ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም አብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ

እቲ መስዋእትን ስንክልናን ብሉጻት ደቂ ሃገር ዝሓተተ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተጸበዮ ሰላምን ራህዋን አየጨበጦን ፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብ እዋን ባዕዳውያን ገዛእቲ ከማን ርእዩዎ ዘይፈልጥ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ተፈድዩ ይርከብ። አብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ፤ ሓዘንና ፡ ሞትና ፡ ስቓይና ፡ ማእሰርትና ፡ ስደትና ፡ መከራና ሳዕሪሩ ፤ ኩሉ ነገር ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ኣሎ ፤ እነሆ ክብርና ተቐንጢጡ ፡ መሰልና ተጋሂሱ ፡ንብዓት አደ ንውላዳ ኮይኑ ዘመኑ። ቁጠባዊ ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ሰብኣዊን መሰልና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጅሆ ተታሒዙ። ሕድሪ ስዉኣት ተጠሊሙ : ወርቃዊ ዕድል መንእሰያትና ባኺኑ ፡ ገጠራት ኤርትራ ባዲሙ ፡ ወላዲት ወላድ መኻን ኮይና ፡ ቤተሰባት ጸኒተን:: ጭካነ ስርዓት ህግደፍ ቃልዕ ወጺኡ እነሆ ቅንጸላ መንእሰያትና ካብ በረኻ ናብ ከተማ ኣስመራ ኣትዩ ደም ንጹሃት መንእሰያት ኣብ ቅድሚ አዴታቶም ኣብ ጎደና ኣስመራ ክፈስስ ተራእዩ። ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ዓለም’ውን ተራእዩ አይፈልጥን።

ነዚ ኩሉ ኢሰብኣዊ ፍጻሜ ኣብ ኣስመራ - ሳህራ - ማእከላይ ባሕሪ እንዳሰማዕና ስቕ ክንብል ታሪኽ ክሓተናዩ። “ኣነ እንተዘይተበጊሰ መን’ዩ ክብገስ፡ ጉዳይ ሃገረይ ኣነ እንተዘይጌረዮ መንዩ ዝገብሮ፡ ሎሚ እንተዘይጌረዮ እሞ ማዓስ ክዓሞ” ንበል ከምቀደምና። በቲ ሓደ ወገን ድማ ሰላማዊ ሰልፊ ደገፍ ንመርማሪት ኮሚሽን አንጻር ኢሰብኣዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣፍደገ ቤት/ጽ ሕቡራት ሃገራት አብ ጀኔቭ ፡ ኒውዮርክን ካለኦት ከባቢታትን ደላይ ፍትሒ ብኣሻሓት ተሰሊፉ ኣብ ክንዲ እቲ ውጹዕ ህዝቡ ኮይኑ በቲ እምባ ዝስንጥቕ ድምጹ ብዓውታ “ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ” ክብል ምስረኤኻ/ሰማዕካ ኣንታ እዚ ህዝቢ ዘበግሶ እዩ ስኢኑ እምበር ታሪኽ ክቕይር ይኽእል እዩ የብለካ።

ዝኸበርኩም ሰብ ሕልና ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ወድዓዊ ክውንነት ብምብጋስ ፡ ንሕና ቃንዛ ህዝብና ዝተሰማዓና ቁስሊ እዛ ሃገር ዘቐንዘወና ካብ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ዝመጻናን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላተ ዓለም ንነብርን ተቓለስቲ ኤርትራውያን ኢና። ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ደገፍቲ ናይ  - ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ (grass-root movement) ኢና።  “ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ “ ወይ Global Initiative To Empower Eritrean Grassroots’ Movement (GIEEGM)” ተባሂሉ ዘሎ ግዝያዊ ናይ ስራሕ ስምና ከምዘነጽሮ ፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቃስ (grass-root movement) ምስኩለን ፖለቲካውያንን ዘይፖለቲካውያንን ማሕበራት ብሓባር ብምስራሕን ንኹሎም ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ  ብምስታፍን፣ ምልኪ ብምልጋስ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ከረጋግጽ ዝኽእል  - ዝሰለጠ መንገዲ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና።  

