ደወለ-ኤርትራ* (state of Eritrea) ንምድሓን   ዘጋጥሙ ከበድቲ  ዕንቅፋታት፤

ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ (ኤምሃዘ / EFND)

ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ምልክታት ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህዝባዊ ተሓታትነት ዘረጋግጽ  ቅዋማዊ ስርዓት ዘይምህላዉ አዩ። ዋላ’ኳ ኣብ መጀመርያ  ኣበጋግስኦም ህዝባዊ ደገፍ እንተረኸቡ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ብኩራት  ሕጋዊ - ልጓም ዲክትተራውያን ዘሰላስልዎ ነገራት ኩሉ ንውልቃዊ  ጠቕሞም ዘቕነዔ አዩ። ከም ናይ ኤርትራ ዝአመሰሉ ስርዓታት ተቃውሞ ምስ ዘጋጥሞም ከኣ፡  ኩሉ ኩነታት አቓልቦኦም ኣብ ምሕላው ስልጣኖም አዮም ዘሕልፍዎ። ኩሉ አቲ ሃብትን አቛሞ ሃገርን ንሓለዋ ስልጣኖም የዋፍርዎ። መታን ዝተመድመደ ቀጻሊ ሕይወት ስድራ - ቤቶም ከረጋግጹ ከኣ፡ ኣብ ዘረፋ ሃብቲ ሃገር ብምንጣፍ ናብ ናይ ወጻኢ ባንክታት ክዕሽግዎ ይጓየዩ። ውጺኢት ናይ’ዚ ኣሰቃቒ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምልኪ ከኣ ከርፋሕ ስእነት ፣ጉሉሕ ሰበአዊ ህሰትን  ህዝባዊ ውርደትን ናይ ህዝቦም ኮይኑ ይተርፍ።  ሎሚ ኤርትራ ምንጪ ስደተኛታት ኮይና ድሕሪ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ሳልሳይ መስርዕ ሒዛ ትርከብ። ናይ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ቀንዲ ምክንያት ከኣ አቲ መወዳአታ ዝሰኣነ ጽዑቚ ዝኾነ ሕድሕዳዊ ኩናት ዘምጽኦ ዲፍኢት ስደተኛታት አዩ። ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ’ተን  ዝተሓተ  ውሕስነት መግቢ  ዘመዝግባ ኮይና ደድሕሪ እታ  ብውግእ ሕድሕድ ትሳቐ ዘላ ደቡብ ሱዳን  ካልእይ  ቦታ ሒዛ ትርከብ። መንእሰያትና ብብዝሒ ዓዶም ዝገድፍሉን፥ ሃገርና ድማ ኣብ ቀጻሊ  ሕጽረት-ቀለብ  አትሳቐየሉ ዘላ አዋን ድማ ብአንጻሩ አቲ ስርዓት  ጓንጓ ዝኮነ መሳጢ “ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባሌ ይርኤ ኣሎ” ዝብልዎን፡ “ሃገርና ሰላምን ርግእትን ዝሰፈና  ሃገር አያ” ኢሎም ዘቃልሕዎን  መሰረት-ኣልቦ ዝኾነ ፖለቲካዊ ንድየት ጥራይ አዩ ክብሃል ዝከአል። ናይ ሃገርና ቤት-ማአሰርቲ መሊኡ፡ እሱራት ኣብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም  ክሶም ክሰምዑን ነብሶም ክከላኸሉን ኣብ ዘይክእልሉ እዋን፡  ሃገርና ሰላምን ርግአትን ዝሰፈና ሃገር እያ ክትብል አይከኣልን እዩ።   ተሓታትነት ናይ ጸጋታት ሃገርናን አዘረጋግሖኦምን ኣብ ዘይብሉ ስርዓት፡  ድኽነት ምቅላልን ርኡይ ምዕባለ ምክያድን ዝብልዎ ሞጎተ  መስመር ሕልምታቶም  ኮይኖም አዮም ዝተርፉ። እቶም ኣብ ወጻኢ (ድያስፖራ) እንቕመጥ ካብ’ቲ መሓውር ናይ’ቲ ስርዓት  ሪሒቕና  እንርከብ ዘለና ከአ ነዚ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ ሽግር ዓይንና ሰም አቢልና  ክንሓልፎ አይግባእን። ምኽንያቱ ህዝብና ግዝአት ኢትዮጵያ  ነጺጉ ነጻነት ከውሕስ ከቢድ መስዋእቲ  ዝኸፈለሉ ታሪኽ ስለዝኾነ ክንዕቅቦን ቀጻልነቱ ከነረጋግጾን ስለዘሎና አዩ።

