ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት 2014 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ወከልቲ ጨናፍር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ጀርመን፡ ነቲ ብፈጻሚት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተዋህበ መምርሒ ጨናፍር ከም ዘለዎ ብምቕባል፡ ኣብ‘ቲ ብተወሳኺ ዝቐረበ „ንድፊ መምርሒ“ ዘትዮም ብምትዕርራይ ሓንቲ ምሉእ ሓላፍነት ዘለዋ ኣካያዲት ሽማግለ ኣቘሙ። ኣባላት ሽማግለ’ውን ኣብ ነንሓድሕዶም ብምምኽኻር ካብ መንጎኦም ኣቦ መንበር፦ ዶ. ታድዮስ ተስፉ፡ ም/ኣቦ መንበር፡- ሰዓድ ተስፈ፡ ዋና ጸሓፊ፡- ኢንጅ. ኢዮብ መዓሾ፡ ተሓዝ ገንዘብ፡- ሳልሕ መሓመድ፡ ሓላፊ ዜናን ሓበሬታን፦ መንግስ ገብረእየሱስ፡ ሓላፊ ባህልን ልምድን፦ ሰለሙን ገብረወልድ፡ ሓላፊ ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ተወሳኺ ንስራሕ ኣቦ መንበር ዀይኑ ምትሕብባር ሓው ዮሴፍ ገ/ማርያም ንክህልዎ ከምኡ‘ውን ኣብ ርእሲ‘ቶም ጉባኤ ዝመረጾም ተጠባብቕቲ ሰላማዊት ሃብተሚካኤልን ሓሓደ ኣባላት ካብ ንኡሳን ጨናፍር ኑርንበርግን ከለንን እሉምን ከም ተጠባባቅትን ኣማኸርትን ንክዀኑ ብምርድዳእ መሪጾም።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2014 ድማ፡ ብዛዕባ ኤርትርውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ዙል (Zuhl) ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ጨንፈር ጀርመን ተኻፊሉ። እዚ ብዛዕባ ኤርትራውያን መንእሰያት ንባዕሎምን ሃገሮም ገዲፎም ንክስደዱ ምኽንያት ዝዀነ ጉዳያትን ንምፍላጥ ብኣመሓደርቲ ቱሪንገን ዝተጸውዐ ሰሚናር‘ዚ፡ ካብ ናይ‘ቲ ቦታ‘ቲ ፖለቲካውያንን ኣመሓደርቲ ማዘጋጃ ቤትን ወከልቲ ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ሓለፍቲ ሆስፒታልን ሰበስልጣን ፖሊስን ዝኣመሰሉ ተኻፊሎምዎ ነበሩ።

እቶም ቀንዲ ኣቕረብቲ መደረ፡ ናይ ስደተይናታት ሓላፊት መንግስቲ ቱሪንገን ወይዘሮ ፐትራ ሀስንን ኣቦ መንበር ናይ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ጨንፈር ጀርመን ዶር. ታድዮስ ተስፉን ነበሩ። ክልቲኣቶም መደረኛታት ነቲ ዞባ‘ቲ ሓዲስ ዝዀነ ብዝሒ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያትን መንቀሊኡን ንምብራህን ነቲ ሰኣን‘ቲ ቅኑዕ ሓበሬታ ዘይምህላው ዘስዓቦ ክሳብ ከተማ ኤርፉርት ዘሊቑ ዝነበረ ሕማቕ ሃዋህው ብሓዲስ ንፋስ ንምልዋጡን ዓቢይ ኣበርክቶ ዝሃበ ነበረ።

 ዶር. ታድዮስ ተስፉ፡ ብዘይካ‘ቲ ግላዊ ስርሓቱ፡ ኣቦ መንበር ናይ‘ታ ወርሒ ግንቦት ብደማክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸት ኣካያዲት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ጨንፈር ጀርመን ከም ዝዀነን፡ እቲ ማሕበር ብመንን ከመይ ከም ዝቖምን እንታይ ዝበለ ዕላማ ከም ዘለዎን ድሕሪ ምግላጹ ብዛዕባ‘ቲ ንመንእስያት ኤርትራ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ንክኸዱ ዝደፋፍኦም ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ ኣስፊሑ ገሊጹ።

