ዓለምላኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን

Global Initiative to Empower Eritrean Grassroots Movement

المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الارترية

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


 

ክፉት ደብዳበ ንኹሎም መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት

 

ሃቐና ናይዚ ክፉት ደብዳበ’ዚ ነቶም ኣስማቶምን ኣድራሽኦምን ክንረኽቦ ዘይከኣልና መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት ንምብጻሕ እዩ። ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ደብዳበ ናብ አብ ታሕቶ ተጠቒሶም ዘለዉ 20 መራሕቲ ውድባት ተላኢኹ’ሎ።

 

ርእሰ ጉዳይ፡ ሕዝቢ ዝሰረቱ ህዝባዊ ቃልሲ (Grass-Root Movement) ንደምዳሚ ዓወት

 

ኣቐዲምና ሕውነታውን ሃገራውን ሰላምታና ነቕርበልኩም።  ብምቕጻል፡ ንምድሓን ህዝቡኹምን ሃገርኩምን እትገብሩዎ ዘለኹም ተወፋይነት ከነመስግነኩምን ከነድንቐኩምን ንፈቱ።

ሎሚ ነዛ ደብዳቤ ንጽሕፈልኩም ዘሎና ናይ ውድብኩም ምሉእ ደገፍን ምትሕብባርን ን ዓለምላኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን (ዓለምላኻዊ ተበግሶ) ብትሕትና ንምሕታት እዩ። ናይዚ ተበግሶ`ዚ ዓላማ ንኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ምምሓው ናይዚ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት እጃሞም ንኸበርክቱ ዘኸእሎም ባይታ ምጥጣሕ እዩ። እዞም ነዚ መልእኽቲ እንልእከልኩም ዘለና ግዱሳት ዜጋታት ፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ክቐውም ንእምሞ ዘለና መሪሕነት ንምቅልጣፍ ንነጥፍ ዘሎና አሳለጥቲ ደኣ እምበር ፡ ድሮ ውክልና ወይ ስልጣን ዝሓዝና ሰባት ወይውን ስልጣን ናይ ምሓዝ ድልየት ይኹን መደብ ዘለና ከምዘይኮና ከነነጽር ንፈቱ።

ናይዚ ተበግሶ`ዚ ታራን እማመን ኣተገባብራ ምምራጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ፡ ብከባብያዊ ምንቕቓሕን ጎስጓስን ጀሚሩ አብ ኩሉ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ኤርትራውያን ዝርከቡሉ ከተማታት/ከባቢታት ብህዝቢ ዝምረጹ ሕጋውያን ወከልቲ ብምምራጽ ፡ እቶም ናይ ከባቢታት ወከልቲ ተኣኪቦም ናይ ሃገር ወከልቲ ይመርጹ፡ ብድሕሪኡ ብደረጃ ክፍሊ ዓለም ፡ አብ መወዳእታ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ናይ ምቛም መስርሕ ምስላጥ እዩ።  

ዕማም ናይቲ ብህዝቢ ዝቐውም ዓላምለኻዊ መሪሕነት ፡ ምስ ፖለቲካውያን ውድባትን አብ ኤርትራ ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ብምትሕብባር ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ፡ ነቲ ዘሎ ውልቀምልኪ ብምልጋስ ናብ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዘሰጋግረና መደብ ዕዮ ምንዳፍ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኩሉ ተጻቦኦታት ብጽንዓትን ሓቦን ተጋዲሉ ናጽነቱ ዝጨበጠ ሓያል ህዝቢ እዩ። ሎሚ ድሕሪ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ብልጽግትን ምዕብልትን ኤርትራ ዝርእየሉ`ምበር ሕሰም ዝበራረየሉ ጊዜ ክኸውን ኣይምተገበአን። እንታይሞ ይገበር፡ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፡ ህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ስለዘይጠዓሞ ናብ እግሩ ዝመርሖ ብብዝሒ ይስደድ ኣሎ። መንእሰያትና፡ ቆልዓ ሰበይቲ ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣደዳ ሞትን ስቓይን ይኾኑ ኣለዉ። ሃገር ባዲማ ኣብ ኣዚዩ ዘሰክፍ ሓደጋ ወዲቓ ኣላ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ እዋን፡ ዝኾነ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ንኹነታት ሃገሩን ሕሰም ህዝቡን እንዳረኣየ፡ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ስምዒት ከም ዘይብሉ ጉኡዝ ወይ ከም ዘይምልከቶ መሲሉ ካብ ማዕዶ ክዕዘብ ዘይትጽቢታዊ ተረኽቦ እዩ። ስለ ዝኮነ እዩ ድማ ብዙሓት ኤርትራዊያን፡ ብውልቂ ኮነ ብጥርኑፍ እንቢ ንምልኪ ኢሎም ምስ ደምበ ፍትሒ ወጊኖም እጃሞም ዘበርክቱ ዘለዉ። እዚ ተባዕ ተበግሶ ድማ ክነኣድን ክሰዓብን ዘለዎ ኣብነታዊ ስጉምቲ`ዩ።

