ምቅይያር ሚኒስተራትን ኤምባሲታትን
ፕረሲደንት ኢሰያስን መሪሕነት ህግደፍን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጽዩፍ ተግባራቶምን ፍሹል ምሕደራኦምን ከምዝኸዓቦም፡ ማሕበረሰብ ዓለም እውን በቲ ስግንጢርን ዕቡድን ኣካይዳኦም ከምዝፈንፈኖምን ከምዝረሓቖምን፡ ብሰሪ እዚ እውን ከምዝተነጸሉ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። ክንዲዝኾነ ሎሚ ዝያዳ ካልእ እዋን፡ እከይ መንፈሶም ተረቢሹ ኣብ ሸልቐልቀልን ጸፋዕፋዕን ኣትዮም ይርከቡ። ነዚ ኣብ ዝባኖም ዘንጠጥይ ዘሎ፡ ግዜ ጥፍኣቶም ምእካሉ ዝሕብር ኩነታት ገለ እንተፋኾሰሎምን፡ ኣብቲ ዘብቅዕ ዘሎ ዕድመ ስልጣኖም ቁሩብ ግዜ እንተለቀበሎምን ብምሕሳብ ድማ ኢዮም፡ ኣብ ምድስካልን ምቅይያርን ሓለፍቲ ተጸሚዶም ወሪሖም ዘለዉ። በዚ መሰረት እውን ብትእዛዝ ናይቲ ገባሪን ሓዳጊን ወልቀመልላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ክልተ ዓበይቲ ምቅይያራት ተፈጺሙ።

1) ምቅይያር ኣብ ሸሞንተ ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲታት ክትግበር ትእዛዝ ተዋሂቡ።
2) ምቅይያር ናይ ክልተ ሚኒስተራት ድማ ድሮ ተተግቢሩ።

ኢሰያስ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2009 ዘካየዶ ናይ ኣምባሳድራትን ናይ ወከልቲ ህግደፍን ኣኼባ፡ ብዛዕባ እዚ ብወግዒ ኣብ ርእሲ ምዝራቡ፡ ንዝገብሮ ናይ ኣምባሳድራትን ሚኒስተራትን ምቅይያር፡ ንሃገራት ብመንገዲ ኣብያተጽሕፈት ኤምባሲታተን ክሕብር ብኣህጉራዊ ሕጊ ግዱድ ስለዝኾነ፡ ዕረ እናጠዓሞ መልእኽቲታት ብምስዳድ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ብዛዕባዚ ብኢሰያስ ዝተወሰደ ዓቕሊጽበታዊ ስጉምቲ፡ ብዉፉያት ናጻ መርበብና ኣዝማሪኖ ዝተላእከልና ዝርዝር ሓበሬታ ኣሎ። ነዞም እሙናትን ዉፉያትን ምንጪታትና ብስምናን ብስም ዓማዊል መርበብ ኣዝማሪኖን ልባዊ ምስጋና ነቕርበሎም። ካልኦት እውን ኣሰር ናይዞም ተባዓት ተኸቲልና፡ ሃገራውን ታሪኻውን እጃምና ከነልዕልን ተሳታፍነትና ከነዕዝዝን በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒትና እናኣቕረብና፡ ናብቲ ጸብጻብ ነስግረኩም።

