ካልአይቲ ሕታም መቃልሕ ፎርቶ ካብ 1 ሕዳር ኣትሒዛ ኣብ አስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን ዝርጋሔኣ ከም ዝጀመረት ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እዛ ፈለማይ ሕታማ ኣብ 18 መስከረም 2013 ዝጀመረት መቃልሕ ፎርቶ ኣብ ህዝቢ ጽቡቅ ተቀባልነት ረኺባ ከምዘላን ህዝቢ ብሚስጥር የንብባን ይዛረበላን ከምዘሎ‘ውን ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ወሲኾም ይገልጹ። በዚ ኣጋጣሚ ዓርቢ ሓርነት ንኩሎም ደልይቲ ፊትሒን ራህዋን ኤርትራ ነዛ ኣብዚ ታሕቲ ትርከብ ሊንክ ዘላ ካልአይቲ ሕታም መቃልሕ ፎርቶ ናብ ኩሎም አብ ናትኩም ዓንኬል ዝርከቡ ኤርትራዊያን ደለይቲ ለውጢ ክትዚርጊሕዋን ክትተሓባበሩዋን: ነቲ ንምሕታም ዘድሊ ከቢድ ገንዘባዊ ወጻኢታት ኣብ ምሽፋን ብትክእልዎ ዓቅሚ ናብዚ ኣብ ታሕቲ ተመልኪቱ ዘሎ ናይ ፐይፓል ኣካውንት ወፈያኹም ብምስዳድ ክትተሓባበሩዋ ዓርቢ ሓርነት በዚ ኣጋጣሚ ትምሕጸንኩም። ብዝሒ ተሳትፎኹም ብብዝሒ ንክንሓትምን ክንዝርግሕን ሓጋዚ ይኸውን። ነቶም ክሳብ ሎሚ አብ ሮቦ-ኮል ምድዋል ይኹን መቃልሕ ፎርቶ ንምሕታም ሓገዝኩም ዘወፈኹሙላ ግዱሳት ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራውያንን በዚ ኣጋጣሚ ካብ ልቢ ተመስግነኩም።

15 ሕዳር 2013
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት

Click to Donate