``ዘተ ብሓባር ናይ ምሕሳብ ጥበብ ኢዩ።`` ዊልያም ኣይዛክስ(MIT)

*********

ዕዉት ምኣዲ ዘተ ምስ ኣሳለጥቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ!

ሓምለ (July) 15: 2016

*********

                       

 ዝኸበርኩም ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡-

ብመሰረት`ቲ  ኣቐዲምና ኣብ ኣሰናን ኣዝማሪኖን ዘርጊሕናዮ ዝነበርና ናይ ምኣዲ ዘተ ዕደመ፡

ኣብ ዕለት ሓምለ 9፡ 2016 ኣብ ቦስቶንን ከባብን ናይ ዘካየድናዮ ምኣዲ ዘተ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ነቕርበልኩም። ድኻሞም ከይጸብጸቡ፡ ንዕድመና እኽቢሮም ዝመጹ  ኣጋይሽና - ኣሳለጥቲ  ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ -  ክብርትን ክቡራትን - ወ/ሮ ተኽኣ ዮውሃንስን፣ ፕሮፈሶር ኣርኣያ ደበሳይን፣ ኣቶ ተወልደ ስእላይን ኢዮም  ነይሮም።

ኣጋይሽና ካብቲ ናይ መደብ ጊዜ ቅልጥፍ ኢሎም ስለ ዝመዙ ምስ ዝጸንሑ ተሳተፍቲ ናይ ምልላይን ዕላልን ዕድል  ብምርካቡ፡ ነት መደብ ዘተ ፍዅስ ዝበለ መንፈስ ከስርጸሉ ክኢሉ`ዩ። ናብ ቀንዲ ኣርእስቲ ዘተ ቅድሚ ምእታው፡ ኣጋይሽና  ኣገዳስነትን ኣድላይነትን ምቛም ማእከላት ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ንኹሉ ርዱእ ምዃኑ ብምጥቃስ፡  ኣብ ቦስቶንን ከባቢኡን እንርከብ  ኤርትራውያን ነዚ ተኣኪብናሉ ዘለና ማእከል ማሕበረ ኮም ከነቕውምን ከነካይድን ምኽኣልና ዘሕብን ስራሕ ምዃኑ ሞራል ዝህብ ርእይቶ ኣስኒቕሙና።

ከምቲ ኣብ ሰነ 23፡ 2016 ካብ ኤውሮጳ ልዕሊ 10 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ ዘካየዱዎ ሰላማዊ ሰልፊ ንፍትሒ፡ ከምኡ`ውን ኣብ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዝተራእየ ምብርባር ቃልሲ፡ ምስ ተበተነ ንኸይዝሕል ኣብ ዘዝነብረሉ ከባቢታት ተጠርኒፉ ምቓጻሉ ኣድላይነቱ ን ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ዝምልከት ምዃኑ`ውን እዚ ኣብ ቦስቶን ዝተኻየደ ዘተ ዝሕብሮ መንፈስ ኢዩ።