ደምበ ፍትሒ ግን ስለምንታይ ክሳዕ ሕጂ ክዕወት ዘይከኣለ፧  እዚ ሕቶ`ዚ ኣብ ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ደላዪ ፍትሒ ኮይኑ ዝድዉል ግናኸ መልሲ ዘይተረኽቦ ዓቢ ሕቶ እዩ። እቲ ሕቶ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሰያስ ብሰንኪ ኣጽናትን ኣዕናውን ጨቋኒ ኣገዛዝኣኡ፡ ካብ ገዛእ ህዝቡን ማሕበረተሰብ ዓለምን ተነጺሉ ናብ ዘይተርፍ ውድቀት ተገማጊሙ ክነሱ፡ ስለምንታይ ክወድቕ ዘይከኣለ ዝብል እዩ። እምበኣር ነዚ ሕቶ ብሓባር ንኽንምልስ ኢና ተበግሶ ወሲድና ዘለና። መልሲ ናይዚ ሕቶ፡ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ኮረሻ ተወጢሑ ሸይሸይ ዝብል ዘሎ ኣብ ድልዱል ኣዕኑድ ስለዝቖመ ኣይኮነን፤ ብኣንጻሩኳ ደኣ ብዓለባ ሳሬት እዩ ተንጠልጢሉ ዘሎ፤ የግዳስ ደምበ ፍትሒ ነዚ ውልቀመላኺ ዝምሕወሉ ውጥናቱ ኣነጺሩ ብምትሕብባር ክቃለስ ስለዘይከኣለ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ብተናጸል ዝገበርናዮ ቃልሲ ዝሓሸ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ቀደም ምተዓወትና ሕሰም ህዝብና`ውን ሽዑ መብቀዐ ነይሩ። ስለዚ ካብዚ እንመሃሮ - ብተናጸል ሓይልና ብምምቕቓል ክመጽእ ዝኽእል ዓወት ዘይምህላዉ እዩ። ኣብዚ ድማ ኩልና ንሰማማዕ ይመስለና። ዕምሪ ናይዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣሕጺርና ንህዝብና ሓራ ከነውጽእን ንሃገርና ካብ ሓደጋ ከነድሕናን ብሕብረት ንለዓል።

እስከ ብምስትውዓል ንጠምት፣ ዝፈላሉዩናዶ ዘሕቡሩና ይበዝሑ፧ ዘሕብሩና’ባ። እቶም ናእሽቱ ዝፈላሉዩና ስለምንታይ ንኽበታቱኑና ቦታ ንህቦም፧ ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክህልዎ ናይ ግድን ድዩ፧ ሓደ ኣረኣእያ ክህልወና ኢልካ ምሕሳብ ዘይኩውንነታዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ተደላይ`ውን ኣይኮነን። ከመይሲ ፍልልያትና ጽባቐናን ብርታዐናን እንበር ምልክት ድኻምና ክኸውን ስለ ዘይግብኦ። ድኻም ዝኸውን ግን ፍልልያትና ዓቂብና ናይ ሓባር ራእይን ዕላማን ምስ ዘይህልወና ጥራሕ`ዩ። 

ኩላትና እንኣምነሉን ንኹሉ ኤርትራዊ መፍትሒ ዝኸውንን፡ ህዝቢ ባዕሉ ተኻቲዑ ኣብ ዘጽድቖ ቅዋም ዝስረት ዲሞክራስያዊ ስርዓት እዩ። ስልጣን ናብ ህዝቢ እንተ ወሪዱ፡ ኩሉ ሰብ ድማ ብሕጊ ተማእዚዙ እንተ ኸይዱ እንታይ ዘሰሓሕብ ኣለና፧ ቃልስናን ድልየትናን ስልጣን ናብ ህዝቢ ንኸነረክብዶ ኣይኮነን፧ ስልጣን ብህዝቢ እንተተወኒኑ ልዕልና ሕጊ እንተ ነጊሱ፡ ኩለን ሰልፍታት ብመሰረት ሕጊ ምርጫ ብሉጽ ዝብለኦ ሃገራዊ ፕሮግራመን ሒዘን ናብ ህዝቢ ክቐርባን ክወዳደራን ምቹእ ባይታ ክፈጥረለን እዩ። እዚ ክኸውን ግን፡ መጀመሪያ እዚ ስርዓት ክእለን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከልን ኣለዎ። እዚ ማለት ግን ፖለቲካውያን ውድባት ፈጺመን ይሕቀቓ ማለትና ዘይኮነስ ፡ አብዚ እዋን’ዚ ኩሉ ዓቕምና ናብቲ ወሳንን መጀመርያ ክኸውን ዘለዎን ክቐንዕ ኣለዎ። ነዚ ክንገብር ግን ኣብ መንጎና ምርድዳእ፡ ግሉጽነት፡ ታሓታትነት፡ ሓድሕድ ምጽውዋርን ምክብባርን ፡ መሳርሒ ቃልስና ብምግባር ከነማዕብሎም ኣዚዩ ከድለየና እዩ። 