ሚስጢርን ውዲትን፡ ፖለቲካዊ ጸወታን ኢሰያስ ይከሻሕ!!!
ቀዳማይ ክፋል

ሎሚ ኤርትራ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ትርከብ ኣላ። እዚ እዋን እዚ፡ ዝበዝሕ ህዝብና ዕለታዊ መግቢ ስኢኑ ብጥምየት ዝሳቐየሉን ዝሞተሉን፤ ጉቦን ሰበይሰብካን ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ትካላት ልሙድ ወይ ዘይእዉጅ ቅቡል ዝኾነሉ፤  ብግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ብመወዳእታ ዘይብሉ ምዝመዛ ናጻ ጉልበትን ብኸቢድ ወተሃደራዊ መቕጻዕትን ዝሰክሑ መንእሰያት ብዘይድሌቶም ነፊጾም ናብ ስደት ዝውሕዙሉ፤ ኣረግቶት ከይተረፉ ስደት ዝመርጹሉ፤ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክሰግሩ ዝተረኽቡ ዜጋታት ዝርሸንሉ፤ ስድራቤት ናይ ዝጠፍኡን ዝተረሸኑን ደቆም ካሕሳ ንመንግስቲ ዝኸፍልሉ፤ ኣዝዮም ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት፡ ብዘይፍርድን ብዘይሓታትን ኣብ ዘይፍለጥ ቦታታት ከይተረፈ ዝእሰሩሉን ዝሳቐዩሉን፡ ብሰሪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝሞቱሉ፤ ጀነራላት ኢሰያስ፡ “ሓንትስ ስልጣነይ ደኣ ሓልዉለይ እምበር ድሌትኩም ግበሩ” ዝብል ቀጠልያ መብራህቲ ስለዝተወለዓሎም፡ ብናጻ ጉልበት ደቂ ህዝቢ ዝመረጽዎ ስቡሕ መሬት ንውልቃዊ ረብሕኦም እናሓረሱ፡ ፍርያቱ እናሸጡን ክሳብ ካብ ወጻኢ ንብረት እናምጽኡን፡ ንንግድን ዕዳጋን ሃገር ዝበሓትሉ፡ ብግህዶ ኣብ ምዝማት ሃገር ተዋፊሮም፡ ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላር ዝውንኑ ሃብታማት ዝኾኑሉ፡ ናይ “ዝያዳ መን ዶላር ደለበ’’ ውድድር ዘካይድሉ፡ ክሳብ ኣብ ማእከል ከተማ ዝታኾሱሉን ፈተነ ቅትለት ዝገብሩሉ፡ ዝድላዮም ገበናት እናፈጸሙ ዘይሕተትሉ፡ እዋን ኢና ዘሎና። ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝመጸ ምፍሕፋሕ ፖሊስን ሃገራዊ ድሕነትን እውን ተዓዚብና።

እዚ ጥራይ እውን ኣይኮነን፡ መጀር ጀነራላትን ደረጃብደረጃ ኣብ ትሕቲኦም ዝርከቡ ካልኦት ወተሃደራውያን ሰብስልጣንን፡ ኣብ ኣውራጃዊ ሕማማት ተቖማጢዖም ነንሕድሕዶም ክወናጀሉ ይርከቡ።  ኣብቲ ኢሰያስ “ስሉሳዊ” እናበለ ዘካይዶ ኣኼባታት፡ ገለ ካብ ሚኒስተራት፡ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካብ ኣመሓደርቲን፡ ነቲ ፕረሲደንት ክደፍርዎን፡ ንሓሳባቱ እውን ክቓወሙን ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ድማ፡ ሚዛን ናይቲ ብተቓውሞ ዝርዕድ ኢሰያስ እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ኢዩ።

ሰራዊት ኤርትራ፡ ዋላ’ኳ ብምምሕዳራዊ፡ ብቁጠባዊ፡ ብማሕበራዊ መዳያት መሰላቱ ስለዝተጋህሰ፡ ብማእሰርትን ጸጥታን ስለጽተጨፍለቐ፡ “ይካኣሎ ዋርሳይ” ብዝብል መጸውዒ፡ ከምኡ እውን ብኣውራጃዊ ሜላ፡ ከምዘይተኣማመን ክግበር እንተጸንሐ፡ ሕጂ ግና ንኹሉ ማሕለኻታት በናጢሱ “ሕሱም ሕማም ካብ ሞቱ ነይሓልፍ” ኢሉ፡ መሰላቱ ንምኽባር፡ ለውጢ ደልዩ ተቓውሞ ዘርእየሉ ኣገዳሲ መድርኽ ተዓዚብና፡፡ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዘየገድስ፡ ሓደ መዓልቲ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ ቅያ ክሰርሕ ከምዝኽእል፡ ግዜ ከረጋግጾ ኢዩ።