ንነብሰ-አገልግሎት ዘትከሉ ዲክታቶርያውያን ዋላ’ውን ኣብ ስልጣን ከሎው አዕናዊ ባህርይ እንተሃለዎም፡  እቲ ዝኸፍአ ግን ድሕሪ ምውዳቅ እቲ  ስርዓት ዝገድፍዎ አሰካፍን ዘፍርሕን ኩነታት ተርእዮ ናይ ደወል-አልቦነት እዩ። ገለ  መለክዒ  ባህርያት ናይ ዲክታቶርያውያን ድማ ፡ ከም ምምሕድራዊ  ትካላት ንከይህነጹ ምዕጋትን  ነጻ  ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን  ማሕበራት ከይቆማ ምእጋድ እዩ።  ገታኢ ዘይብሉ ውልቀ-ምልክነት ንምስፋን  ከኣ ነተን ተሓንጊሮመን ዝመጹ ፖለቲካውያን ውድባት ከይተረፈ እውን የልምስወን። ንአብነት ህዝባዊ ግንባር (ህግደፍ) ባዶ-ድርዒ ናይ  ዝሓለፈ እንታይነቶም ኮይኖም ስለዘለው፡ ኣብ’ቲ ዲክታቶር ዝወስዶ ስልታዊ ውሳኔታት ክገብርዎ ዝኽእሉ ጽልዋ የለን። ስለዝኾነ ከአ ዲክታቶራት ኣብ ዝወድቁሉ እዋን ንህላወ ደወል ጎዳኢ ዝኾነ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ይፈጥሩ። ዝተፋላለያ ስርዒታት ናይ ደወል ጨናፍር መንግስትን ሓውሲ- ነጻ ኮይነን ሓላፍነት ወሲደን ክሰርሓ አይፈቕዱን። ንኹሉ ስልጣን ብምቁጽጻር ከአ ማእከል ናይ’ቲ ዝውሰድ  ውሳኔታት ይኾኑ። ስለ’ዚ ነቲ ደወልን መንግስትን ካብ ቁጽጽሮም ከምዘይወጽእ ይገብርዎ። ብኻልእ አዛራርባ ከም’ቲ ኣብ ሃገርና ንርእዮ  ዘለና ፡ ዲክታቶራት ባዕሎም ደወልን መንግስትን ይኾኑ። ኣብ ከም’ዚ ዝአመሰለ አታሃላልዋን ህሞትን ከአ ፡ እታ ዘይትተርፍ ሞት ቅልቅል ምስ በለቶም ከም’ቲ ኩሉ ጊዜ ንዕዘቦን ንርእዮን ፡ንደወልን መንግስትን ኣብ ሓደጋ  የውድቕዎ። ከም አብነት ከአ ናይ ሶማልያን ሊብያን ተመኩሮ አገደስቲ ናይ ቀረባ ትምህርቲ ክኾኑና ይኽእሉ። እቶም ኣብ ትሕቲ  ከርፋሕ  ህይወት፣ ሓሳርን ጭቖናን ናይ ዲክታቶራዊ ምልኪ ዝነብሩ አህዛብ ከአ መብዛሕትኡ ጌዜ ኣብ’ቲ ምስሞት ዲክታቶርን ምፍራስ ደወልን  ዝመጽእ አሰቃቒ ኩነታት ይወድቁ። ብዓይኒ ህዝቢ ደወል-አልቦነት ዝኸፍአ አታሃላልዋ ካብ’ቲ ናይ’ቲ ጨቛኒ ስርዓት አታሃላልዋ እዩ። ኣብ  ትሕቲ ደወል-ኣልቦነት ውሽጣውያን ሓይልታት ፋሕ ኢሎም ስለ ዝጓጃጀሉ ከኣ እታ ሃገር ናይ ዞባውን አህጉራውን ሓይልታት  ናይ ህድና ባይታ ትኸውን። ጥቕምታቶም ንምሕላው እቶም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ሞንጎ እቶም ዝተፋላለዩ ውሽጣውያን ጙጅለታት ሓዊ ይኣጕዱ’ሞ  ነታ ዝፈረሰት ደውላ ዳግመ ህንጸት  ክትገብረላ አጸጋሚ ይኸውን። ሓደ ሓደ ግዜ ከአ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ባዕላቶም ብዝመረጽዎም  ደቂ  ሃገር ኮራኹር ብምሻም ነታ ሃገር  ሓውሲ ግዝእቲ ሃገር ይገብርዋ።

