መላኺ ህዝብን መራሒ ጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍን ዝኮነ ፕረሲደንት ኢሳያስ ከም አመሉ ናብ ምዕራብ ኤርትራ ክክቡልል ጀመረ'ሞ ነብሰ ምትእምማንን ደገፍ ህዝብን ዘይብሉ መራሒ ሃገር'ሲ ይትረፍ እቲ ዝነአሰ ጽፍሒ ስልጣን ዘለዎ ጭቃ ዓዲውን ከይተረፈ ከም ሰራቒ ቐባሕባሕ እንዳበለ እዩ ዝኸይድ ስለ ዝኾነ ድማ ሰራቒ ፍትሒ ሰራቂ ሕጊ ሰራቒ ሐርነት ሰራቒ መሰል ዝኮነ መራሒ በተን ብህዝቢ አስመራ እተን ማሐዙት ብዝብል ሳጓ ዝፍለጣ 2 ቐጠሊያ ላንዱኩሩሰራቱ ተወጢሑን ብፍርሂ ተዋሒጡን ገደቡ ዝሐለፎ ናህሪ እንዳ ተሐንበበ ኣብ ዝከደሉ ዝነበረ እዋን ሐደ ገርሀ ጓሳ ብሐንቲ ሃጓፍ መገዲ ብገርሁ ድጉል ኢሉ ይቕልቐሎም እሞ በዚ ዝሰንበደ መራሒ መኪና (አውቲስታ) አንፈት መንገዱ ሲሒቱ ናብ ሐንቲ ዓባይ ናይጽዕነት ማኪና (በጣሕ) ይአትዉ።

ሐጥያት ህዝቢ ኤርትራ ገና ስለ ዘይተወደኤን ፈጣሪ ይአክለኩም ስለ ዘይ በለን እቲ ክድሕን ዘይግቦኦ ግፍዔ ክድሕን ከሎ እቶም ክድሕኑ ዝጉቦም ዑሱባትን ጉዱዳትን ድማ ዝዓብዩ ቆሉዑን ዝጥወሩ አረገውቲ ስድራን ገዲፎም ኩሉ ፍቓድ ፈጣሪ ስለ ዝኮነን ሰብ ዝበሎ ዘይ ኮነ'ሲ
ፈጣሪ ዝበሎ ስለ ዝፍጸም ብ ዘስካሕክ ሐደጋ ሂወቶም ሐሊፉ።