እምበኣር፡ ኣሳለጥቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ነዚ እዋናውን ታሪኻውን ዝኾነ ሕቶ ምሳኹም ንምምኽኻር ኢና ተበግሶ ወሲድና ኣብ ምንቅስቓስ ንርከብ ዘሎና። እቲ መፍትሒ ኢልና ንእምሞ ዘሎና ሓሳብ፡ ኩሉ ሰብ ዝሳተፎ ህዝባዊ ቃልሲ (grass-root movement) ንምልዕዓል እዩ። ህዝቢ ዝሰረቱ ሰፊሕ ምንቅስቃስ ንዝተበገሰሉ ዕላማ ኣብ ዝሓጸረን ብዉሑድ ንዋትን  ሸቶኡ ክሃርም እንተ ኾይኑ ግን፡ መጀመርያ በብኸባቢኡ ክነቅሕን ክውደብን ኣለዎ። ህዝብና ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ስለ ዝርከብ፡ ንጥፈታቱ ብኸባቢያውን ዓለም ለኻውን ደረጃታት ክወሃሃድን ክምእዘንን ብግዲ ከድሊ እዩ። ነዚ መፍትሒ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልና ዝኣመምናዮ ድማ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ (bottom - up) ዝዝርጋሕ መሳርዕ መሪሕነት እዩ። 

ህዝቢ በብኸባቢኡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ወከልቱ ክመርጽ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብወከልቲ ህዝቢ ዝምረጽ ዓለም ለኻዊ መሪሕነት ክቐውም እዩ። እዚ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ ምንቅስቓስ ብምምራሕ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበር ስዉር ምንቅስቓስ ተሳንዩ ንሓደ ዕላማ ከምዝሰርሕ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ። በዚ መገዲ ድማ ዕድመ ምልኪ ኣሕጺርና ንሃገርና ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብምስግጋር ፡ ህዝብና ፍረ ጻምኡ ክረክብ ተቓወምቲ ሰልፍታት ድማ ተወዳዲረን ስልጣን ንኽሕዛ ጥጡሕ ባይታ ክህልወን እዩ።

ነዚ ዘይተርፍ ሽቶ ንምህራም፡ ጉዕዞ ቃልስና ቀሊል ከምዘይኮነ ኣጸቢቕና ንግንዘብ ኢና። እንተኾነ ግን ቃልስና ካብ ህዝብና ዝምንጩን  ብህዝብና ዝዕየን ንረብሓ ህዝብና ዝውዕልን ክሳዕ ዝኾነ፡ ዓወትና ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሕሉፍ ታሪኽና ዘረጋግጾ ሓቂ እዚ ስለ ዝኾነ። 

ትሕዝቶ መልእኽትና ከምዘለዎ ንምርድኡ ምእንቲ ክጥዕመኩም : እማመና ምስ`ዚ ደብዳበ ኣተሓሒዝና ንልእከልኩም ኣለና። ዝኾነ ይኹን ርእይቶ ወይ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ለኣኹልና፤ ብወገንና ቅልጡፍ ምላሽ ክንህበሉ ኢና። እማመና ንምንባብ ኣብዚ ዝስዕብ መላግቦ ጠውቑ።

http://assenna.com/an-urgent-call-to-all-eritreans-worldwide/

ኣብ መወዳእታ፡ ብስም ኣሳለጥቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ፡ ደገፍኩም፡ ተሳትፎኹምን ኣበርክቶኹምን ብእኽብሮት እንዳ ሓተትና፡ ምሳኹም ብምትሕብባር ንኽንሰርሕ ድሉዋት ምዃንና በዚ ጽቡቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።  

ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ!!!

ዓለምለኻዊ ተበግሶ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...