ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ 45 ኣዴታት ሓዝሓዝ ተጠርኒፈን፡ ናብ ቤትጽሕፈት ምምሕዳር ናይ ዝነብራሉ ከባቢ ብምኻድ፡ “ጥምዬት በርቲዑና፡ ተሸጊርና፡ ርድኡና’’ ኢለን ጸገመን ስለዝነገራ ተኣሲረን።

ንሳተን፡ ኣብቲ ብ4 ሚያዝያ 2009 ናብ ምምሕዳር ከባቢአን ዘቕረብኦ ሕቶ፡ “እቲ ዝርካቡ ብኩቦን ዝሽየጠልና ዝነበረ ኣስቤዛ፡ ካብዝቋረጽ ክልተ ወርሒ ገይሩ፡ ነብስና፡ የለን ዘይፈልጡ ህጻውንቲ ደቅናን ኣረግቶት ስድራናን ዝብላዕ ስኢንና፡ ጥሜት ኣጥቂዑና መንግስቲ ፍታሕ ይግበረልና፡’’ እኳ እንተበላ፡ እቲ ንጥርዓነን ዝሰምዐ፡ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ዘዘራረበን ኣመሓዳሪ ናይቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣብ መወዳእትኡ፡ ተኣኪብካ ምጥራዕ ኣድማ ኢዩ ኢልወን። ብኡንብኡ ድማ ብመካይን ዝመጽኡ ፖሊስ ነተን ኣዴታት ወሲዶም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደቀንስትዮ ሓዝሓዝ ኣሲሮመን ኣለዉ።

Hazhaz [Google Map]