሳቡ ቀዪሩ፡ ንኢድሪስ ማንታይ ኣብ ኢራን ኣምባሳድሩ ኪኸውን መዚዝዎ ኣሎ። እዚ ድማ ይብሉ ተንተንቲ፡ ንዘይርግኡነትን ተጠራጣሪ ባህርያትን ናይ ኢሰያስ ዘረጋግጽ ኢዩ። ኣብ ከም በዓል ሆላንድ፡ሽወደን፡ኣውስትራልያ፡ካናዳን ዝኣመሰላን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን ብደረጃ ዓለም ጽቡቕ ተቐባልነት ዘለወንን ሃገራት ዝነበረ ኤምባሲታት ብምዕጻው፡ ምስ ኢራን ቂቕ..ቂቕ.. ምባሉ፡ ዕብዳኑ እናገደዶ ይኸይድ ከምዘሎ ዘግህድ ምዃኑ እውን ይሕብሩ። ግብረሽበራዊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ ኢራን ንዝተቐበሎ ኣጽዋር ናብ ሶማልን ሓማስን ምስግጋሩን፡ ካልእ ተወሳኺ ናብ ፍልስጤም ከሰጋግር ከምዝፈተነን መርትዖ ተረኺብሉ ኢዩ። ኢራን፡ ብፍቓድ ኢሰያስ መርዛም ኑክሌራዊ ሓተላኣ ኣብ መሬትናን ገማግም ባሕርናን ጉሒፋ፡፡ ከም ፍረዓስቡ እውን ዘይተኣደነ ገንዘብ ብስቱር ሂባቶ ኢያ። ርክብ ኢሰያስን ኢራንን ካብ ነውሕ ብሕቡእ ክቕጽል ዝጸሐ ኢዩ። ኢራን፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እትልለ፡ ካብማሕበረሰብ ዓለም ዝተነጸለትን፡ ዝተፈላለየ እገዳታት ኣብ ዝባና ዘለዋን ሃገር ኢያ።
  2. ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጫድ።
    ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጫድ ኤምባሲ ኣይነበራን። ሕጂ ግን ኢሰያስ ዋላ’ኳ ንመን ከምዝመዘዘ እንተዘይሓበረ፡ ኤምባሲ ክኸፍት ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ብምዕራባዊ ሸነኽ ሱዳን እትርከብ ጫድ፡ ብጉዳይ ዳርፉር ብዘለዋ ቀጥታዊ ጽልዋ ድማ ኢዩ፡ እቲ ውልቃዊ ረብሕኡ ንምኽዕባት ኣብዘይምልከቶ ጉዳያት ጦብሎቕሎቕ ምባል ዘብህጎ ዲክታቶር ኢሰያስ፡ ንጫድ ዓይኒ ኣውዲቑላ። ዳርፉራውያን ተቓወምቲ ገሊኦም ኣብ ኤርትራ እቶም ዝበዝሑ ድማ ኣብ ጎረቤቶም ጫድ ኢዮም ዝርከቡ። ኢሰያስ ግን ንኹሎም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ብምእታው ከም ድላዩ እናጠዋወየ፡ ንዕላምኦምን ትጽቢቶምን ብምጭዋይ መሳሪሕኡ ክገብሮም፡ ክፋተወሎምን ጉንዖ ክቕበለሎምን ኢዩ ዝደሊ፡፡። ነዚ እከይ ውዲቱ ንከሳልጠሉ ንዓብደላ ጃብር ብተደጋጋሚ ክልእኮ ጸኒሑ። ሕጂ ድማ ብደረጃ ኤምባሲ ሸርሕታቱ ከፈጽም መዲቡ። ምኽፋት ኤምባሲ ኣብ ጫድ እምበኣር፡ ናይ ኢሰያስ ቢዝነስ ንምስላጥ ኢዩ።
    እዚ ብኸምዚ ዝተኽታተልክሞ እናኸደ፡ ኤርትራ ኣብ ቤትጽሕፈት ሕብረት አፍሪቃ፡ ኣምባሳድር ዘይብላ እንኮ ሃገር ኢያ።

ምቕይያር ሚኒስተራትን ዕላማኡን።

ሚኒስተር ቁጠባዊ ልምዓት ዝነበረ ዶክተር ወልዳይ ፍጡር፡ ካብ መዝነቱ ክወርድ ምዃኑ፡ ኢሰያስ ኣብ’ቲ ኣምባሳድራትን ሓለፍቲ ህግደፍን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣፍሊጡ። ብሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ዝነበረ ዶክተር ገርግስ ተኽለሚካኤል ድማ ክትካእ ኢዩ።

ዶክተር ወልዳይ ፍጡር፡ ሓደ ካብ ምሁራት ኤርትራውያን ኮይኑ፡ ኣብ ዓለማዊ ትካላት ነዊሕ ዝሰርሕን ብቕዓቱ ዘመስከረን ሞያዊ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ዝነበሮ ኣህጉራዊ ስራሕን ሓላፍነትን ገዲፉ፡ ሃገርና ኣብ ምህናጽ እጃሙ ንምፍጻም፡ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNDP)፡ ብዝኸፍሎ ደሞዝ ኣብ ሃገሩ ክሰርሕ ኣትዩ። ብድሕሪ እዚ ዶክተር ወልዳይ፡ ኣብ ዘዝተመደበሉ ጽፍሕታት ሞያዊ ዕማሙ ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ ወቕቲ፡ ናይ ነዊሕን ሓጺርን ቁጠባዊ ውጥናት እናውጽአ፡ ክተኣታቶ ብዛዕባ ዝግብኦ ምዕቡልን ኣድማዕን ኣሰራርሓ ከይተሓለለ ይሕብር እኳ እንተነበረ፡ በቲ ንምሁራት ዘቆናጽብን፡ ምድንጋር ክጥዕሞ ምእንቲ እውን ቅኑዕ ኣሰራርሓ ዘይፈቱን ዲክታቶር ኢሰያስ፡ ተሰማዕነት ይረክብ ኣይነበረን።

ኣብ ኤርትራ ኣቐዲመን ክልተ ሚኒስትሪታት ሃጓፋት ማለት ሚኒስተር ዘይብለን  ጸኒሕን ኢየን። ሚኒስተር ማሕሙድ ሸሪፎ ኣብ 2001 ድሕሪ ምእሳሩ፡ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ፈጺማ ክትድስክል እንከላ፡ ሚኒስትሪ ዜና ድማ ናይዝጊ ክፍሉ ናብ ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ኣማኻሪ ጉዳያት ተባሂሉ ድሕሪ ምቕያሩ፡ ብግዝያዊ (acting) ሚኒስተር ዓሊ ዓብዱ ኢያ ትካየድ ዘላ። ዓሊ ዓብዱ ኣቐዲሙ ኦፐሬተር ረዲዮ ርክብ ናይ ኢሰያስ፡ ደሓር ድማ ምክትል ኣቦመንበር ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ. ኢዩ ነይሩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...