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት አዋርሕ ሰሙናዊ ብመራኸቢ ቴክኖሎጂ ተጠቂምና ክንላዘብን ክንመኻኸርን ድሕሪ ምጽናሕ ከም ኣሳለጥቲ ኮይንና ኣብ ቀረባ እዋን ንኹሎም አብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን “ካብ ታሕቲ ንላዕሊ” ዝመሰረቱ ብናይ ሓፋሽ ህዝቢ ተሳትፎ ፡ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንኽመርጽ ዝጽውዕ ሰነድ ከነቕርብ ኢና። ስለዚ “ካብ ህዝቢ ንህዝቢ” ክኸውን መታን ነዚ እነዳልዎ ዘሎና ሰነድ ሓፋሽ ህዝቢ ክሳተፎ ስለዘለዎ ኩልኹም ደለይቲ ፍትሒ ነቲ አብ ቀረባ እዋን እንልእከልኩም ሰነድ አንቢብኩም ክታምኩም ከተንብሩሉ ብትሕትና ንጽውዕ። እቶም ብዝተፈላለየ ርዱእ ምኽንያት ክታምኩም ከተንብሩ ዘይትኸሉ ከኣ ጠለብኩም ተረዲእና አስማትኩም ዓቂብና ኩሉ እትገብሩልና ደገፋት ብስቱር ክንሕዞ ምዃንና ቃል ንኣትወልኩም። እቲ ብህዝቢ ዝቐውም ዓለምለኻዊ መሪሕነት ምስ ፖለቲካውያን ውድባትን ካለኦት ጥርናፈታትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ባይታ ምፍጣርን ምእላይ ናይቲ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምቅልጣፍን ደኣ እምበር ንውድባት ወይ ካለኦት ጉጅለታት ናይ ምትካእ ዓላማ የብሉን። ተበግሶና ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን፣ ኣብ መጻኢ ስልጣን ናይ ምሓዝ ሕልሚ’ውን የብልናን። ዕላማና  ካብ ምስላጥን ምቛምን ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ ኣህጉራዊ መሪሕነት ኤርትራ ዝሓልፍ ኣይኮነን።

እቶም ክታምኩም ብምንባር ይኹን ብኻልእ ሸነኽ ክትተሓባበሩ ፍቓደኛታት ዝኾንኩም እቲ ክንዝርግሖ ንቀራረበሉ ዘሎና ሰነድ ቅድሚ ምፍናውና ከተንብቡዎን ናይ ምምሕያሽ ርእይቶኹም ንኽትህቡና ክንልእኸልኩም መእታን በዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትረኽቡና ብትሕትና ንጽውዕ። ዝኾነ ሕቶ እንተሃልዩኩም ወይ መብርሂ እንድሕር አድዩኩምውን በዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትውከሱና ብትሕትና ንሓትት።

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

ዝርዝር ኣስማት ኣባላት ሓይሊ ዕማም

ስም

ከተማ

ሃገር

-መይል

ኣሕመድ ብርሃኑ

ዋሽንግቶን ሲያትል

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

 This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ኣማኑኤል ኢያሱ

ለንደን

ዓባይ ብሪጣንያ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይ

ንውኣርክ፣ ደላዌር

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ኢራሂም መሓመድ

ኣምስተርዳም

ነዘርላንድስ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ዶ/ር ሰለሙን ገብረገርግስ

ለንደን

ዓባይ ብሪጣንያ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ተኽኣ ዮሃንስ

ኒውዮርክ

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!


                               نداء عاجل لجميع الارتريين في جميع أنحاء العالم


أيها الإخوة والأخوات،

نحن نكتب لكم  أن تكونو  طليعة دعوة لجميع الارتريين في المهجر للانضمام الى الحركة  الشعبية  التي تهدف لانتخاب القيادة العالمية الإريترية .

قد تحقق استقلال بلدنا بعد التكلفة الضخمة لمئات الآلاف من أبنائه وبناته. ولكن، لم يؤد إلى حياة أفضل للارتريين. بل على العكس تماما، كان الوضع أسوأ بكثير من أي وقت مضى.  في السنوات الأخيرة، التجربة الاريترية كانت واحدة من أسوأ في تاريخ العالم.

و لهذا من الضروري توحيد الاريتريين في المهجر لإنقاذ شعبنا وبلادنا. ومن المشجع أن هناك بالفعل ارتريين في أجزاء كثيرة من العالم الذي يتم تنظيمها أو يجري تنظيمها على المستوى الشعبي لإنقاذ شعبهم. من أجل أن تكون أكثر فعالية  يجب تنسيق هذه الجهود وتعزيزها من قبل القيادة العالمية المنتخبة ديمقراطيا. القيادة العالمية المنتخبة ديمقراطيا  ستنسق  وتوجيه الأنشطة على المستوى الشعبي. ونحن نعتقد أن عدم وجود مثل هذه الهيئة العالمية كان الحلقة الأضعف للمعارضة الإريترية. نحن بحاجة إلى إنشاء هذه الحلقة المفقودة الحيوي. وليس المقصود من هذه الهيئة العالمية لتحل محل أو إضعاف عمل الجماعات أو المنظمات السياسية. بل لإنشاء ارتباط بينهما وتنسيق وصياغة أنشطتهم لتحقيق نتائج ملموسة لإزالة النظام الدكتاتوري وتحقيق التغيير الديمقراطي لشعبنا.  