ዋላ’ኳ ኣብ ትሕቲ  ዘፍርሕን  ሃዳድን ኩነታት ናይ ሃገርናን ደወልናን እንተሃለና፡  ኩሎም ጉዱሳት ደቂ ሃገር ክዛተዩን ደወልና ንምዕቃብ አድላዪ  ሓባራዊ ስምምዕ  ንክገብሩ አንጊህካ ምሕሳቡ ሕማቕ አይኮነን። ነዚ ንምግባር ብዝሕ ዝበሉ ኣገባባት መስርሕ ክህልው ይኽእሉ። ምናልባት እቲ ዝተሓተ ሓደጋ ዘለዎ ኮንደኾናዊ ንብሎ ምርጫ፤  ወተሃደር ንሓጺር መሰጋጋሪ መድረኽ ከም ሞግዚት ደውላና ኮይኑ ነቲ ስልጣን ምስ ዝሕዝ እዩ። ይኹን እምበር እዚ ተኽእሎ’ዚ ብዙሕ ሕቶታትን ስክፍታታትን ከምጽእ ይኽእል እዩ። ሓደ ካብ’ቶም ብዙሓት በዳሂ  ሕቶታትን ስክፍታታትን  ክኸውን ዝኽእል እንብሎ፡  ንደወል ንምድሓን እቲ ዘሎ ወተሃደር ኤርትራ ጥሙር ሓይሊ ኮይኑ ናይ ምቕጻል ዓቕሙ ዘሎ  ስክፍታታት እዩ። እቲ ካልኣይ ስክፍታ ድማ ፡ ወተሃደር ሓንሳብ ነቲ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ብፍቓዱ  የሰጋግርዶ እዩ። መልሲ ነታ ቀዳመይቲ ሕቶ ብሓፈሽኡ ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ እዩ። አቲ ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ ተስፋ ከኣ፡ ሓደ  ሓይሊ ንሃገር ነጻ ከውጽእን  ክከላኸልን ዓቢ መስዋእቲ ዝከፈለ፡ ናብ ናይ ሓለዋ ጸጥታ ዲክታቶር ኣይወድቕን ዝብል ተስፋ’ዩ። መልሲ  ነታ ካልኣይቲ ሕቶን ስክፍታን ግን ዝተሓላለኸ ከም ዝኮነ አይንስሕቶን። ሽሕ’ኳ እቲ ውድዕነት ዝመስል አይኹን’ምበር ፡ከም’ቲ ብ1985 ንፕረሲደንት ኑመሪ (ሱዳን) ዝገልበጠ  ጀነራል ሱዋር አል-ደሃብ፡ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዕልዋ መንግስቲ’ውን  እንተኾነ ስልጣን ናብ ህዝቢ ናይ ምስግጋር ተኽእሎ ክህሉ ይኽእል’ዩ’። ነዚ ብተግባር ንምትርጓም  ከአ እተን ክህልዋ ዝኽእላ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን  በርገሳውያን  ማሕበራትን ብሓባር ዳግመ-ውደባ ገይረን ፡ነቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብሓጺር ጌዜ ስልጣን ናብ ብህዝቢ ዝተመርጸት ኣካል  ንኸሰጋግሮ ተሪር ጠለባት ምስ ዝገብራ እዩ። ስለዝኾነ ከአ፡ መታን ኣብ ናይ ሓባር ባይታ ደው ኢለን ድምጺ ከስምዓ፡ እተን ዘለዋ ፖሊቲካውያን  ውድባትን በርገሳውያን  ማሕበራትን ነቲ ድኹም ፖሊቲካዊ ጠባያተንን ጐጃጃሊ አሰላልፈኤንን ክውግዳ ፍጹም አድላይነት አለዎ’። አብ’ዚ ጌዜ እዚ ብሰንኪ  ቀጻሊ ቁሩቁሳትን ውድባዊ ምፍንጫላትን ከስምዕኦ ዝኽእላ ድምጺ የብለንን። ኣብ ዲያስፖራ ዘለዋ በርገሳዋያን ማሕበራት’ውን እንተኾነ  ምእንቲ  ደወለ- ኤርትራ ንምድሓን ሓደ ጥርኑፍ ዓለም-ለኻዊ (global) ማሕበር ምቛም ከድልየን እዩ። ብሰንኪ ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት፡ ኣብ ዲያስፖራ ንቕመጥ ኤርትራውያን እንዳበዛሕና ንኸይድ አሎና። ስለዝኾነ ከአ ኣብ ፖለቲካን ቁጠባን ቀንዲ ጸላዊ  ሓይሊ ከይኮነ  ኣይተርፍን እዩ። እምብአርከስ ነቲ ብድሕሪ ምውዳቕ እዚ ስርዓት ዘሎ ንዝግበር ናይ ምስግጋር መንግስቲ ክነበርክትን ክንጸሉን ግቡእ  ውደባ የድልየና አሎ። ሰፊሕን ንኹሉ ሓቛፍን ዘይኮኑ ፡ ግን ከኣ ብእትደልዮም  ፖሊቲካውያንን  በርጌሳውያንን ማሕበራት መመሪጽካ  ዝግበር ኣኼባታትን  ዎርክሾፓትን  ንረብሓ ድሕነት ደወለ- ኤርትራ አይክውዕልን  እዩ። እቲ መተካእታ ዘይብሉ መስርሕ ንብሎ ፡ምቛም ሓያልን ስሙርን ዓለም-ለኻዊ  በርገሳውያን ማሕበራት  ኮይኑ፡ ነቲ ክህሉ ዘሎዎ  ናይ ውሽጥን ናይ ደገን በርገሳዊ ምትእስሳር  ምኹስኳስን እዩ። እዚ ማለትና ከአ ፡ ብኣጣቓላሊ ትንተናዊ መንገዲ፡ ነቲ ድልየት ህዝብናን፡ ነቲ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ህዝብና ንምዕቋብን  ውሕስነት ክረክብ  ሰፊሕ ሕቑፎ ዘሎዎ ስሙር ግንባር ናይ በርጌሳውያን ማሕበራት ምስ ዝህሉ’ዩ። ንዝርዝር መግለጺ ናይ መሰጋገሪ  መድረኻት ከአ ናይ ኤምሃዘ/EFND ጽሑፍ ተወከስ (አብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ተመልከት) ።

