መሻርኽቲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ነጋዳይ ኣልኣሚን(ወዲ ገረወኛ) ናብ ኤርትራ ተመሊሱ።ንሱ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2008 ብዘይንጹር ምኽንያት ካብ ኤርትራ ምስ ወጽአ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክርአ ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከኣ ኣብ ኤርትራ ተራእዩ ኣሎ።

ካብ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዓርኪን መሻርኽትን ኢሰያስን ስርዓቱን ዝኾነ ኣልኣሚን(ወዲ ገረወኛ)፡ ኣብ ከባቢ ክለብ ጁንዮር ዝርከብ “ቪላ ሙሳ’’ ዝተሰመየ ገዝኡ፡ኢሰያስን ብጾቱን ዝሰኽሩሉን ዝእንገድሉን ቦታ ምንባሩ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ።እንተኾነ ብድሕሪ እቲ ኢሰያስ ንኣልኣሚን(ወዲ ገረወኛ) ብጥርሙዝ ናይ ዊስኪ ምፍግኡ፡ኣልኣሚን በተግበተግ ክብል ጀሚሩ እኳ እንተነበረ፡ምስጢራዊ ርክቦም ግን ከምዘይተበትከ ዝተፈላለዩ ምንጪታት የረጋግጹ።


wedi gerewena!