Isayas Afewerki


ፕረሲደንት  ኢሰያስ:  ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ የገልግለኒ ኢዩ ዝበሎ መደባት ኣውጺኡ። በዚ መሰረት ግሁድን ዘይግሁድን ትእዛዛት እናሃበ፡ንኣዕናዊ ውጥናቱ ግብራውነት ንምልባስ፡ ድሮ ናይ ሸሞንተ ኤምባሲታትን ክልተ ሚኒስተራትን ምቅይያር ክምዝገበረ: ኢሰያስ  ባዕሉ ብወግዒ ከምዘፍለጠ ምንጪታትና ሓቢሮም።

"እቲ ኣብ ሸሞንተ ኤምባሲታት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ:ናይ ምዕጻውን ምቅይያርን ኢዩ" ይብሉ ምንጭታትና።

 

  • ቀዳማይ: ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ብደረጃ ኤምባሲ ዝነበረ ዝምድና ከምዝሰሓብን ኣብያተ ጽሕፈቱ ክምዝዕጾን ዝተረጋገጸ ክኸውን እንከሎ: እቲ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ብኻልእ መልክዕ ብዛዕባ ክቕጽል ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝተፈለጠ ነገር የለን። ካብተን ሽዱሽተ ኤምባሲኡ ዝዓጽወለን ዘሎ ሃገራት እንተወሓደ እተን ኣርባዕተ: ብጸላውነተንን ተፈላጥነተን ዓቢ ሚዛንን ልዑል ተቐባልነትን ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘለወን ምዃነን ተረጋጊጹ ኣሎ።

  • እቲ ካልኣይ መልክዕ ድማ፡ቅድሚ ሕጂ ብደረጃ  ኤምባሲ ምስ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣብዘይነበረን ክልተ ሃገራት፡ኣውራ ኣብ ኢራን  ኤምባሲ ንምኽፋት ኢዩ። እዚ ስጉምቲ እዚ ድማ "ናብ ፍጹም ዕንወት ዘምርሕ ሓደገኛ ኢዩ" ይብሉ ምንጭታትና፡፡ ምኽንያቱ  ድማ ኤርትራ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራውያን ንኽትኣቱ እዚ ተግባራት ናይ ኢሰያስ ተወሳኺ ድርኺት ይኸውን ኣሎ።ኣቐዲሙ ብ10 መጋቢት 2008 ፡ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቐጠር  ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም ኣሕመድ (ዕጉድ): ከምተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ኣብ ኢራን ወረቐት ስርሑ ከምዘረከበ  ዝፍለጥ'ዩ። ሕጂ ድማ፡ሓዲሽ ወግዓዊ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢራን ክህሉ ወሲኑስ ሓድሽ ኣምባሳድር መዚዙ ኣሎ።

ወሃብቲ ሓበሬታ ከምዝገልጽዎ፡ እዚ ስጉምቲ እዚ ንኤርትራ ናብ ከቢድ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ዲፕሎማሲያውን ሕጋውን መጻብቦ ደቅዲቁ፡ ናብ ጎደና ጥፍኣት ዝመርሓ፡ ብማሕበረ ሰብዓለም ተወሳኺ ጽንኩር ጸቕጥን ተነጽሎን ዘስዕበላ ዕውር ስጉምቲ ምዃኑ ፖለቲከኛታትን ዲፕሎማሰኛታትን ኣሚቶም ኣለዉ።

ንሃገራዊ ፖሊስን ንዓለም-ለኻዊ ዝምድናታትን ብመንጽር ብሕታዊ ጠቅሙን ምዕቃብ በትረ ስልጣኑን ምርኣይ ዝልማዱ ፕረሰደንት ኢሰያስ፡ ጎድኒ ጎድኒ ምቅይያር ኤምባሲታት፡ ናይ ክልተ ሚኒስተራት ለውጢ እውን ገይሩ ከምዘሎ ብወግዒ ከምዘፍለጠ ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡ በዚ መሰረት፡ ሓደ ሚኒስተር ብትእዛዝ ኢሰያስ ካብ ናይ ሚኒስተርነት መዝነቱ ክወርድ፡ መተካእትኡ ካልእ ሚኒስተር ካብ ዝነበሮ ሚኒስትሪ ተቐይሩ፡ ንቦታ እቲ ዝድስክል ሚኒስተር ክትክእ ምዃኑ ምንጭታትና ኣፍሊጦም፡፡ ብተውሳኺ፡ እቲ ዝድስከል ዘሎ ሚኒስተር፡ ብሞያዊ ብቕዓቱ፡ ብናይ ስራሕ ተመኩርኡን ሃገራውነቱን ዝምስከረሉ ከምዝኾነ እውን እቶም ምንጪታት የረጋግጹ፡፡

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ጉጅለ 15 ብዝተፈጥረ ኩነታት፡ ክልተ ሃጓፋት ወይ ክፉት ቦታ ሚኒስተራት ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምስ'ዚ ናይ ሕጂ ዝደስከለ ሓደ ሚኒስተር፡ እቲ ቁጽሪ ሃጓፍ ናብ ሰለስተ ክብ ኢሉ ኣሎ፡፡ኣብዚ ሃጓፋት'ዚ፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ ከምወትሩ፡ ደስ ኣብ ዝበሎ፡ ኣጋጣሚታትን ምቹእ ህሞትን መሪጹ፡ ነቶም ኣብ ጎንኻ ኣለና እናበሉ ዘጣቕዑ፡ ነቶም ምእዙዛት ዝብሎም፣ ብደረጃ ሚኒስተር ከም ዓስቢ ምእዙዝነቶም ሽልማት ክሸሞም ከምዝኽእል፡ ድሮ'ውን ሕጹያት ተሰሪዖም ከምዘለዉ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን፡፡

"ፕረሲደንት ኢሰያስ መኣስ'ዩ ምቅይያራት ሚኒስተራትን ኤምባሲታትን ብወግዒ ኣፍሊጡ፣ ዕላማ ናይዚ ምቅይያር'ከ እንታይ'ዩ፣ እዚ ናይ ኢሰያስ ስጉምቲ ኣብ ሃገረና ዘስዕቦ ጽልዋ እንታይ ክመስል ኢዩ፣ ምልውዋጥ ኤምባሲታት ኣበያበይ ኢዩ፧ዝተቀይሩ ሚኒስተራት'ከ መነመን ኢዮም፣ መጻኢ ኩነታት ሃገረናን ህዝብናን ናበይ ከምርሕ እዩ፣ ከም ህዝብን ሃገርን ልኡላውነትናን፡ ሕጋዊ መንነትናን ንምኽባር እንታይ ክንገበር ይግብኣና፧" ዝብል ዝርዝራትን ዳህሳስን ዝሓዘ መግለጺ፡ ኣብ'ዚ ዝስዕብ ቀረባ መ ዓልታት ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና፡፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...