ኣጋይሽና በብወገኖም፡ ናይቲ ምሸት ኣርእስቲ ዘተ ዘተኲረሉ፡  ብመሰረቱ ሃገርና ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ከቢድ ዓዘቕቲ ነጻ ንምውጻእ ዝዓለመ፡ ብባህሪኡን ትሕዝቶኡን ውጹእ ኣካል ናይ ፖለቲካዊ ምንቅስቅስ ኾይኑ፡ ሃገርና ንምድሓን ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ሓላፍነት ምዃኑ ጸቒጦሙሉ። ልክዕ፡ እቲ ሎሚ እንዝትየሉ ኣርእስቲ ሓዲስ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ብሰሪ`ቲ ንዓለም ዘናወጸ ናይ ላምፓዱሳ ህልቂት ኤርትራውያን ኣደታት ምስ ቆልዑን ህጻውንትን ደቀንን፡ መንእሰያትን ዝሰዓበ፡  ነፍሲሄር ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም  (ወዲ ቫካሮ) ኣብ ሓጺር ጊዜ ውዕዉዕ  ጐስጓስ ኣብ አውሮጳን ኣመሪካን ብምክያድ፡ ኤርትራዊ ኣብ ዘዘሎዎ ተወዲቡ ኪቃለስ ከም ዝግባእ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ`ዩ።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኸኣ በዚ መንፈስ`ዚ ተደሪኹ፡ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተኻእለ መጠን  ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንኸኸትም፡ ኤርትራውያን ኣብ ዘዘሎናዮ ቦታ ብንጥፈት ክንዋሳእ መንገዲ ዝጸርግ ኣወዳድባ ምዃኑ ኣብሪሆም።   ዕላማና ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስቓይ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ኣብ ምኽታሙ ክንሕግዞም ድኣ`ምበር፡ ናይ ውድባትን፡ ሰልፊታትን በርጌሳውያን(ሲቪካውያን) ማሕበራትን ጻዕሪ ከነዳኽም ኣይኮናን ኢሎም።  ዓለምለኻዊ ተበግፍሶ ንስልጣን ዝወዳደር ኣካል ዘይኮነ፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ናይ ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ ዘሳልጥ(ዘሳሲ) ምንቅስቓስ ከም ዝኾነ ገሊጾም።  ነዚ በብወገኑ ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶታት ምእንቲ ሸቶኡ ክወቅዕ፡ ንናይ ኩላትና ምንቅስቓሳት ዝጥርንፍ፡ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝተላዕለ ባዕልና ንመርጾን ምሉእ ድጋፍና እንህቦን መሪሕነት ክህልወና፡ ግዜ ዘይህብን ይጽንሓለይ ዘይበሃል ኣገዳስን ህጹጽን ጉዳይ ምዃኑ ጸቒጦም ተዛሪቦሙሉ።  

ንኣብ ወጻኢ ሃገራት ፋሕ ኢልና እንርከብ ኤርትራውያን ዝጥርንፈናን ዝመርሓናን ዓለምለኻዊ መሪሕነት ጊዜኡ ዝሓለፎ ኣገዳሲ ዕማም ኢዩ ብምባል፣ እዚ ብህዝቢ ዝተመርጸን ምሉእ ናይ ህዝቢ ድጋፍ ዘለዎን ሕጋዊ መሪሕነት ክመጸሉ ዝኽእል ኣገባብን  ብኸመይ ኪዕወት ከም ዝኽእልን፡ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ብኸመይ ክስገሩ ከም ዝኽእሉን፡ ሕመረት ናይዚ ምሸት ዘተና ምኻኑን፡  ሓሳባቶም ከካፍሉናን፡ ካባታትና ከኣ ሓሳባት፡ ምዕዶን ለበዋታትን ክሰምዑ ቅሩባት ምዃኖም ገሊጾም።

ንኣገዳስነት ናይ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኤርትራውያን ብዝምልከት፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ሃገርና  ኩላትና እንደልዮ ለውጢ ከነምጽእ ዘየኽኣለና ተጠርኒፍና ክንቀሳቕስ ብዘይ ምኽኣልና ምዃኑ ገሊጾም። ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዝሽከም መሪሕነት ንምምራጽ መጀመርታ ብደረጃ ከተማታት ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ዓለም እንርከብ ኤርትራውያን ኣብ ነንቕመጦ ከተማታት ተወዲብና ብዲሞክራስያዊ ኣገባባት ኩሎም ነቶም ኣብቲ ከባቢ እንነብር ኤርትራውያን ዝውክል መሪሕነት ክንመርጽ ከም ዝባእ ብዝርዝር ገሊጾም። - ኣብዚ ዝግበር ናይ ሓደ ከባቢ መራሕቲ ምምራጽ መስርሕ ኩሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኤርትራዊ ዝሳተፎ ንክኸውን ዓቢ ጎስጓስን ጻዕርን ክካየድ ይግባእ። ብፍላይ ከኣ ነቶም ናይ መርበብ ሓበሬታን ራድዮን ዘይጥቀሙ ዜጋታት ንምዕዳም ዕቱብ ዝኾነ ጽዕሪ ክካየድ ኣለዎ። ከከም ኣድላይነቱ ብዓረብ፡ እንግሊዝ፡ ትግረ፡ ትግርኛን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ቛንቋታት ተጠቒምና፡ ንኹሎም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ክንዕድምን፡ ኣገዳስነት ናይ ተሳታፍነቶም ክንገልጸሎም ከነረደኦምን ይግባእ - ኢሎም።