هدفنا الرئيسي هو توحيد جميع الارتريين في نضالنا الديمقراطي من أجل التغيير.  و مهمة تشكيل القيادة العالمية هي مسؤولية جميع الإريترية الذين هم على استعداد وقادرة على المساهمة في نجاح المهمة. هذا هو الغرض من دعوتنا المفتوحة لجميع الارتريين. فإن الأفراد الذين تظهر أدناه أسماء بمثابة قوة مهمة مؤقتة لدعوة الإخوة والأخوات الإريترية لدعم "نداء عاجل إلى جميع الاريتريين في جميع أنحاء العالم."

نحن نعتقد اعتقادا راسخا ان هذا هو أنجع السبل لتسهيل عملية توحيد الارتريين حتى نتمكن من انتخاب جماعي للقيادة  العالمية الشرعية. وسيكون دور القيادة العالمية يتمثل في إعداد الأساس لنقل إريتريا لتكون دولة ديمقراطية، وستبذل جهد كبير لإشراك جميع المنظمات المدنية الإرترية والجماعات، والأحزاب السياسية، والجماعات الإثنية واللغة والدينية، كلا الجنسين، والشباب، وغيرها.  ونحن نفهم أن التغيير سيأتي من داخل البلد، ونحن نعتقد ان تلك العناصر التغيير داخل البلد سيكون أكثر شجع  إذا كان كل الارتريين المحبة لعدالة بما في ذلك المنظمات المعارضة في الشتات هي موحدة والعمل معا.

 ونعتقد أن هذه الدعوة تدعو وتشجع جميع الأجزاء المكونة لمجتمعنا في المهجر.  وسوف تكون أكثر نجاحا إذا جميع  الارتريين في القارات الخمس نتكاتف لتوحيد طاقاتنا وجهودنا ونعتمد هذه الدعوة، ونصبح الموقعين على النداء.

وأولئك الذين لديهم أسباب وجيهة لعدم تقديم أسمائهم ، لديهم دور يلعبه في تحقيق نجاح الحركة الشعبية في مجموعة متنوعة من الطرق التي سيتم وصفها في رسالة الدعوة.

ونحن نطلب أولئك الذين هم على استعداد ليكون الموقعين على الرسالة في الاتصال بنا باستخدام عنوان البريد الإلكتروني هذا This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.. إذا كان لديكم أي أسئلة أو إذا كنت تحتاج إلى توضيح، لا تترددوا في الاتصال بنا.

هؤلاء على استعداد ليكونو الموقعين -  سيكون لديهم الفرصة لقراءة واقتراح التحسينات قبل صدور  الدعوة للجمهور.

من نحن؟

نحن الموقعين أدناه،  مجموعة متنوعة من الناشطين الاريتري من جميع مناحى الحياة مع خلفيات مختلفة تقع في أجزاء مختلفة من العالم. نحن نتكون أساسا من مختلف المجموعات الذين كانوا كمجموعة أو كأفراد، أنصار نهج من أسفل إلى أعلى ونشطاء من الحركة الشعبية. كما يشير اسمنا "المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الإرترية" (GIEEGM) "، ونتخذ هذه المبادرة لتمهيد الطريق أمام كل الإريتري للمشاركة في إحداث تغييرات إيجابية في بلدنا. ما جمعتنا  نحن على اقتناع   - بأن الحركة الشعبية من أسفل إلى أعلى  -هي الأكثر فعالية وديمقراطية إلى توحيد جميع الارتريين في إنهاء مشاكل بلدنا. نحن لسنا منظمة سياسية، وليس الدافع وراء مبادرة  و نحن لا نرغب في تولي دور القيادة . كل ما نقوم به هو لتسهيل انتخاب القيادات العالمية من خلال إشراك الارتريين في الشتات على المستوى الشعبي.

 فرقة العمل في ترتيب هجائي:

عنوان

بلد

مدينة

اسم

 This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

الولايات المتحدة

سياتل، واشنطن

السيد أحمد برهانو

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

المملكة المتحدة

لندن

السيد أمانويل اياسو

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

الولايات المتحدة

نيوارك ديلاوير

بروفسور ارايا دبساي

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

هولندا

أمستردام

السيد إبراهيم محمد

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

المملكة المتحدة

لندن

الدكتور سلمون جبرجرجويس

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

الولايات المتحدة

نيويورك

السيدة تخاء يوهانس

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...