ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ጕዕዞ ሃገራዊ ነጻነት ብኸምዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ምንቅስቓሳት ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ተለዓዒሉን ተንቀሳቒሱን ኔሩ ኢዩ። ብዝያዳ ከኣ ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ናይ ተመሃሮን መንእሰያትን ቃልሲ ነተን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዓጢቐን ምስ ጸላኢ ዝረባረባ ዝነበራ ናይ ክልቲአን ዉዱባት ዓቢ ናይ ቃልሲ ናህሪን ንዋታዊ ደገፍን ኣበርኪቶምን ተሳቲፎምን።

ስርዓት ኢሰያስን ህግደፍን ግን መንእሰይ ኣብ ክንዲ ክምዕብልን ክመሃርን ምግባር ቅሉዕ ተጻብኦን፣ ምጽናት መንእሰይን ሃገርን ክሳብ ሕጂ ተታሒዞሞ ይርከቡ። መንእሰይ ተስፋ ሰለዝቘረጸ ኢዩ ንዝፈትዋ ሃገሩን ቤተሰቡን ራሕሪሑ ሃጽ ኢሉ ናብ ስደት ከምርሕ ዝተግደደ። እንተዀነ እንኮ መፍትሒ ናይ’ዚ ጸገማት እምበኣር ሰሚርካን ብሓባር ኰንካን ነዚ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብምእላይ ጥራይ ምዃኑ ንዂሉ ብዘየማትእ ብሩህ ኰይኑ’ሎ።

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ካብዚቐውም ኣትሒዙ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላምኡ ኤርትራዊ ዜጋ ብፍላይ ከኣ ኤርትራዊ መንእሰይ መሰላቱ ፈሊጡ ክሓተሎምን ክቃለሰሎምን ካብቲ ዝጸዓረሉን ሕጂውን ዝቃለሰሉ ዘሎን ዓበይቲ ዕላማታቱ እዮ። ከም ኣብነት ኣብ ምብጋስ ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንዋታውን ሞራላዊን ደገፋቱ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣወፍዩ እዪ። ከምኡውን በብዓዱ ኣብ ኤውሮጳ መንእሰይ ክነቅሕን ሓላፍነቱ ክስከምን ናጽነቱ ሓልዮ ክውደብን ብኹሉ ዓቕምታቱ ሰሪሕሉን ዝሰርሓሉ ዘሎን ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ እዮ። ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ኢትዮጲያን ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓሳት የርኢ ኣሎ። ሓለፍነቱ ክሰከም ቅሩብነቱ እንዳለዓለ ይመጽእ ኣሎ።

ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ብጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ክዝቲን ፍታሕ ክደሊን ክእከብን ክውደብን ብዘይ ገደብ ክንድግፍ ጸኒሕናን ኣሎናን። ክሳብዚ ቁሩብ ግዜ ድማ መንእሰይ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብብዝሒ ቁጽሪ ዘይምንባሩን መንእሰይ ብኸመይ ኣብ ቃልሲ ክጽንበር ይኽእል ዝብል ሕቶ ሓደ ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት ዘይተመለሱ ሕቶታት ኮይኑ ጸኒሑ። ሎሚ ግን ኤርትራዊ መንእሰይ ነቲ ሕቶ ብግብሪ እንዳመለሶ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ብተዛማዲ ሓዲሽ ተርእዮ ኸኣ ዓቢ ተስፋ ዝህብ ምዕባለ ናይዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታትን ኣዋርሕን እዮ።

ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ከከባቢኡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ ዝተላዕለን ነብሱ ናብ ምውዳብ ገጹ ዝጎይይ ዘሎን እዮ። ናብ ቃልሲ ዝብገስ ዘሎ ናይ መንእሰይ ሓይሊ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከብ ነንሕድሕዱ ዘይፋለጥን ጽኑዕ ርክባት ጌና ዘየጥረየን እዮ። ብቢከባቢኡ ብኤውሮጳ ኣሜሪካ ኢትዮጵያን ካልእ ከባቢታትን ናይ ምትእኽኻባት ድሌት ኣሎ። ብግብሪውን ናይ ምጥርናፍ ድሌቱ ኣመስኪሩ እዮ። ከም ኣብነት ኣብ ዋሽንተንን ኢትዮጵያን ዝሓለፉ ዋዕላታት ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ክጥቀስ ይከኣል።

ከም መቐጸልታ ናቱ ካብ ዓለም ምሉእ ዝውሕዘ ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ሓምለ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሃገር ኢትዮጵያ ዝግበር መድረኽ ዘተ ኤርትራዊ መንእሰይ ክሳተፍ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ዝተፈላለዮ ምንቅስቓሳት ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ምሉእ ዓለም ተኣኪቦም ብጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ኤርትራ ዝዝትየሉ ኣጋጣሚ እዮ።

ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብዚመጽእ መድረኽ ዘተ ኣብ ናይ ሓባር ራእይ ምጥራይን ኣብ ናይ ቃልስታቱ ምውህሃድን ዓቢ ግደ ክህልዎ እዪ። ካብ ርሑቕ ዝመጸ ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ምስቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ብብዝሒ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ መንእሰይ ሓባራዊ ዘተ ዘካይደሉ ናይ መጀመሪይ ኣጋጣሚ እዮ። ምስ ህልው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብቐጥታ ናይ ምፍሕፋሕ ዕድል ዝህብ እዮ። ናይ ቃልሲ ሃልሃልታ ናብ ኤርትራ ገጹ ዝጸልወሉ መንገዲውን ከምጽእ ይኽእል እዮ።

ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዘርኣዮ ቆራጽነትን ሓያል ናይ ተቓውሞ መንፈስን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ፍርሕን ራዕድን ክናገፎን ሓዲሽ ተስፋ ለውጥን ፍትሕን ሰላምን ኣብምሃብ ተራ ክህልዎ እዮ።

ብእምነትና መድረኽ ዘተ ኤርትራዊ መንእሰይ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍ ገዚፍ ናይ ቃልሲ ናህሪ ክፈጥር ይኽእል እዮ። ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንነብሱ ወዲቡ ጉቡእ ናይ ቃልሲ ቦትኡ ሒዙ ምስ ውድባትን ሲቪካዊ ምንቅስቓሳትን ብሓፈሻ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ድማ ብፍላይ ጥሙር ናይ ሓባር ቃልሲ ንኽህልዎ ብወገና መድረኽ ዘተ ኤርትራዊ መንእሰይ ዘምጽኦ ዕንቅፋት ኣሎ ኣይንብልን። ብኣንጻሩ ዝያዳ ሂወትን ናህርን ክፈጥር እዮ ዝብል ትጽቢት ኣሎና።

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ካብ መሰረታዊ ዕላማታቱን ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ቃልሲ ተሞክሩኡን ተበጊሱ መድረኽ ዘተ  ኤርትራዊ መንእሰይ ይድግፍን ሙሉእ ዓውት ይምነን።

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ

 

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ - ሽወደን

ኤርትራዊ ማሕበር ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት - ጀርመን

ስኒት ሰላም - ጀርመን

ኤርትራዊ ማሕበር ንሰላም - ጀርመን

መቓልሕ ኤርትራ - ጀርመን

ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን - ኖርወይ

ኤርትራውያን ንፍትሕን ንደሞክራስን - በነሉክስ

ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራሰን - ሲዊዘርላንድ

 

 

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ

Network of Eritrean Civil Societies in Europe (NECS-Europe)

P.O.Box 401 - 1214 Vernier – Geneva – Switzerland – This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ወሳኒ ተራ ኣብ ምቅልጣፍ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ

 

 

ሓምለ 2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...