ህጹጽ መጸዋዕታ ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ደለይቲ ፍትሕን

ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብና ዝተነስነሰ ጠያዪት ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝተቓለሐን ንኹሉ ኣማኒ ምስልምናን ክርስትናን ዘስደመመ ተርእዮ እዩ። ሎሚ እቲ ኣንጸላልዩና ዘሎ ከቢድ ናይ ሓደጋ ደበና ከም ዝመጾ ክሓልፍ እዩ ኢልካ ዝግደፍ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግደፍን ሕቖን ከብድን ካብ ዝኾኑ ዓመታት ኣቚጺሮም ስለ ዘለዉ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ብሰላም ክፈትዎ ኢልካ ትምኒት ዝግበረሉ ኣይኮነን። ህዝብን ጸረ-ህዝብን በበይኑዩ ኣጀንዳኦም። ህግደፍ ዝዓበየሉን ዝኣረገሉን ኣጀንዳ ይገብር ኣሎ። ህግደፍ እታ ዝፈልጣ ናይ ኣፈታትሓ ግርጭት ስልቲ፡ ብረትን ዓረርን ስለ ዝኾነት ሕጂውን ቆሉዑን ኣንስትን ኣረጋውያንን ካብ ምጭፍጫፍ ድሕር ክብል ኣይኮነን።

ህግደፍ ካልእ ሓደገኛ ሜልኡ ብሓሶት ምጥቛስ`ዩ። ኣብ ሃገርና ናይ ሰብኣዊ መሰልን ናይ ፖለቲካን ሕቶ ክለዓል ከሎ ነቶም ኣብ ግንባር ቀዳምነት ዝተሰርዑ ኣካላት፡ ኣብ ሕብረተሰብና ተቐባልነት ከይረኽቡ ዝተፈላለየ ጸለመታት ክልጥፍ ድሕር ዘይብል ምዃንኑ`ዩ። እዚ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝተራእየ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ሰፊሕ ተቓውሞ እውን እንተኾነ ልክዕ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ እስላም ጥሩፍነት`ዩ እናበለ ብካድራቱ ክዋፈረሉጀሚሩ ከምዘሎ ፈሊጥና ኣለና። ብርእይቶና እቲ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ምእንቲ ሰብኣውን ሃይማኖታውን መሰሎም ዝተላዕሉ ተባዓት ሃገራውያን ዘልዓልዎ ክምስገንን ክተባባዕን ዝግበኦ ሰውራዊ ተበግሶ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ንኩሎም ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን፡ ንኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን፡ ብሓፈሽኡ ድማ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ብማዕረ ዝብጸሖም ጉዳይ እዩ። ህግደፍ ስርሑ ደው ከብል ኣይኮነን፡ ደለይቲ ፍትሒ`ኸ?

ብርእይቶና እዚ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ዝበሃሎ ጉዳይ ኣይኮነን። ቆጸራታት ኣናዊሕና ኣኼባታት እናተጸበና ዘሰማማዓና ክንደሊ ሃሰስ ንብለሉ ግዜ የለን። እቲ ኩሉ ግዜ ንዝምሮ ናይ ህዝብን ሃገርን መዝሙር ልባዊ እንተኾይኑ፡ ኣብዚ እሙናት ዝኾኑ ኣካላት ኩሎም ብህጹጽ ተራኺቦም ናይ ኣፈርክቡ ስጉምቲ ክወስዱ ኣለዎም ንብል። ህዝብና ኣጆካ ዝብሎ እዩ ስኢኑ እምበር ካብዚ ሕጂ ወሪድዎ ዘሎ ዝኸፍእ መዓሙቕ ስለ ዘየለ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ጸላኢኡ ክለዓል ጸገም ከምዘይብሉ ብዙሓት ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ። ስለዚ ውድባትና ደድሕሪ ዘጋጠመ ተርእዮ ዘብዘብ ኣብ ክንዲ ምባል መሪሕ ተረአን ክጻወታሉ ዝግባእ እዋን ሕጂ`ዩ ንብል። ኤስደለ ምስ ኩሎም ነዚ ሓሳብ ዝሰማምዑ ደለይቲ ፍትሒ ብዘይዝኮነ ቅድመ ኩነት ዓቅምታቱ ኣዋሃሂዱ ክሰርሕ ድሉው ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ክገልጽ እፈቱ።

እቶም በቲ ጨካን ስርዓት ተላኢኽኩም ኣብ ልዕሊ ኣሓትኩምን ኣሕዋትኩምን እዚ ዘይበሃል ግፍዒን ቅንጸላን እተካይዱ ዘለኹም ወተሃደራትን ናይ ስለያ መሓውራትን ህግደፍ፡ ዓንኬላት ህግደፍ እናጸበበ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ውዒሉ ሓዲሩ ንዓኹም እውን ዝምሕር ስለ ዘይኮነ፡ ንኣረሜናዊ ተልእኾ ህግደፍ እምቢ ኢልኩም ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝብኹም ክትስለፉ ጻውዒት ነቕርበልኩም። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብኹም ትገብርዎ ዘለኹም በደል፡ ጽባሕ ንግሆ ሓደ ክልተ ዝፈጸምዎ ጌጋ`ዩ ኢሉ ኣሕሊፉ ክህበኩም እምበር፡ ኣነየ ግጉይ መምርሒ ኣመሓላሊፈሎም ኢሉ ንንስሓ ወይ ንፍትሒ ዝቐርብ ስርዓት ኣይኮነን - ስርዓት ኢሰያስ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዘለኹም ደለይቲ ፍትሒ፥ ካልእ ኣካል ተበግሶ ወሲዱ ክሳብ ዝጽወዓኩም ኣይትጸበዩ። ብሰንኪ ወይ ብሳላ`ቲ  ነዊሕ ናይ ስደት ዓመታት ነንሕድሕዱ ዘይፋለጥ ኣካል ስለ ዘየለ ካብ ከባቢያዊ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ክሳብ ህጹጽ ዓለም-ለኻዊ ሰላማዊ ሰልፍታት እናገበርና ንስለ`ቲ ኩሉ ኣበሳ ህግደፍ ዝቐስም ዘሎ ህዝብና ድምጽና ከነስምዕ ሕጂ`ዩ እዋኑ ንብል።

ዘለኣለም ተወጺዑ ዝነብር ህዝቢ የለን!

ደላይ ፍትሒ ወትሩ ሰዓሪ`ዩ

ዝኽርን ክብርን ንኩሎም ስዉኣትና

ካብ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኤስደለ

2 ሕዳር 2017