ካልእ ንኢሰያስን ንስርዓቱ ህግደፍን ዓቕሎም ኣጽቢብሎም ዘሎ፡ ምሕያል ናይተን ጉድ ኢሰያስ ዘቃልዓ ኤርትራውያን መርበባትን ማዕከናትን ዜና ኢዩ። ነውራም ተግባራት ኢሰያስ ምስጢር ኮይኑን ተሸፋፊኑን ኢዩ ኪኸይድ ጸኒሑ፡፡ እንተሕጂ ግን ብናጻ ኤርትራውያን ማዕከናት ዜና ተግባራቱ ይቕላዕን ጥራይ ዝባኑ ይወጽእን ኣሎ። እዚ ተረኽቦ እዚ ሕማም መርዘን ኮይንዎም ስለዘሎ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ንምዕፋን ብርክት ዝበለ ናውትን ገንዘብን ብዙሓት ሰባትን ኣዋፊሮም። እንተኾነ ነተን ማዕከናትን ንምንጪታተንን ክቖጻጸሩን ዓፊኖም ዓዲከውዕልወንን ኣይከኣሉን። በዚ ኣጋጣሚ፡ እዘን ማዕከናት ተበግሶአን ዓቂበን ናህረን ከዛይዳ እናኣተባባዕና፡ ስርዓት ኢሰያስ ንተሰማዕነትን ተፈታውነትን ናይዘን ዓቕሉ ኣጽቢበናሉ ዘለዋ ማዕከናት ንምጉዳል፡ ናይ ሓሶት ወረ ከናፍስን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ከጋግየንን ክፍትን ከምዝኽእል ፍሉጥ ስለዝኾነ፡ ጥንቃቐአን ከዛይዳን ናይ መረጋገጺ መካኒዝም ከሐይላን ምኽርና ንልግስ።

እዚ እዋን እዚ፡ ኢሰያስ ፈጺሙ ዝፈኾሰሉ ኢዩ። ህግደፋውያን ኣቐዲሞም ንኢሰያስ ከምሓደ መልኣኽ ወይ ነቢይ ኮይኑ ከምዝርአ ንምግባሩ ብዙሕ ጽዒሮም ኢዮም። ኢሰያስ ዘይሰርቕ፡ዘይሕሱ፡ብዘይካኡ ንኤርትራ ክጠምርን ክመርሕን ዝኽእል ከምዘየልቦ፡ ሓው፤ዘመድ፤ዓርኪ ዘይብል፡ ንኤርትራ ልዕሊ ነብሱ ዝፈቱ፡ ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያንን ንሃብትናን ንፖለቲካናን ክቆጻጸራ ዘይፈቅድ፡ G15 ሸየጥቲ ሃገሮም ዕሱባት፡ ንሱ ግን ንኤርትራ ልዕሊ ነብሱ ዝፈትዋ ሓርበኛ፡ ኛምኛም ዝብሉ ኣዛብእ ከቢቦምዎስ ዝሰዓረ ኣንበሳ፡ ንፉዓት መሳርሕቲ ስኢኑ ንበይኑ ሃገር ዘማዕብል ዘሎ ተኣምረኛ፡ ኣምሲሎም ዝገልጽዎ፤ፖስተራቱ ኣበሪኾም ዝጥቅዑን ዘውድኽድኹን ርኢናን ሰሚዕናን ኢና፡ እንተ ሕጂ ግን እተን ሕማቕ ዘይወጸን ኣዴታትና ከይተረፋ “ኔው በልዎ እዚ ርጉም ዲያብሎስ” ክብላ ንሰምዓሉ ግዜ በጺሕና ኣሎና።