ቀጺሎም፡ ኣብ በብሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓባራውን ዲሞክራስያውን መንገዲ በብዘለዉዎ መራሕቶም ምስ መረጹ፡ ቀጺሉ ዘሎ ዕማም ወከልቲ ከተማታት/ከባቢታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ተኣኪቦም ብደረጃ ሃገር መራሕቶም ምምራጽ እዩ። ስዒቡ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ዝተመርጹ መራሕቲ ሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎ መሪሕነት ኤርትራውያን ኣብ ክፍለዓለም ኤውሮጳ ይመርጹ። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ ዝርከብዎ ሃገር ሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎም መራሕቶም ይመርጹ -ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ወከልቲ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜርካ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤስያ፡ ኣውስትራልያ፡ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሚርካን ኣባላት መሪሕነት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ይመርጹ።

ንሓላፍነት ናይ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኤርትራውያን ኣብ ውጻኢ ሃገራት ብዝምልከት ዝሃቡዎ መግለጺ ከምዚ ይብል፡- ሓላፍነት ናይ ዓለምለኻዊ መሪሕነት፡ ምስ ፖለቲካውያን ናይ ተቓውሞ ውድባት፡ ብምስጢር ከኣ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ብምምይያጥ፡ ከምኡ`ውን ካልኦት ኣድማዕቲ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብምጥቃም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እዚ ጨቋኒ ስርዓት ከቢድ ጽቕጢ ክገብር ድፍኢታት ገይሩ፡ ን ዘድሊ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ይጽዕር። ብተወሳኺ ፡ ብ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ዝቖመ ጉጅለ መጽናዕቲ ኣድላዩ ምርምርን መጽናዕትን ብምክያድ ጠቐምቲ ዝተባህሉ ምኽሪ- ሓዘል ጽሑፋት ብምቕራብ ክተሓጋግዝ ትጽቢት ኣሎ። ዓለምለኻዊ መሪሕነት ብስም ኩላትና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ይኹን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ክጣበቕን ክማጎትን ትጽቢት ናይቲ ዝመረጾ ህዝቢ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ብመንገዲ ሰፊሕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ (lobbying) ሓገዝ ናይ ኩሎም ዓቕሚ ዘለዎም ውዱባትን ሃገራትን ብስም ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን ኣብ ምሕታትን ምውሓስን ኣድማዒ ተራ ከም ዝጻወት`ውን ነኣምን - ብምባል መግለጺኦም ዛዚሞም።

 ድሕሪ`ዚ  መድረኽ ንሕቶታትን ርእይቶታትን ተኸፊቱ፡ ብውዕዉዕ ተሳትፎ፡ ብዛዕባ ምስ ውድባትን፡ ሰልፊታትን፡ በርጌሳዊ ማሕበራትን፡ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምስ ዘለዋ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ሓቢሩ ንኽሰርሕ ዝገበሮ ጻዕርታት፣  ኪህሉ ዝኽእልን ዝግብኦን ናይ ስራሕ ዝምድናታት ንዝቐረበ ሰፊሕ ሕቶታት መልሲ ተዋሂቡ ተሳተፍቲ ምስ ዓገቡ፣ ጠቓሚ ርእይቶታት ድሕሪ ምቕባል፡ ብምዉቕ ምስጋና ነጋይሽ፡ መደብ  ምኣዲ ዘተ ተዛዚሙ።

ስዉኣትና ብትንሳኤ ሓርነት ህዝቢ ይደበሱ!

ምልኪ ይፍረስ!

ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ!!

እዚ ዝስዕብ ልቦና  ኸኣ ኣብ ልብና የሕድሮ፡-

“I prefer to be a dreamer among the humblest, with visions to be realized, than lord among those without dreams and desires.” Khalil Gibran

The optimist sees the rose and not its thorns; the pessimist stares at the thorns, oblivious of the rose.Khalil Gibran

“Keep me away from the wisdom which does not cry, the philosophy which does not laugh and the greatness which does not bow before children.” Khalil Gibran


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...