ሽሕ’ኳ ህዝቢ ኤርትራ ብጽንዓትን ብቖራጽነትን ንወለዶታት ተቓሊሱን ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉን ነጻነት ሃገሩ እንተኣዕቆበ፤ ኣብ መወዳእታ ግን፡ ካብ መግዛእቲ ነጻ ዘውጽእዎ መራሕቱ ከዲዖሞ እዮም። እብ’ዚ እዋን’ዚ ምውዳቕ ዲክታቶር ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳተቓረበ ይኸይድ ኣሎ። ምስኡ ጎድኒ-ንጎድኒ ዝኸይድ ድማ፡ እቲ ፈታንን በዳህን ኩነታት ደወልና ይቀላቐል ኣሎ። እዚ ምልክታት እዚ ንባዕሉ ካብ “ድርቅናን ንኡስ-ፍልልያትን” ነብስና ሓራ ከነውጽእ እሞ፡ ዓቕምታትና ጠርኒፍናን ፖለቲካዊ ምምዕርራያት  ጌርናን ደወልና ከነድሕን ንጥለብ ኣሎና። እምበእርከስ ፡ ኣብ ደወልና ከነዕቁበሉ ዘይንኽእል ኩነታት እንተድኣ በጺሕና፡  እቲ ንናይ  ሓባር ይኹን ንናይ ውልቀ ጠቕሚዝግበር  ናይ ፖለቲካዊ ወስአ ቦታ ክህልዎ ከም ዘይክእል ክንዝክሮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ስለ’ዚ እዩ ከኣ  EFND ንምምስራት ግሎባላዊ በርጌሳዊ ማሕበር ከም መሳርሒ ኮይኑ ከገልግል ቃል ዝኣቱ ዘሎ። ነዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ከኣ ብዙሓት በርጌሳውያን ማሕበራት ክድግፎኦ እየን ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣሎና።

ቅድሚ ሕጂ ብኤምሃዘ/EFND ዝወጹ ጽሑፋትን ናይ ዋዕላ ንጥፈታትን

http://www.asmarino.com/press-releases/1875-communique-of-the-exploratory-meeting-of-eritreans-for-facilitating-national-dialogue-

http://assenna.com/communique-no-2-eritreans-for-facilitating-national-dialogue-efnd-statement-of-clarification-regarding-our-mission/

http://assenna.com/communique-no-3-eritreans-for-facilitating-national-dialogue-efnd-january-27-2014/ 

Conference video https://www.youtube.com/watch?v=Rh-NWpy-wz0  (13 parts)

 EFND memorandum presented at the conference http://assenna.com/eritreans-for-facilitating-national-dialogue-efnd-proposed-platform-internal-working-memorandum-october-2014/ 

ምስ ኤምሓዘ/EFND ብ ኢመይል ንምርካብ በዚ ዝስዕብ ኢ መይል መልእክቲ ስደዱ: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.  

ታሕሳስ 18, 2015

*“ ደወል “   ዝተወስደ ካብ መዝገበ ቃላት ግእዝ-ትግርይና  ብገብረእግዚእ ኣድኃኖም (ዝተሓትመሉ ዓመት 2010)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...