ኢሰያስ ፍጹም ዲክታቶር ምዃኑ፡ ሎሚ ብዝያዳ ዝተጋህደሉ ጊዜ ኢዩ፡ ምስ ከም በዓል ኢራንን ሶርያን ዝኣመሰላ፡ ኣሉታዊ እምበር ኣወንታዊ ጽልዋ ዘይብለን ሃገራት፡ ዘይቅዱስ ኪዳን ምምስራቱን ዝምድንኡ ንከስፍሕን ከዕሙቕን ላዕልን ታሕትን ምባሉን ንዲፕሎማስያዊ ንጥፍሽንኡ የመልክት፡፡
ናብ ሶማልን ሓማስን ኣጽዋር ምስግጋሩ፡ መዓልቲ ውድቀቱ ከምዝኣኸለ የረጋግጽ። ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ኤርትራ መዓስ ምርጫ ከምዝካየድ ተሓቲቱ “ምናልባት ድሕሪ 30 ዓመት” ኢሉ ዝመለሰ ኢሰያስ፡ ተሓላቒ መሰልን ዲሞክራሲን ካልኦት ህዝብታት ተመሲሉ ክርአ ምፍታኑን ኣብ ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ምእታዉን፡ ናብ ሶማልን ፍልስጤምን ጸፋዕፋዕ ምባሉን፡ ብህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘኸዓቦን ዘጽልኦን ተግባራት ኢዩ።

ኢሰያስን ህግደፍን ኣብ ጉዳይ ጎረባብትና ጣልቃ እናኣተዉ፡ ሰላመን ምዝራግ ስለዘሓጎስም፡ ምሕሳው እውን ባህርያቶም ስለዝኾነን፡ ዝገበሩ ገገይሮም ኣሉ ቐጣን ክብሉን ዕባራ ምክንያታት እውን ከቕርቡን ሰሚዕናዮም’ኳ እንተኾንና፡ ብመረጋገጺን ምስክርነትን ክቃልዑ እውን ርኢናን ሰሚዕናን ስለዝኾንናስ፡ ግዜ ውድቀቶም ከምዝኾነስ ተገንዚብና ኣሎና፡፡

ኢሰያስን መሓውራቱን ዝጥቀሙሉ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ትርጉም ከምዘይብሉ፡ እንተኾነ ንዝተወሰነ ጊዜ ከስርሖም ከምዝኽእል ተዓዚብና፡፡ ጉዳይ ዶብን ጉዳይ ጉጅለ 15ን ንዓሰርተ ዓመት መመላእታ ሸቂጦሙሉ ኢዮም። ምስ ግዜ ግን በልዩን ኣሪጉን። ሽምግልና ናይ ሱዳን ተቓወምቲ እንተላይ ከም መጠምዘዚ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ኪኸውን ተሓሲቡ’ኳ እንተነበረ፡ ኣይሰርሕን። ብድሕሪ’ዚ ህግደፍ ዝመረጾ ሜላ እንተነይሩ ምስ ጅቡቲ ነገር ምውላዕ ኢዩ። ኣብኡ እውን ህይወት ንጹሃት ኣጥፊኡ፡፡ እቲ ንዕቡድ ባህርያት ኢሰያስ ዝፈልጥ ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ግብረመልሲ ስለዝገበረ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ኢሰያስ ኣይሰመረን። እቲ ነገር ብኣግኡ ሃዲኡ። እንተኾነ ኢሰያስ ከም መቐጸልታ ናይ ተናኻሲ ባህርያቱ፡ “ካብቲ ብሓይሊ ዝሓዝካዮ መሬት ጅቡቲ ውጻእ” ተባሂሉ ኣብርእሲ ምእባዩ፡ ምስቲ ነቲ ንመበገሲ ናይቲ ጉዳይ ከጻሪ ዝተበገሰ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክተሓባበር እውን ፍቓደኛ ኮይኑ ኣይተረኽበን። በዚ ምኽንያት እቲ ጉዳይ ብሰንኪ ዓሻድርቅና ኢሰያስ ገና ጠልጠል ኢሉ ኣሎ።

አብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ኣዝዩ ጽንኩር ሃዋህው ኢዩ እምበኣር ኢሰያስ፡ ምቅይያርን ምድስካልን ሚኒስተራት፡ ከምኡ እውን ምዕጻውን ምኽፋትን ኤምባሲታትን ምቅይያር ኣምባሳድራትን ዝገብር ዘሎ።

ንምንታይ፧ እቲ ተግይሩ ዝበሃል ምቅይያር’ከ እንታይ ኢዩ፧ ተዳልዩ ኣሎ ኣብ ቀጻሊ ከነቕርቦ ኢና።