 እቲ ዘለዋ እስትራተጂካዊ ቦታን ሕርሻዊ ማእቶትን ከምኡ‘ውን ትሕቲ መሬት ዘለዋ ሃብትን ብዝግባእ ኣብ ጥቕሚ እንተ ዝውዕል፡ ኤርትራ ድኻ ሃገር ዘብላ ምኽንያት ከም ዘየለ ክሕብር እንከሎ፡ ሰኣን ግቡእ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ትምህርታዊ ስልጠናን ግን እዛ ሃገር ጭራ ኩለን ተሰሊፋ ከም እትርከብ ገሊጹ።

 ኣብ ሓደ ሃገር እቲ ወግዓዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንዅሎም ዕድሜኦም ካብ 18 ንላዕሊ ዝዀኑ ደቅተባዕትዮ ካብ 10 ዓመታት ንላዕሊ እንተድኣ ኰይኑ፥ ኣብ ሓደ ሃገር እቲ ምውዳእ ትምህርቲ ድሕሪ‘ቲ ዝወሃብ ወተሃደራዊ ተዓሊም ዝፍቀድ እንተድኣ ኰይኑ፥ ኣብ ሓደ ሃገር፡ ደቀንስትዮ ከም ኣገልገልቲ ጾታዊ ርክብ መዐንገሊ ወይ መርክኢ ጾታዊ ድልየታት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ዝዀና እንተ ዀይነን፥ ኣብ ሓደ ፍርቂ ኣስላም ፍርቂ ክርስትያን ዘለዉሉ፡ ንፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ዘለዎም ብምዕምጻጽ ናይ እምነት ነጻነት ጓና ኣብ ዝዀነሉን፡ እቲ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዝዕጸወሉን ሃገር፡ ራህዋን ቅሳነትን ክስፍን ምጽባይ ሕልሚ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ።   

 ስለ‘ዚ ድማ እቲ ጥምየት ኣይኰነን ንምስዳድ ደቀ ሰባት ካብ ኤርትራ ቀዳማይ ደፋኢ ዝዀነ ኵነት፡ እንታይ ደኣ እቲ ዲክታቶሪያዊ ባህርይን ጨቛኒ ምሕደራን እዩ እቲ ቀንዲ ምኽንያት። „ፕረሲደንትና“ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣይኰነን ዝምልሽ፡ እንታይ ድኣ ዲክታቶርያዊ ኣገባብ እዩ ዝጥቀም። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ „መንግስቱ“ ዘይምእማን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣዝዩ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።  ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ኤርትራ ይርገጽ ኣሎ። እቲ ዕድል ዝረኸበ ድማ ብኢንተርነት ዘይኰነስ ካብ‘ቲ ዘለዎ ክፉእ ናብራ „ኣብ ካልእ ዝሓሸ ምህላዉ“ ገሚቱ ካብ ዓዱ ክርሕቕ ይፍትን ኣሎ። ኣደዳ ነጋዶ ሰብ ብምዃን ብሕይወቱ ኣካላቱ ክሽየጥን ኣብ ምድረበዳን ክጸንትን፡ ነቲ ነዚ ሰጊረዮ ዝበለ ድማ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናናሳዕ ክጥሕል ይርከብ ምህላዉ ናይ 3. ጥቀምቲ 2013 ናይ ላምፐዱዛ ኵነታት ብዓቢኡ መስኪሩዎ ኣሎ እናበለ ኤርትራዊ ዝርከበሉ ሃዋህው ብሰፊሑ ገለጸ።

ዶር. ታድዮስ ተስፉ፡ ንስደተይናታት ኤርትራ ክግበርሎም ዝግብኦ ሓገዛት ካብ ሕክምናዊ ደገፋት ምሃብን ይኹን ምስ ናብራ ኤውሮጳ ክላለዩ ምትሕብባርን ክሳብ ኣብ ሓጺር እዋን ናይ ዑቕባ ሕቶታቶም ዝፍትሓሉ ኣገባባት ምሕጋዝን ዝኣመሰለ ከም ዝዀነ ኣብሪሁ። ነዚ ጉዳያት ብዝምልከት ድማ ብሸነኽ ኤርትራውያን ዝግበር ደገፍ እኳ እንተሎ ብወገን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ጨንፈር ጀርመን እውን ኣድላዪ ስጉምትታት ኪውሰድ ምዃኑ ሓቢሩ።

 

ክንዲ ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኢዮብ መዓሾ
ዋና ጸሓፊ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ጨንፈር ጀርመን

09.ነሓሰ 2014