መግለጺ

በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ብምክንያት መበል 55 ዓመት ሐደ-መስከረም ምጅማር ብረታዊ

ቃልሲ ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላልዩ ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክገዝእዎ’ኻ እንተጸንሑ ንመግዛእቶም ኣሜን ኡሉ ተቀቢሉዎ ኣይፈልጥ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሕንብርቶም ኾይኑ ዝተፈላለየ ናይ ተቃውሞ ቃልሲ ከካካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ምረት መግዛእቶም እናከፈኤ ምስ መጸ ብዝርዳኦም ቃንቃ ቃልሲ እንቢታኡ ንምግላጽን ተቃሊሱ መሰሉ ንምርግጋጽን መስከረም ሓደ 1961 ዕጥቃዊ ቃልሱ ብጅግና እድሪስ ሐምድ ዓዋተ ብምብጋስ ነቲ ገዚፍን ምሉእ ዕጥቂ ዝሐዘን ጸላኢ ንምግጣም ኣብ ጎቦታት ኣዳል ዕጥቃዊ ቃልሱ ብምጅማር ንገዛእቲ ደርብታት ዘሰንበደ ፈላሚ ዕጥቃዊ ቃልሲ’ዩ ኔሩ።

ገዛእቲ ሓይልታት ንዝተበገሰ ዕጥቃዊ  ቃልሲ ንምቁጻይን ንምንብርካክን ዝካኣሎም እካ እንተገበሩ ንቓልሲ ውጹዕ ዝዓግት ሓይሊ ስለዘየለ ግን ህዝቢ ኤርትራ  ንመሰሉን  ናጽነቱን ብዝለዓለ ናህሪ ንሜዳ ክውሕዝን  ኣንጻር ገዛቱን ዓመጽቱን ሓይሉ ኽቃልሰ’ዩ ተራእዩ። እቶም ብዝተፈላለየ ዓሌትን ሃይማኖትን ክፋፊሎም ኣንጻር ወጽዕኡን መሰሉን ደው ከይብል ሜላታትቶም ዝጥቀሙ  ዝነበሩ  ገዛእቲ  ሐይልታት ህዝቢ ኤርትራ  ብዓሌትን ፤ብሃይማኖት ይኩን በኣውራጃ ሐደ ዘይፋላለ ስሙር ህዝቢ ምኻኑ ብቃልሱ ኣረጋጊጹሎም’ዩ። እቲ  ብውሑዳትን ብደሑር ብረትን  ዝጀመረ ቓልሲ ብዓሰርተታት  ኣሸሐት  መንእሰያትን ደቂ ኣንሰትዮን ንሜዳ ብምውሐዝን ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ዓቅምታቱን ውደብኡን ብምሕያል ንጽላእቱ ዘይስገር ዓርሞሽሽ ሓይሊኾይኑ ምስ ረከብዎ፡ ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ገዛእቲ ደርብታት ንሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ምሕራድን ዓድታት ኣብ ምቕጻልን ተዋፊሮም።እቲ እኩይባርባራዊ ግፍዕታቶምግን ንህዝቢ ኤርትራ መሊሱ ንቓልሲ ክሓንን እዩ ጌርዎ።

እንበኣርከስ ውጽኢት ናይ እቲ ሕኑንን ጽኑዕን፣ ቃልሲን ረዚን፡ መስዋእትን ‘ዩ ድሕሪ 30 ዓመት መሪር ተጋድሎ ናጽነቱ ብምርግጋጽ ወናኒ ሃገሩ ክከውን ዝበቅዐ። እዚ ብመሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ዝተረጋገጸ ናጽነት እምበአር’ዩ ሎሚ በቲ ዓማጺ ሰርዓት ተጨውዩ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማንም ግዜንላዕሊ ሰብዓዊ መሰላቱ ተነፊግዎ ካብ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝመረረ ሕሰም መነባብሮ፣ሰደት፣ሞትን፣ማእሰርትን ኣብ ሐራ ዝብላ መሬቱ ብገዛኢ ደርቢ ወዲ ሃገር ሓሳረ መከርኡ ዝርኢ ዘሎ።እዚ ንምግላጹ ዘጸግም መከራ ነቲ ብሂወቱን ንብረቱን ሰውርኡ  ሐብሒቡ ሃገራዊ  ናጽነት ንክረጋገጽ  ዘይደኣደነ  ዋጋ ዝከፈለ  ህዝቢ  ዘይጻሙን  ዘይሞስኡን  ኣብ ክንዲ ቅሳነትን ራህዋን  ዝጸልመተ ሂወት ከሕልፍ ይግደድ ኣሎ።

ሐደ መስከረም ከነብዕል ከለና እንበኣር ንስል ዝክሪ ዘይኮነስ ካብ ታሪክ ናታ ጅግንነት፣ ትብዓት፣ሐድነት፣ ተወፋይነትን ትግሃትን ወሪስና ነታ ደበና ጥፍኣት ኣንጸላሊይዋ ዘሎ ሃገርና ብሓድነት ካብ ኣትያቶ ዘላ ጽንተት ከነድሕና ቃል እናትወሉ ዕለትዩ። ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ብራዕድን ሽቁረራን ቀይዱ ብምሓዝ ኣብ ዝባኑ ተሓንጊጡ ይነብር ኣሎ።እዚ ደም ውጹዓት ሰትዩ ዘይጸግብ ስርዓት ስዕረቱ ከም ኩሎም ገዛእቲ ኣያታቱ ዘይተርፎካ እንተኮነ ማዓልቱ ከይሓጽር እቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ (ደለይቲ-ፍትሒ) ዘሎ ዘይጥርኑፍ ኣካይዳን ዘይምጽውዋርን ተራ ምንዋሕ ስልጣን ህግደፍ ዓብይ ተራ ይጻወት ኣሎ። ስለዚ ሐድነትና ብምትራር ህዝብና ካብ ምንጋጋ ዓመጽቲ እነድሕነሉ ሰዓቱ ሕጂዩ ኢሉ መድረክ (ግዜ) ይጽውዓና ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኩሉ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ደላይ ለውጢ ኣብ በይ-ኤርያ ይኩን ካብ በይ-ኤርያ ወጻኢ ብሐባር ክሰርሕን ክዛተን ቅሩብነቱ እናገለጸ መጸዋዕትኡ’ውን የቅርብ!!
                        
ባሕቲ መስከረም ምስ ታርካዊ ክብራ ንዘልኣለም ትንበር!!
ህዝባዊትን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ብቃልሲ ውጹዓት ክትህነጽ’ያ!!
በይ- ኤርያ ኤርትራውያን  ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
01/09/16


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...